
ሎሚ አገዳሲ ሰብ አብዚ ቃልሲ ንፍትሒ ብሓደጋ መኪና አብ ሱዳን ምስ ስድራቤቱ ሓሊፉ.
ዓብደልራሕማን ዑስማን ጀጊር አብ ፓልቶክ ብ”ዓቡዲ” ዝፍለጥ ተቃላሳይ ነባሪ ሱዕዲ ዓረብ አብ ሱዳን ብሓደጋ መኪና ምስ ሓፍቱን አዲኡን ሓሊፎም ፡፡ዓብደልራሕማን ካብ ውሩይ ተጋዳላይ ጀብሃ ነበር አቦ ዑስማን ጀጊር ዝተወልደ ኮይኑ አብኡ ምስ ብጻዮም መሓመድ ዓሊ ሕርሚታ አብ 1989 ካብ ፖርትሱዳን ብሻዕብያ ምስተጨወዩ ክሳብ ሎሚ ደሃይ ከምዘይብሎም ይፍለጥ፡፡
ዓብደልራሕማን ዑስማን ጀጊር አብ ስመር ሩም ንምዕባይ ካብ 500 ናብ 1000 ሰብ ዝሕዝ ክሰጋገር ምሉእ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ብተደጋጋሚ ይገብር ከምዝነበረን ፡ ንካልእ ወጻኢታት’ውን ክሳብ ዓቢ ኮንፈረንሳት ክዳሎ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክገብር ድልውነቱ ዘረጋገጸ ሓርበኛ ደላይ ፍትሒ እዩ ነሩ፡፡
ንዓብደልራሕማንን ስድራቤትን መንግስተ ሰማይ የዋርሶም!
ንስድራቤታት ኩሎም አምላክ ጽንዓት ይሃብ!