ሕብረት ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኤርትርያ UNITED DEMOCRATIC MOVEMENT OF ERITREA ዝኽሪ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ

515 - Copy (2)

ህዝቢ ኤርትራ አብ ግዜ ፈደረሽን ዝተኸሎ ደሞክራስያዊ ምሕደራ ብዓመጽ ድሕሪ ምፍራሱ፡ ብረታዊ ቃልሲ ክጅምር ግድን ስለ ዝኾነ፡ አብ ጎቦታት አዳል መቓልሕ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ብስዉኣ ጅግና ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ቦኽሪ ጥይት መስከረም 1 1961 ተተኰሰት።

መስከረም 1 ዝወለደቶ ብረታዊ ቓልሲ፡ ብዙሓት ጀጋኑ ብምኽፋል ድሕሪ 30 ዓመት ግንቦት 25 1991 ሃገራዊ ነጻነት ተረጋገጸ። እንተኮነ ግን ነጻነት ሽም እምበር፡ ንህዝቢ ኤርትራስ፡ ዝነበሩ ገዛእቲ ይሕሽዎ እንተ ተባህለ ቃል አጋንኖ አይኮነን።

ሕልሚ ጀጋኑና ተሰሪቁ ብአንጻሩ ድርብ ባርነት አብ ሃገርና ተወሊዱ፡ ህዝብና አብ ናይ ጥፍአት መአዲ ተሸኒኑ ይርከብ። ከዳዕ ጉጅለ ህግደፍን ሰዓብቱን ሓልዮት ህዝብን፡ ሃገርን ከምዘይብሎም አብ 24 ናይ ነጻነት መዋእል፡ ዝፈጠርዎ ብርሰት ሃገር ንኩሎ ደም ዘለዎ ኤርትራዊ ብሩህ መዓቀኒ እዩ።

እዚ ስለ ዝኾነ  ሕብረት ደሞክራስያዊ ምንቕስቓስ ኤርትራ ፡ ኩሉ ሓይልታት ኤርትራ ንድሕነት ሃገርን ህዝብን ብኹሉ ዓቕሙ አንጻር ህግደፍን መጋበርያታቱን ክሰርሕ ብናህሪ ምስ ኩሉ ሓይልታት ተቓውሞ ክምርሽ ቓል ይአቱ።

አተሃላልዋ ተቓውሞ ዋላዃ ንኹሉ ብሩህ እንተ ኮነ፡ ካብዚ ማሕለኻ ወጺእካ ንድሕነት ህዝብካ ከም ቀዳማይ ዕላማ ዝለዓለ ተበግሶ ምውሳድ፡ ወዓል ሕደር ዘድልዮ መደብ ከምዘይ ኮነ ብምፍላጥ፡ ንአታሃላልዋናን ድኽመትናን ክንቁዝመሉ ዘይኮነ ከነዐርዮ ምቅላስ መተካእታ የብሉን።

አብ ወጻኢ ንርከብ  ኤርትራውያን ካብ ምሉእ ዓለም አብ ሓደ ተጥርኒፍካ፡ አንጻር ቀዳማይ ጸላኢና ቅልጽምና ጠርኒፍን ምብጋስ እዋኑ እዩ። ከምኡ’ውን ሃገራዊ ባይቶን፡ ውድባት ዘይተጠርነፋን ንዝጸንሖ ሽግራት አልዩ፡ ናይ ሓባር ጸላኢ ምስዓር  ህዝብን ሀገርን ንምድሓን ክግስግስ አገዳሲ እዋን እዩ።

ሎሚ ሃገር አብ ሰንከልከል በጺሓትሉ ዘላ እዋን፡ አብ ቆዮቛ ግዜካ ምሕላፍ፡ እዋኑ አይኮነን።

በዚ አጋጣሚ ንኹሎም ኤርትራውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ሓደጋታት ዓገብ ንብል፡ ናብ ሓደጋ ዘሳጥሕ ቦታታት ጎረባብቲ ከይክዱ ምጥንቃቅ አገዳሲ እዩ ንብል።

ኩሉ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰላማዊ ሰልፍታት ዕውት ብምኻኑ አገናዕ ንብል፡ እንተኮነ ግን ሰላማዊ ሰልፊ ጥራሕ ንህግደፍ ካብ ሱሩ ክጉሕፎ ስለ ዘይክእል፡ ኩሉ ወተሃደራዊ ሓይልታት ተጠርኒፉ ከድምዕ ንላቦ።

ዝኽሪ ንሓደ መስከረም!

ዓውት ንህዝቢ ኤርትራ፡

ዝኽርን ሞገስን ንጀጋኑ ስው አት፡

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *