ሎሚ ዕድል ንሃቦ ንሓንቲ ኤርትራ ንቃለስ ንዝብለና—አይንኹን ተጸበይቲ ስጋብ ካሎኦት ዝመጹና ።
ጸበባን ባርነት ኤርትራዉያን ዝሳዕረረ ምስ ምምጻእ ህግደፍ ምኻኑ ዘካትዓና ጉዳይ አይመስለንን–እቲ-ኩሉ ክግበር አለዎ ዝበሃል ሓሳባትን ራኢታትን ዘጠቓለለ እሞ ንኤርትራ ዝጠቅምዩ ክግበር ከአ አለዎ ዝበሃል ሕልምታት ብጽሑፍ ተጻሒፉን–ብቃል ተገሊጹን—ተተንቲኑን እንተተባህለ ምግናን አይኮነን ። አብ ተግባር ንምትግባሩን ፍረ ዉጺኢት ንኸሪኢ አብ ምግባሩን -ጥበባት ግን አይተረኽበሉን — ንረብሓን ክብርን ህዝቢ ኤርትራ ክዉዕል ከአ ስጋብ ሕጂ አይተኻእለን ።
እሞ ኸደአ —ብዝተቖራረሰ ቃልሲ ገርካ ዓወት ን ኤርትራ ክተሰላሰልን ህዝቢ ከተድሕንን ከምዘይከአል — ካብ ፈለጥናን ተረዳእናን –እቶም ዝተረአናን—በዚ መስመር ንምቅላስ ዕግበት ዘሕደርናን -ተቓወምቲ ሓይልታትን–ደለይቲ ፍትሕን ዝኾና— በዬናይ አገባብ ኢና— ሓደ ናይ ሓባር ጽላል–መስሪትና –ብዝወሓደ -ንመላእ ኤርትራዊ ስደተኛ— ዘሳትፍን— ዘማእክልን—ሓደ ደምበ መቃልሲ ዓውዲ ክንተክልን—ሓደ ጠቕምን — ረብሓን ምህላዉና ከነረጋግጽን ዝከአለና—ንሱ ኸአ አብ ወተሃደራዉን—አብ ፖለቲካን—አብ ቁጠባን —ንክንሓብር ሃገራዊ ግደታን ሓላፍነትን ክንስከም ኩነታት ኤርትራ ዬገድና አሎ ።
ዕላሙኡ ብሓደ ፕሮጀክትን—ናይ ሓባር ፖለቲካዊ ሕንጻጻትን— ብሓባራዊ – ዉዕላትን –ቃልስና ንምትግባር ንኽከአል አዩ ። ብመሰጋገሪ መድረኽ አቢልካ– ሓደ ጥርኑፍ ሃገራዊ ስርዓት ን ክምስረትን— ሃገርን ህዝብን ናይ ምድሓን ዉሕስነት ንኽረክብን— በዚ አገባብ ዝስረት ሓባራዊ መሪሕነት —ንኽቐዉምኝ ንኽከአል–ኮይኑ— ነዚ ከም መሰረታዊ ናይ መቃለሲ ዕላማናን— ቀዳማይ ደረጁኡ –ን ኤርትራ ካብዚ ገጢምዋ ዘሎ ጸበባን ግፍዕን ንከነናግፋን—ካብዚ ፋሕ ብትን ኢልካ ምንባር ከነድሕናን—ህዝብና ሰላማዊ ናብሩኡ ብሓባር ንኽካይድን—ሓድሽ ወለዶ ብሓድሽ መንፈስ ቀጻል ወለዶ ኤርትራ ኮይኑ— ንኽቕጽልን- ንኽበቅዕን ሕልምናን ትምኒትናን ቀዳምነት ንህዝብን ሃገርን ከድሕን ብግብሪ ንቃለስ ምህላዉና ክረጋገጽ ኽከአልን እዩ ።
ከሙኡ ዉን ፖለቲካዊ ስልጣን ካብ ጉጅለ ህግደፍ መንዚዕካ ንህዝቢ ንምርካብ ምኻኑ ክርሳዕ ዘይግቦኦ ምኽኑን እዩ ።
እቲ ኤርትራዊ ሓላይ ሃገሩ ኸአ— ንሕቶ ኤርትራ ብስነፍልጠታዊ መንገዲ ክትንትኖን —ዕላማ ቃልሱ ነጻነት ዬዕቁቡ ኤርትራዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ንምዕዋት ክኸዉን ከምዝግቦኦ ክቕበሎ ዘገድስ ይመስለኒ ። ርግጽ እዩ አብዚ አብ ፖለቲካ ጥራይ ዝድረት ቃልሲ ከምዘይብልና ርዱእ ክኸዉን ዘገድስ እዩ— ምጣኔ ሃብታዊ ርዉዬት ሕብተ-ሰብ ኤርትራ ንምርግጋጽ— ዓብይንን ከቢድን ሓባራዉን ጻዕሪ ቃልሲ ዝሓትት ኮይኑ -ነቲ ፖለቲካዊ ነጻነት ምልእት ዝህቦን —ብሕብረተሰበኣዊ ሸነኹ ንክሪኤ ዘገድዶን ምኻኑ እዩ ። ማለት -ዝተጨቆኑ–ን-ዝተሰዱ–ን-ዝዓረቑ—ንዝደንቆሩ —ብቐዳምነት ንኽሬኤን ክጥቀምን ዲሞክራሲያዊ መስርሓት ዬገድደና—እቲ ክርሳዕ ዘይብሉ — ካብ ቁጽሪ ሕብረተሰብና እቲ ዝበዝሔ ሓረስታይ ምኻኑ እዩ ።
ክፍሊ ምንቕቕሕን—ሙዚቃን ትያትርን ተጀሚሩ ዘሎ ብምድጋፍ
ንጽቡቕ ባህልታት ከማዕብሉን —ነቲ ዘዬድልን ን ኤርትራ ዘዬገልግልን ከአልዩን— ኤርትራዊ ባህላዊ ምዕባለ ንከረጋግጹን —ቃልሲ ኤርትራውያን ከም አካል ቃልሲ ተራእዩ ንምትብብዑን ንምሕብሓቡን ምቅላስ አገዳስነቱ ዓቢ ምኻኑ ከነስተብህለሉ ዬገድሰና እዩ ብማለትይላቦ ።
ንመንእሰይና ብፍላይ ንዓኻ
ፍርሒ ከም ቀጥታ ዝኽፈል ገንዘብ ኮይኑ— ንመጥቃዕቲ ናይ ዝዕንብብ ዕንባባታት- ቃልስታትን– ጸጥትኡን—ዝቕንጥብ— ተጻይ ን ሰላም እዩ ። መንእሰይ ኤርትራ/ ኤርትራዊት—ወለዶ ክሕደስን ቀጻል ወሎዶ ኮንካ ክትቅጽልን ናይ ኤርትራ ግንባር ክትከዉንን ምእንቲ ንኽትበቅዕ—ብዕድመ ካብ— 18 ስጋብ 35 —ዓመታት ዘሎካ ብሓደ ተጠመር ንሕብረትካ ከም ኤርትራዊ መንእሰይ አብ ዲያስፖራ–ይኹን ። -ካልእ ናይ ፖለቲካ ፍልስፍና ከዬጋፋሕካ ንቓልስኻ አብልሕ ።
ዕላማኻ አነጺርካ—መሰረታዊ መደብ ዕዮታትካ ሰሪዕካ— ሕብረተሰብካ ከተሕብር —ህዝብኻን ሃገርካን አብ ምድሓን አብ ናይ ቀዳማይ ግንባር ግደ ንክህልወካን—ናትካ ታሪኽ ባዕልኻ —ን ኽትስርት ንኽትበቅዕን —ናይ ሕጅን ጽባሕን ኤርትራዊ ራኢኻ ዘሪእካ ከተፍርን ንኽትበቅዕ ።
ከም መንእሰይ ኤርትራ —ን ዕዉርነት ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ኤርትራን— ኤሊታት ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዉያን ሓይልታትን—ገጢምካ —ተኸላኻሊ ነጻነት ህዝቢ ኤርትራ ንኽትከዉን —ንናይ ራኢታት ፍልልያት ደለይቲ ፍትሒ ንኸተስተኻኽልን— ናብ ህዝባዊ ቃልሲ ቃልሲ ደለይቲ ፍትሒ ክልወጥን ንኽትገብር ክትበቅዕን 1ይ ቃልስኻ ክትገብርን እላበወካ ።
ብብሄር/ ብእምነታት/ብዓሌት /ተፈላሊና መሰረት ናይ ምፍልላይ ንርእስና ተቓለስቲ ካብ ምኻን ከይወጻእና ህዝቢ ዘይሓበረ ምባል ንባዕሉ ዝራጸም ጉዳይ እዩ ። እዚ መግለጺ ውልቃዊ- ፖለቲካን መንጸፍ ንትሕጃ ቦታኻን ዘተባብዕ አገባብ–ፖለቲካ ምሓዝ—ዝወሰዶ ዓመታት ብምንጽጻር—ንቓልሲ ሓባር ዝደቁስን ንግላዊ ርዉዬት ዘዕግብን ሜላ እዩ ።
መለለይ ኤርትራዊ ከም ሓደ ፍጡር ሰብ / አብ ኤርትራ ዝነብር ኤርትራዊ ኡኹል መለለይን መንነትን አለዎ ካልእ መንነት ንምሓዝ ዘድልዬሉ ምኽንያት ዬብሉን ።
ከም አፍልጦ / ባህሊ እንተዝኸዉን ዲቨርሲቲ ኢልና መመኽነናሉ ግና አይኮነን —እቶም ምስውጹዕ ህዝቦም ዝሓብሩ ሙሁራት ኤርትራ አብዚ ግደኦም ክጻወቱ ክጽውዑ አገዳስነት አለዎ አገደስቲ ከአ እዮም ።
ነዚኢታት ግቡእ ገለጻን መረዳእታን ክገብርሉን ኩሉ ናብ ሓድነትን —ጸረ ጭቆናን ባርነትን ህግደፍ ንከስተባህልን—አንጻር ህግደፍ ጥራይ ቃልስታት ንኸቕንዕን ህዝቢ ክጽዉዑ ን ከስተምህሩን ኤርትራ የድልያ አሎ ።
መሬት ኤርትራ ብ አብ መቓብር ዝሰፈሩን ብመቓብር ዝሓረሞምን ብኽትኩኡ ዘይኽእሉ ስዉአት አሓትናን ዬሕዋትናን
አጥልቕሊቓን ጠልቅያን አላ —ንሕናዉን ዘይሓልፍ ዬብልናን —ነብሲ ወከፍና ኸአ ዘይንትካእ ኢና ።
ከም ተስፋ ዝቖረጸ ተቓላሳይ ንሽግር ኤርትራ ብኽልተ ጫፉ ክንሕዞ አይንፈትን —እቲ ዝሓሸ —ውልቀሰባት ይኹን ጥርኑፋት ንስጥመትን ዕድመን ዲሞክራስያነት አብ ኤርትራ ክንከላኸል ይግበአና ኢልና ንዕጠቕ ።
ብግቡኡነት ዲሞክራስያነት ዉልቀሰባት ኤርትራዉያን ን ክንመዓራረ ከምዝከአል እንተንሰማምዓሉ ቃልሲ ከፍሪ ምኸአለ።በቲ ይኹን በዚ አርሓ ናይ በለጽ ጸረ ዲሞክራሲ እዩ አብነብሱ ከአ አይተአማመንን እዩ ።
እሞ ብልሽዉናን ግበታን ህግደፍ ንዓና ኤርትራዉያን ዝገደደ ካብ ዳዔሽ እዩ ምባል አጋንኖ አይመስለንን
ምሱኡ ናይ ዝነበርና ዕድመ ንእስነትና ዝቐተለ—ናይ ሓድሽ ወለዶ —ዕድመ ንእስነት ዘቃጸለ ናይ ታሪኽ ገበነኛ እዩ ።
ነዚ ሓቢርካ ንኸይእለ ዕንቅፋት ምኻን ግን ንምግላጹ ቃላት ዝርከቦም አይመስለንን ።
23/09/15—አብርሃም = ኢያሱ