ቅነ ሓፍላታት ወዲኡ ደጊም ክራማት ኣትዩ ናይ ሓጋይ ወርሓት ዝጸልእ መን ኣልዩ።

ቅነሓፍላታትወዲኡደጊምክራማትኣትዩ ናይ ሓጋይ ወርሓት ዝጸልእ መን ኣልዩ።

ኣብ ገለ እዋናት ጠገለ-ዘይብሉ ሙቕት ኣብዝኾነሉ፡ ናይ እዋኑ ናይ ስምዒት ቃላት “ክራማት ዝናፍቕ” የሎን ማለት ግን ኣይኮነን። እምበር ንዓይንኻ ብርሃን፡ ልብኻን ቀልብኻን ዝኸፍት ህዋ እናሬአኻ እቲ ብሰባት ዝፈጥር ጸገማት እንተዘይህሉ ከመይ ኣቢልካ ክጽላእ። ወርሓት ሓጋይ ብዘይካ’ቲ ግድነታዊ ንቡር ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት፡ ናይ መርዓ፡ ሕጸ፡ ንግደት፡ ካልእ ፖለቲካዊ ሓፍላታት ተደሚሩዎ ፈልከት ዘየብል ወርሓት ምዃኑ ከይፈቶኻ ክራማት እትናፍቐሉ እዋን ኢዩ ምባል ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣይመስለንን። እቲ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታትኳ ፈቲኻ ጸሊእካ ንመን ክትህቦ ኢልካ። ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ሓፍላታት እንተሪኢኻ ግን፣ ንጥፍኣት ህዝብናን ሃገርናን ዘድሕን ኣብ ተግባር ዝውዕል፡ ዘተን ምኽርን ዝዓለመ እንተዝኸውን እኳ ልዕል’ቲ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ክርአ ግቡእ ምነበረ። እንተኾነ ግዳ፡ ከምታ ” Dinner for one” እትብል ናይ ቅነ ልደት ድራማ ዝዓይነቱ ፖለቲካዊ ሰሚናራት፡ ኣኼባታት፡ ፈስቲቫላት ክትርኢ እንከሎኻ ምስ ባህሪ ምብኣስ ዘገርም ኣይኮነን።

ኣብዚ ዝሓለፈ ቅነን ኣዋርሕን ኣብ ሃገረ-ጀርመን ሓያሎ ፈስቲቫላት ከምዝተገብሩ እቶም ብኣካል ዝተሳተፍኩሙዎ ናይ ዓይኒ ምስክር እቶም ክግበር ምዃኑን፡ ምስተገብረ ውጺኢቱን ኣብ መርበብ ብዙሓን ዝነበብኩሙዎ ስለዝኾነ ሓዱሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብ ትሕዝቶኡ’ውን ከምታ “Dinner for one” ካብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝፈልዮ ምንም ሓዱሽ ነገር ከምዘይብሉ ናይ ኣካል ምስክርን ነባብን ክምስክሮ ዝኽእል ኢዩ። እቲ ኣዝዩ ዝገርም ግን ኣብ ባይታ ኣብዝስራሕ ስራሓት ክተሓናኾሉ ዝጸንሑ ውድባት፣ ዕዱማት ናይ’ቲ ኣስተናጋዲ ኮይኖም ቃል ኣብዘስምዕሉ እዋን ጸጉሪ-ርእስኻ ደው ዘብል ዘረባታት ክትሰምዕ እንከሎኻ ኢዩ። እተን ልሙዳት ሙቁራት ቃላት፣ ብዘይካተን ሞጎስን እንቋዕ ሓጎሰኩምን፡ ካልእ ተወሰኽቲ፡ ምስ ውድብኩም ክንሰርሕ ጸገም የብልናን፣ ምሳኹም ዝፈላልየና የሎን፣ ዝብላ ፍቱዋት ቃላት መሰረታውያን (standard) ክትሰምዕ እንከሎኻ መፈጠርካ የጽልኣካ። እዘን ኣበሃህላታት እዚኣተን ናይ ደሓን ይሃበና ምዃነን ዝዘንገዐ ለዋህ ሰማዒ ምናልባሽ ድራር-ዕለት ክኾና ይኽእላ፡ ንጽባሕ ምሳሕ ዝኾና ስለዘይኮና ግን ጥሜት ናይ ጽባሕ ባዕሉ ዝምልሾ ሓቂ ኢዩ።

እዚ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዝተገብረ ፈስቲቫላት ብዘይካ ናይ ሰ.ዲ.ህ.ኤ.፡ ዝተረፋ ኩለን ብኣባላት ባይቶ ዝኾና ውድባት ዝተገብረ ፈስቲቫላት ኢዩ ነይሩ። እዘን ኣባላት ውድባት እዚኣተን ኣብ ምዕዋትን ምድኻምን ባይቶ ይዕበ ይንኣስ እጃም የብለንን ክበሃል ዝከኣል እውን ኣይመስለንን። በቲ ቀንዲ ናይ ሓድነት መሳርሒ ኢለን ዝተቐበልኦ ባይቶ ኣልዒለን፡ ሽግራቱ ንምእላይ ይኹን ህልዊ ኩነታቱ፡ ንህዝቢ ክሕብራስ ይትረፍ ገለ-ገሌአንስ ንስሙ እውን ከይዘከርኦ ዝሓለፋ ኣለዋ ኢየን። ብሓፈሻ ነቲ ፈስቲቫላት ብጽኑዕ ንዝተኸታተለ፡ ኣብ ባይቶ ዘለወን ክብርን ተስፋን ጸንቂቐን ኣማራጺ ዝደልያ ዘለዋ ኮይኑ ኢዩ ክስምዖ ዝኽእል። ከም’ዚ እንተድኣ ኮይኑ ድማ ብትብዓት፡ እዚ ዝተሰርሓ ጽላል መሰረታዊ ጸገማት እንተነይሩዎ፡ ንምፍዋሱ ዝገበርኦ ጻዕርታት ንህዝቢ ገሊጸን ኣማራጺ ይደልያ ከምዘለዋ ምሕባር ገለ ቁሩብ ተኣማንነት ከሕድረለን ምኸኣለ። ብዝተረፈ ግን ከምቲ ምስላ “ባዕላ መምጺኢት ደርፊ፡ ባዕላ መጥፊኢት ደርፊ” ዝበሃል ባይቶ ንኽዕወት ውድባት ዘይተኣደነ ጻዕርታት ገቢረን ከብቅዓ፣ ኣብ ውድባት ጥራይ ከይተሓጽረ ኣብ ህዝቢ ኣብዝበጽሓሉ እዋን፡ ናይ ሓባር ጽላል ንኸይሰርሕ ገቲረን ሒዘንኦ እናሃለዋ፥ እዚ ንህዝቢ ዝቐረበ ምቁር ቃላት ናይ ፈስቲቫላት ድራር ይኹን ምሳሕ ከምዘይከውን ክግንዘብኦ ይግባእ። ሎሚ ነቲ ናይ ሓባር ጽላል ከም ጉዚ ናይ ላም ኣብዝመቓቐላሉ ዘለዋ እዋን፡ እንታይ ዓይነት ናይ ሓባር ስራሕ ይድለ ከምዘሎ ፍጹም ንምርድኡ ዘጸግም ኢዩ። እቲ ኣውራ ጸገም ግን፡ ኣብ’ቲ ናይ ደሓን ይሃበና ዘረባ፡ እታ ሓንቲ ምስታ ካልእ ብሓባር ንምስራሕ ጸገም የብልናን ክበሃሃላ እንከለዋ እቲ ጸገም ካበየናይ ሃዋህው ይነጥብ ከምዘሎ ንምርድኡ ኢዩ። እቲ ጽላል፡ እቲ ብሓባር ምስራሕ፡ ንምውዳቕ ነዚ ኣረሜናዊ ስርዓት ዘይትደሊ ውድብ ይኹን ውልቀ-ሰብ ከምዘየሎ ውሁብ’ኳ እንተኾነ፡ ዝሓለፈ ተመኩሮታት ብግቡእ ንዝገምገመ ግን ውልቃውን ውድባውን ጽበት ዝመንቀሊኡ፣ ሕቶ መሪሕነት ልዕሊ ስርዓተ-ሕጊ ምርኣይ ዘይበለየ ኣተሓሳስባታት መሰረት ናይ’ዚ ሽግራት ምዃኑ ንምግምጋሙ ዘጸግም ኣይመስለንን።

ስለዚ ብኣጠቓላሊ ተሳታፊ ናይዚ ናይ ሎሚ ቅነ ሓፍላታት’ዚ በዚ ናይ ዕለቱ ድራር ንምሳሕ ዘይከውን፡ ዓሚ፡ ቅድሚ-ዓሚ፡ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመታትን ዝላደየሉ ስለዝኾነ ኣብ ከንቱ ተስፋ ዝጽበ ዘሎ ኣይመስለንን። እቲ ዕላማ ካብ ናይ ጊዚኡ ውድባዊ ረብሓ፡ ወይ ስምዒታት ደቂ-ሰባት ምትስሳእ ዝነቐለ እንተኾይኑ ከኣ መዓልቲ ምስሓለፈ ኣብ ንቡሩ ከምዝምለስ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ትማሊ ዝዓጠቕካዮ ዕጣቕ እናተፈትሐ ሓዱሽ ዕጣቕ እንተናዴኻ ባዕሉ ዝእሰር ስለዘይኮነ ምፍትሑ ከቶ ስለዘይተርፍ።

ሰላምን ቅሳነትን ንህዝብና

ባይረ ሰረቕ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *