ናይ ሓዘን መግለጺ። ደሞክራሲያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዞባ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።

tsegai_tekle

 

ዕረፍቲ ሓውና ሓርበኛ ጸጋይ ተኽለ (ጠቓሚየይ) ምስ ሰማዕና ኣዝዩ ኣሰንቢዱናን ኣሕዚኑናን ኢዩ። ሓፈሻዊ ኣፍልጦና ብዛዕባ ሓውና ጸጋይ ተኽለ፡ ኣብ ግዜ ንኡስ ዕድሜኡ ከም ኩሉ መንእሰይ ናብ ሜዳ ብምውጻእ ምስ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ምእንቲ ሃገሩን ህዝቡን ግቡእ ተራኡ ተጻወተ። ጅግና ምንባሩ ብዝያዳ ንዕኡ ኣብ ቃልሲ ዝፈልጥዎ ድማ ጸጋይ ዓቃልን ህዱእን መስተውዓልን፡ ንዝተዋህቦ መደብ ብትብዓት ይፍጽም ከም ዝነበረ ይትረኸሉ። ኣብ መጨረሻ’ውን ጸጋይ ፡ ተሓኤ ተደፊኣ ሱዳን ክሳብ ትኣቱ፡ ብትብዓት ዝተቓለሰ ጅግና ምንባሩ ምስኡ ብቐረባ ዝፈልጥዎ ይዛረብሉ። ሓውና ጸጋይ ዓሪፉ ካብ ተፈልየና ድማ ንዕኡ መንግስተ ሰማይ ይዋርሶ። ንኹሎም ስድራ ቤቱን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም፡ እንዳበልና ኩልና ኣባላት ደግሓኤ ዞባ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ናይ’ዚ መሪር ሓዘን ተኻፈልቲ ምዃንና ንገልጽ።

ሽማግለ ዞባ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ዕለት 9-3-15

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *