ኩላትና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ሰፊሕ ህዝባዊ ኣኼባ ኣብ ህይስተንን ከባቢኣን

ኣብ ህይስተን ከባቢኣን ንነብር ኩላትና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ብዛዕባቲ ኣብ ኒውዮርክ ተመዲቡ ዘሎ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ንኽንዘራረብ ሰንበት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቀትሪ፡ ኣብ ካፈ ሎያል ህዝባዊ ኣኼባ ከምዘሎ ብኽብሪ ንሕብር። ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ንርከብ ኩላትና ደለይቲ ፍትሒ ብሓባር፡ ነቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት መርማሪት ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ዝወጸ መግለጺ፡ ንምድጋፍ፡ ከምእዉን ነቲ ኣብ ስዊዘርላንድ፡ እስራኤልን ኢትዮጵያን ዝተፈጸመ ታሪኻዊ ዓወት ደለይቲ ፍትሒ ንምድጋም፡ ን29 ጥቅምቲ 2015፡ ኣብ ኒውዮርክ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሰፊሕን ዕዉትን ሰለማዊ ሰልፊ ከነካይድ ኢና። እዚ ናይ ጽባሕ ሰንበት ኣብ ህይስተን ዝካየድ ኣኼባ፡ ኣብቲ ዘሕብን ታሪኻዊ ፍጻሜ ንምስታፍ ሓበሬታ ንረኽበሉ መድረኽ እዩ። ብድሓን ምጹ።

Café Loyal 6328 Richmond Ave, Houston, TX 77057

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *