UN ” ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና “ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ

ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ንኹሉ ርጉጽ ዘይኮነ ትጽቢት ዝወሃብ ምስላ`ዩ። ኣብ ሰማይ ዘሎ ደበና ረጊጹካ ዝሓልፍ፤ ወይ ጠቃሚ ዝኾነ ውሱን ዓቀን ኣዝኒቡ ደው ዝብል፤ ወይ ከኣ ለኻኺሙ ዝኸይድ፤ ወይ ኣብ ዘይተደላዪ ወቅቲ ዘኒቡ ዘራእቲ ዘባላሹ ክኸውን ይኽእል። ደበና UN ነቲ ድሕሪ ምብቃዕ 2ይ ውግእ ዓለም ንነጻነት ኣፉ ከፊቱ ዝጽበ ዝነበረ ህዝቢ ኤርትራ ረጊጹ ብምሕላፍ ኣብ ሊብያን ሶማልያን ጥራሕ ምስ ዘነበ፤ ብድሕሪኡ ዳርጋ 20 ዓመት ኣብ ዘይቁሱን ናብራ፤ 30 ዓመት ኣብ መሪር ብረታዊ ቃልሲ፤ ርብዒ ክፍለ-ዘመን ኣብ ትሕቲ ምልኪ ክነብር ጌሩዎ`ዩ። ናይ ሓደ ወለዶ ዕድመ !!! UN ንኣህጉራዊ ርግኣትን ሰላምን ንምርግጋጽ ዝቆመ፤ ንርግኣትን ሰላምን ዓለምና ዝጸሉ ምጣኔ ሃብታዊ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ እምነታዊ ….. ወዘተ ጠቀስ ዛዕባታት ዝውግንን ንኣህጉራዊ ርግኣት ብኣሉታ ዘይጸልዉ ክኾኑ ዝገብርን ትካል`ዩ። ከምቲ ግቡኡ። UN ብመሰረት`ቲ ዘለዎ መትከል እንተዝሰርሕ፡- 1- ብዝኾነ ይኹን ምኽንያት ንገዛእ ህዝቦም ዘጽንቱ፤ንገዛእ ሃገሮም ዘዕንዉ፤ምስ ህዝቦም ዝዋግኡ መራሕቲ ኣብ ዓለምና ኣይምተራእዩን። 2- ብሃይማኖትካ፤ ብመበቆልካ፤ብሕብርኻ፤ ንዓይ ስለ ዘይትመስል፤ ኮታ ካባይ ዝተፈለኻ ስለ ዝኾንካ ክትነብር የብልካን ! ክቀትለካ ኣሎኒ! ክረግጸካ ኣሎኒ! ዝብል፤ ቅድሚ ምስ ፍትሒ ደቂ-ሰብ ንፍጹሙነት ተግባር ፈጣሪ ዝጻረር ኣተሓሳስባ ገና ኣብ ሓንጎል ገለ ሕሙማት እንኮሎ ምኣጎለ። 3- ኣብ 21 ክፍለ ዘመን፤ መጓዓዓዝያ ዝተወንጨፈሉ፤ሓበሬታ ከም በርቂ ብቅጽበት ዝዝርጋሓሉ ዘሎ እዋን ብማይ ጽምኢ ዝረግፉ ሰባት ክህልዉ ኣይምተገበኤን። ወዘተ ኮታ! ከምቲ መትከል UN ዝብሎ ዝተረጋጌት፡ ሰላም ዝሰፈና ዓለም ምሃለወትና። እቲ UN ክብጻሕ ኣለዎ ኢሉ ዝሓንጸጾ ርግኣት ዓለምና ዘይትግበር ኣንቀድዓዊ ሓሳብ ኣይኮነን ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ህዝቢ ዓለም ባህ እናበሎም ብዝወሓደ ክሳራታት ከተግብርዎ ዝኽእሉ ተወዳዳሪ ዘይብሉ ክፍጸም ዝኽእል ሰብኣዊ ኣበርክቶ`ዩ። እቲ ጸገም ዳኣ ኣበይ`ዩ? መትከላት UN ኣብ ክንዲ 1+1=2 ፤ ብዓንቀጽ ዓንቀጽ ዝመጸካን ዝኸደካን ትፈልጠሉ ዘየማትእ ግሉጽ ፍሉጥ ዝኸውን ልክዕ ኣብ ሰማይ ከም ዘሎ ደበና ኮይኑ ክወቅዕ`ዩ እናበልካዮ ዝዕዘር ሎሚ ዝተጸበኻዮ ንጽባሕ ኮይኑ፤ ሎሚ ንዝበደለ ክቀጽዕ ጽባሕ ንዝበደለ ክኽሕስ፤ ንተመሳሳሊ ጸገማት ኣብቲ ኢዱ ከእትው ኣብቲ ኣማዕድዩ ክዕዘብ፤ ነቲ ክኹንን ነቲ ከመኻኒ ……. ይረኤ። ከምዚ ክኸውን ዝገበረ ኸኣ ኣሰራርሓ ናይ`ቲ ትካል`ዩ ። ብዓብዩ ኸኣ እቲ VETO ዝበሃል ንዝተወሰና ሃገራት ክሳብ ንቅዋም UN ምርኩስ ጌሩ ንዝወጸ ውሳኔታት ንምውዳቅ ዝተዋህበ ሕጋዊ ሓለፋ`ዩ። ስለዚ 1-“ጉዳይካ” ነተን ሰብ VETOን ማሓዙተንን ብኣወንታ ይኹን ብኣሉታ ዘየገድስ ኮይኑ ብጥምየት ተኾስተር፤ ብሕማም ተቦንቆስ፤ ድንቁር ዊዒልካ ድንቁር ሕደር፤ ብኻራ ተሓረድ ብሓዊ ተጠበስ ሰሚ ይነስነሰካ ዘገድስ የለን። ክረድእ ዝደሊ እንተሎ ከኣ ዝገትኦ የለን። ኣልባብ መፍቱሕ። 2- -“ጉዳይካ” ንሓደ ሸነኽ ሰብ VETOን ማሓዙተንን ዘገድስ ነቲ 2ይ ሸነኽ ከኣ ዘየገድስ ኮይኑ ኸኣ ብመጠን ረብሓ ናይቲ 1ይ ሸነኽ ትጉዳእ ወይ ትጥቀም። 3- ጉዳይካ” ነተን ሰብ VETOን ማሓዙተንን ኣብ ክልተ መቂሉ በብረብሔን ክሪኣኻ ዝገብር ኮይኑ፤ እቲ ይጠቅመኒ`ዩ ትብሎ ሸነኽ ከኣ ነቲ ካብ UN ሶሊኽካ ዝፍጸም ክፍጽም ድሉው ምስ ዘይኮውን ክሳብ ናይ ውረድ ደይብ ሓያላን ዝፍጠር ሩሕካ ትሞልቅ። UN ንተረክቦታትን ተርእዮታትን ዓለምና ኣብ ክንዲ ብዓንቀጻቱ ቀይሱ ዝውግን፤ብረብሓ ናይተን ዓበይቲ ሃገራት ጥራሕ እናቀየሰ፤ ንዓለምና ኣብ ክንዲ ራህዋ ሕሰም፤ኣብ ክንዲ ርግኣት ቅልውላው ክሰፍና ጌሩ። ኣብ ዓለምና ንUN ዝመስል ትካል ምህላው ብጣዕሚ ኣገዳሲ`ዩ፤ ብፍላይ ነቲ ኣብተን ፍትሒ ዘይብለን ሃገራት ዝነብር ህዝቢ፤ስለዚ UN ኣብ ኣሰራሩሕኡ ለውጢ የድልዮ`ሎ ክንብል ንኽእል። ሰውራ። እዚ ሕልሚ ኣይኮነን። እቶም ብዶባት ከይተገትኡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ንመሰል ወዲሰብ ዝጣርዑ ዘለዉ ማሕበራትን ውልቀ-ሰባትን`ኮ ድቂ ናይቲ ኣብ ከርሲ ዓለምና ተጠኒሱ ክውለድ ዘለዎ ፍትሒ እዮም። ንጽል ኣእማን ናይቲ ክህነጽ ዘለዎ መንደቅ ፍትሒ። ኣህጉራዊ ፍትሓዊ ትካል ሎሚ ኣብ ኣእሙሮና እንተሃንጽናዮ ጽባሕ ኣብ ዓለምና ክንሃንጾ ዘጸግም የለን። እከይ`ኳ ዝነገሰ ከመይ ሰናይ ዘይነግስ !!!!!

AAHafiz(190)24/08/2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *