መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ ካብ ውልቀ መላኺ ሃዲሞም ናብ ሃገሩ ንዝኣተወ ኤርትራውያን ዕቑባ
ይነፍጎም ኣሎ ክትብል፡ ዘ ኢንደፐንደንት ዝተባህለት ጋዜጣ ጸብጺባ።
መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፣ ቁጽሪ ስደተኛታት ንምውሓድ ዘውጸኦ ውጥን ንምዕዋት ክብል፡ ብሰንኪ‘ቲ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ዝኽሰስ ዘሎ ውልቀ-መላኺ ስርዓት፡ ሃገሮም ገዲፎም ንዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ዑቕባ ይነፍጎም ኣሎ ክትብል ጋዜጣ ዘ ኢንደፐንደንት ኣብ ገጻታ ኣስፊራ። መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 2015 ኤርትራውያን ስደተኛታት ናብ ኤርትራ ምስ ዝምለሱ ዘጋጠሞም ሓደጋ የልቦን ዝብል ካብ ሰበስልጣን ናይ’ቲ ጨፍላቒ ስርዓት ንዝረኸቦ ኣጉል ውሕስነት ተመርኵሱ፡ ጉዳይ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ምውሳን ሰራሕተኛታት ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ ንዝውከሱሉ መምርሒ ድሕሪ ምኽላሱ፣ ኣውንታዊ ምላሽ ሕቶ ዑቕባ ኤርትራውያን ኣዝዩ ለጠቕ ከምዝበለ ነታ ጋዜጣ ብምጥቃስ ኣሰና ብ31 ነሓሰ 2015 ኣፍሊጣ። ኣብ ዝሓለፈ 12 ኣዋርሕ ክሳብ ወርሒ ሰነ 2015 ኣብ ዘሎ ግዝያት፣ 3568 ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ሕቶ ዑቕባ ከቕርቡ ከለዉ፣ ካብታ ብኵናት ተሓሚሳ 4 ሚልዮን ህዝባ ተሰዲዱ ዘሎ ሶርያ 2204 ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዑቕባ ከምዝሓተቱ ዘ ኢንደፐንደት ይጠቅስ። ይኹን ‘ምበር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ንስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ብዘውርዶ ዘሎ መዳርጊ ዘይብሉ ግፍዕታት ማዕረ ብገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት እናኸሰሶ ኸሎ፣ መንግስቲ እንግሊዝ ከምዚ ዝኣመሰለ ዝንቡዕ ስጉምቲ ብምውሳዱ ቀጻሊ ወቐሳን ነቐፌታን ይወርዶ ኣሎ ክትብል ኣረዲኣ።
ፖሊሲ ስዊዘርላንድ ንዘይሕጋዊ ግብሪ 2% ንምግታእ ዘኽእሎ ምርመራ ከም ዝጀመረ ይግለጽ ኣሎ።
ፈደራል ፖሊስ ስዊዘርላንድ ብኤምባሲ ኤርትራ ንዝእከብ ዘሎ ዘይሕጋዊ ግብሪ 2% ሓቅነቱ ብጭብጢ ንምርግጋጽን ንምቁጽጻርን ዘኽእሎ መርመራ ከምዝጀመረ፡ ዳይረክተር ፈደራል ፖሊስ ኒኮለታ ደላ ቫለ፣ ምስ ማዕከን ዜና ኤስ.ኣር.ኤፍ. ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ ሓቢሩ ክብላ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ንሱ ብተወሳኺ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርከቡ ኤርትራውያ 2% ክኸፍሉ ምፍርራሕ ከም ዝግበረሎም፡ ነዚ ብኤምባሲታትን ቆንስላዊ ጉዳያትን ዝእከብ ዘይሕጋዊ ግብሪ ደው ክብል ድማ፡ ካብ ሓያሎ ወገናት ጥርዓን ክመጽእከምዝጸንሐሓቢሩ። ዝበዝሑ ኤርትራውያን ቃል ምስክርነቶም ክህቡ ስለዝፈርሁ ነቲ መርመራ ከም ዘኽበዶ ጠቒሱ፡ መንግስቲ ስዊዘርላንድ ንኤርትራውያን ዑቕባ ክህብ ከሎ ሰብኣዊ ውሕስነት’ውን ይህብ ከምዘሎ ክዝከር ይግባእ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዳይረክተር ፈደራል ፖሊስ፡ ዝኣክል ጭብጢ ምስ ኣከበ፡ ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ወግዓዊ ክሲ ክጅምር’ዩ ክብል ኣረጋጊጹ።
ኤርትራውያን ደረስቲ ናይ ፍርያቶም ተጠቀምቲ ክኾኑ ከም ዘይከኣሉ ተገሊጹ
ካብን ናብን ኤርትራ ዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታት ዳርጋ ፈጺሙ ተዓጽዩ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም መጽሓፍቲ ዘሕትሙ ዘለው ዜጋታት፡ ብሰንኪ ዋሕዲ ዕዳጋ መጽሓፍቲ ኣብ መሸጣ ይህሰዩን ይኸስሩን ከም ዘለው፡ ስሙ ክዕቀበሉ ዝመረጸ ደራሲ፡ ሓቢሩ ክትብል ረድዮ ኤረና ብ31 ነሓሰ 2015 ኣፍሊጣ። 2 እቶም ደረስቲ ነቲ ብክንደይ ሃልክን ኮለልን ዘሕትምዎ መጻሕፍቲ፡ ርትዓዊ ዋጋ ከምዘይረኽብሉ፡ ኣብ ምሕታምን ምዝርጋሕን መጻሕፍቲ ዝያዳ ተረባሕቲ ኮይኖም ዘለዉ፡ ብህግደፍ ዝውነና ኣሕተምቲ ሕድርን ምሳኣተን ዝተኣሳሰሩ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ዜጋታትን’ዮም ከም ዝበለን ገሊጻ። ደረስቲ መጽሓፍቶም ብዘይ ፍቓዶም፡ ኣብ ከም በዓል እስራኤል ዝበላ ሃገራት፡ ከም እንደገና ተሓቲሙ ከም ዝዝርጋሕ፡ ብሕጋዊ መንገዲ ከሲሶም ግቡእ ፍርዲ ከይረኽቡ ከኣ፡ ከም ማንም ዜጋ መሰል ምንቕስቓስ ዝተሓረሞም ብምዃኖም፡ መረረ የስምዑ ከም ዘለውን ኣረዲኣ። ፈነወ ረድዮ ድምጺ ስለኣምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 04-00-2015