ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ቤትና እሱራት ኢና By assenna on August 23, 2015

Tsilal_Eri ኤርትራውያን ኣብ ገዛእ ቤትና እሱራት ኢና

ኣብ ውሽጢ ሃገርን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለምን እንርከብ ኤርትራውያን፡ ክሳብ ሎሚ ጸገምና ንምፍታሕ ጥምረትን ራእይን የብልናን፡፡ ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎና ዜጋታት፡ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምግላጽ ናጽነት ስለዘሎና፡ ንስርዓት ህግደፍ ዝነቅፍ ወይ ዝውድስ ርእይቶታት ምቅራብን ብቅሉዕ ምቅዋምን ይርአ። ንኣብነት ካብ ሓደ ንላዕሊ ባንዴራ፡ መዓልቲ ናጽነት፡ መዓልቲ ሰማእታት፡ ቤት ጸሎትን፡ ማሕበረ ኮምን ምህላው ልሙድ ኮይኑ’ሎ። መንቀሊ ናይዚ ድማ፡ ብሰሪ’ቲ ስርዓት ህግደፍ ስልጣኑ ንምቅጻል ዝጥቀመሉ ጎጃጃሊ ሜላን ኤርትራውያን ባዕልና እንፈጥሮ ስንፍናን’ዩ። ብፖለቲካዊ ኣጠማምታና ከኣ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ተቃወምቲ ህግደፍ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ክልቲኡ ደምበ ኢድ ዘይሕውሱ ተባሂልና ክንምደብ ንኽእል።

እቶም ኣብ ጉጅለ ደገፍቲ ህግደፍ ዝምደቡ ኤርትራውያን፡ ብግዝያዊ ረብሓ ዓዊሮም ወይ ጌጋን ቅኑዕን ንምፍላይ ኣእምሮኦም ለኩቶም ህግደፍ ወይ ሞት ዝብሉ ኢዮም። እዚኣቶም ፖለቲካዊ ንቅሓቶምን ደረጃ መዝነቶምን ዝተፈላለየ ኮይኑ፡ ዕላማታት ህግደፍ ንምትግባር ዘካይድዎ ንጥፈታት፡ ዝወሃቦም መደባት ስራሕን ዝረኽብዎ ጉንዓታት’ውን ብኡ መጠን ፍልልይ ኣለዎ። እታ፡ ኣብ ጥራይ ጎልጎል “ኣብ ዓለም ከም ህግደፍ ገስጋስን ፍትሓውን መንግስቲ የለን” ትብል ስነሞጎት ግን ንኹሎም ተሓለቅቲ ህግደፍ ትጥርንፍ ቀለቤት’ያ። ሓለፋታት መንበሪ ኣባይቲ፡ ናይ ብሕቲ ማኪና፡ ዝተደራረበን ቁልፍን ሓላፍነታት ምሓዝ፡ ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት ምክያድ፡ ካብን ናብን ኤርትራ ብዘይገደብ መንቀሳቀሲ ፍቃድ ምሃብ፡ ካብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክተርፉ፡ ንፍሉይ ሕክምና ናብ ወጻኢ ብገንዘብ ህዝቢ ክለኣኹ ገለ ካብቲ እሙናት ህግደፍ ዝረኽብዎ ዓስቢ እምነቶምን ጥልመት ህዝቦምን’ዩ።

ጉዳይ ተቃወምቲ ከም ስሞም ተቃወምቲ ሜላታት ህግደፍ ስለዝኾኑ፡ እቲ ንደገፍቲ ህግደፍ ዝስለዓሎም ሓለፋታት ይንፈጎም። ካብ ስርዓት ህግደፍ ዝተፈልየ ኣረኣእያ ስለዘለዎምን ብፖለቲካዊ እምነቶምን፡ ብዘይ መርትዖን ብዘይሕግን ክምቁሑ፡ ክቅተሉ፡ ካብ ስራሕ ክባረሩ ወይ ክድስኩሉ ቅሉዓት’ዮም። ኣብ ክሊ ተቃወምቲ ዝምደቡ ዜጋታት ግን ጸገሞም ካብ ህግደፍን ደገፍቱን ዘጋጥሞም በደልን ተነጽሎን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ካልኣዊ ፍልልያቶም ወንዚፎም፡ ስሙር ግንባር ፈጢሮም ንስርዓት ህግደፍ ዝምክቱን ራህዋ ህዝቦም ዘቀላጥፉን፡ በብእዋኑ’ዮም ዝጫጭሑ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ኣግሂድካ  ንህግደፍ ክትቃወም ዕድሜኻ ምሕጻር ስለዝሕሰብ፡ ሃጸይ ኢሳያስ ቃሕታኡ እንተፈጸመ ብሒም ኢሉ ዝዛረቦ የለን። ኣቲ ዘሕዝን ግን እቲ ኣብ ኣፍካ መሊእካ ሓሳብካ ትገልጸሉን ተቃውሞኻ ትድርጉሓሉን ቦታ ዝነብር ኤርትራዊ፡ ተወዲቡ ጭቡጥ ፍረ ክህብ ዘይምኽኣሉ’ዩ። ኤርትራዊ፡ ኣብ ክንዲ ንቀዳማይ ጸላኢኡ ዝኣሊ፡ ንሓድሕዱ ክመናጨት፡ ክበታተንን ውልቃዊ ስምዒታቱ ከጉልሕን ግዚኡ ይባኽንን ኣሎ።

እቲ ኣብ ሳልሳይ ጉጅለ ዝምደብ ድማ፡ ብፍርሒ፡ ብምስልቻው፡ ተስፋ ብምቁራጽን ብበለጽን ኩርንዑ ሒዙ ውራይ ሓዳሩ ጥራይ ዘካይድ’ዩ። መርገጺኡን ስምዒቱን ብእውጅ ስለዘይገልጽን ኣብ ደምበ ተቃወምቲ ወይ ደገፍቲ ጣልቃ ስለዘይኣቱን ከኣ፡ ካብ ተቃወምቲ ልዕል ዝበለ ዝተወሰነ ሓለፋን ምድንጋጽን ይረክብ’ዩ። ሕልና ንዘለዎ ሰብ ግን፡ ወገንካ ክቅተል፡ ክእሰር፡ ክስደድን ብሓለንጊ ጥሜት ክግረፍን ልኡም መርገጺ ምውሳድን ብስቅታ ምዕዛብን፡ ዘይእዉጅ ደገፍ ንህግደፍ’ዩ ዝሕሰብ። ርግጽ’ዩ፡ ህግደፍ ብሕጊ ስለዘይምእዘዝ፡ ሕነ ቀራናት ንጓዕማማት፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብር ሰብ ተቃዋሚ ህግደፍ እንተኾይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ወይ ንብረቱ ሕነ ምፍዳይን ራስያን ክፍጽም ይኽእል’ዩ ዝብል ፍርሒ ኣሎ። እንተኾነ፡ ህግደፍ መወቀፍ ስለዘይብሉን ሓላዪ ህዝቢ ስለዘይኮነን፡ ናይ ግዜ ሕቶ’ምበር ንደጋፊኡ’ውን ምሕረት የብሉን።

ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ኣረኣእያና ብዘየገድስ ኣብ ሓደ ጽላል ዘይምጥርናፍና ንህግደፍ ዝዓበየ ዓወትን ኣብ ስልጣኑ ተኾዲሙ ህዝብና ክረግጽን ዕድል ሂብዎ’ሎ። እንተ ብግዝያዊ ረብሓ፡ ብጉድለት ንቅሓትን፡ ናይ ኣንታይ ገደሰኒን ገርዛም መርገጽን ክሳብ ዘይወገድና ድማ፡ ዕድመ ህግደፍ ክሓጽር፡ ስቃይ ህዝብና ከብቅዕ፡ ኣብ ቤትና ኣሲሩና ዘሎ መቁሕ ክብተኽን መድሃኒት ሕማምና ክንረክብን ዘበት’ዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ሕሰም ናብራን ምልኪ ህግደፍን ዝመበገሲኡ፡ ዝኸፈልካ ከፊልካ ናብ ስደት ምምራሕን ዓይንኻ እናርኣኻ ናብ ሓዊ ምእታውን’ዩ።  እቲ ነባሪ ፍታሕ ግን፡ ኣፍልብና ነፊሕና ብርእሰ-ተኣማማንነት ኣብ መሬትና ብኩርዓት ክንቅመጥ ዝኸፈልካ ከፊልካ ንመንዳዓት ኤርትራ ምሕግሓግ’ዩ። እቲ ዝዓበየ ፍልልያት፡ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቃወምትን ህግደፍ ዘይኮነ፡ ኣብ ውሽጢ ተቃወምቲ ህግደፍ ኢና እንብል ዜጋታት ዝርአ ዘራጊቶን ንፋስ መንጠለንን’ዩ። ኤርትራውያን፡ ብዘረባ ኣናብር ብተግባር ግን ድኹማት ኢና። እዚ ዘሎ ምብትታን ድማ፡ ነታ “ኤርትራውያን ንኸይንሰማማዕ ተሰማሚዕና ኢና’’ ትብል ዘረባ እናሻዕ ሓቂ ትገብራ።

                         ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (23 ነሓሰ 2015)

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *