ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ቀጠር ኣትዩ Radio Erena: 19 August 2015

ISu Qatar

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ቀጠር ኣትዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ከም መቀጸልታ ናይቲ ኣቐዲሙ ዘካየዶ ተመሳሳሊ ዝርርባት ኣብ ጉዳያት ኤርትራን ጅቡትን ከምኡ ድማ ሓድሽ ምዕባለታት የመንን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ብዝምልክት ምስ ኣሚር ቀጠር ንምዝታይ ናብ ዶሓ ከምዝኣተወ ይግለጽ።

እቲ ፕረዚደንት ንእግረ መንገዱ’ውን ኣብ ቀጠር ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

ክቡራት ተኸታተልትና፣ ዝርዝር ዜና ኣብ ናይ ጽባሕ ፈነወና ክቐርብ’ዩ።

=======================================

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *