ዝኸበርኩም መሰረታትን መሪሕነትን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤረትራ
ዝኸበርኩም ወከልትን መሰራታትትን ደለይቲ ፍትሒ ኤረትራዊያን
ከምኡ ድማ ብዘይ ጾታ ኣፋላላይ ንሐርበኛታትን ንዋዕሮታትን ኣያታትን
ንዝኸበርኩም ፈተውቲ ህዝቢ ኤረትራን»
ንዝገበርኩምልና ዕድመ መሰረት ብምግባር ብሽመይን ብሽም ውደበይ ተጋድሎ ሐርነት ኤረትራ ክብ ዝበለ ናይ ቃልሲ ሰላምታይ ከማሐላልፈልኩም ከለኹ ፍናን ይስምዓኒ»
እወ ነዚ ታሪኻዊ ፈስቲቫል ዚ ድሕሪ ቲ ንፍትሓዊ ቃልስና ዘጋጥሞ ዘሎ ዕንቅፋታት ሰጊርኩም እዚ መኣዲ ዘተ ዚ ብዓቢኡ ብጃንዳ ህግደፍ ህዝቢ ኤረትራ ይሃሉ ዶ ኣይሃሉ በቲ ሐደ ድማ እዘን ውድባት ክፈርሳ ኣለወን ባይቶ ዝበሃል የለን ቀደም ዝመተ ወዘተ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን ንእንካን ሃባን ምብቃዕኩም ከም ወትሩ ዓወት ይምነየልኩም«
1)ዘረባ ምምጣጥ ገዲፍካ ንድሕነት ህዝቢ ወሲንካ ናብ ስራሕ ምብጋስ እሞ
ንሕና ከም ተ.ሐ.ኤ በቲ ሐደ ካብ ቁዱስ ዕላማ ተበጊስካ በቲ ሐደ ድማ ካብ ሕሉፍ ተመክሮና ተማሂርና ብህርፋን ናይ ሐድነት ከም ካሮሳ ዓይንኻ ተሸፊንካ
ንቕድሚት ምኻድ ዘይኮነስ ንድሕነት ህዝብና ምስቶም ምሳና ዝሳማምዑ ክንሰርሕ ድልዋት ምኾና ክነራጋግጸልኩም ንፈቱ»
2)እዚ ክንብል ዝግደደና ንማንም ደላይ ፍትሒ መብርሂ ዘድልዮ ኣይመስለንን ምኽንያቱ ብጀካ ቶም ብውዲት ምሱኡ ዝምዳና ዝነበሮም መራሕትን ካድራትን ብዘይ ድልየት ሰራዊትን መሪሕነትን ካድራትን ንጠቕሚ ህዝቢ ኤረትራ ዘይወዓለ.፡፡
3.ብድሕሪ ዚ ተረኽቦ ድማ ብሰናይ ድልየት ሐፋሽ ውድባትን ተጋደልቲ ተ.ሐ.ኤ ንምሕዝነት ዳሐር ድማ ንኪዳን ዋዕላ ንባይቶ ዘጋጠሞ ረቋሑታን ዝመንጨወ ሐያል ተመኩሮ ዝተበገሰ ስግኣት እዩ»
ተ.ሐ.ኤ ካብ ሜዳ ምስ ወጸት ድማ ውጽኢቱ ድሕሪ መሪርን ደማውን ናይ 30 ዓመት ቃልሲ ብደሙ ዘራጋገጾ ነጻነቱ ህዝቢ ኤረትራ ኣብ ዓዱ ቀሲኑ ክንዲ ዝነብ ካብ ፋሽታዊ ምሕደራ ጭፍራ ህግደፍ ዓዱ ገዲፉ እግሩ ናብ ዝመሖ ሃጽ ኢሉ ይጠፍእ ስለ ዘሎ»
4)ሕጂ ውን ናይ ሐባር ጸላኢ ከለና ክንዲ ተሳኒኻ ህዝብን ሃገርን ምድሐን ከም ተመኩሮና ምፍንጫላትን ምንእኣስን ንዕዘብ ስለ ዘለና ካብዚ ዝዓቢ ዓንቃፊ ሮቛሒታትን ኣሎ ኢልና ስለ ዘይንኣምን»
5)ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ ምሐዝ እዩሞ ብሐቂ ንፍትሐዊት ኤረትራ እንተ ኾይኑ ቃልስና ናይ ሐባር ጸላኢ ስለ ዘለና ነቶም ዕንቅፋት ዝኾኑና ከይጠመትና እቶም ንሳነ ከይተበታተነ ነድሕኖ ንህዝብና ..ክንዝንግዖ ዘይብልና ህግደፍ ጥራይ ከምዘይ ኮኑ ጸላእትና»
ከም ትዕዝብትና ኣብ መንጎ እዚ 24 ዓመት ዚ ኩሉ ንፍትሒ ዝቃለስ እንዳ መሰለና መናውሒ ዕምሪ ጃንዳ ህግደፍ ኮና መድሕን ህዝብና ክንከውን ሰለ ዘይበቓዕና..
ድኹም ጎድንና መዝሚዞም ንውድባትን ንባይቶን ክብተን ዝምነዩ ከም ዘለዉ ብንጽህና ዝቃለስ ኤረትራዊ ይጠፍኦ ኢልና ስለ ዘይንኣምን እሞ ባይቶ ይኹን ውድባት ኣይመተን እንታይ ዳኣ (ብምሔ ዘይኮነ (ብመንፊት ይንፈ ኣሎ ኣብ መጨረሽታ ግን ፍትሐዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤረትራ ክዕወት ናይ ግድን እዩ}}
ኣብ መደምደምታ ካብ ከክፉኡ ምምናይ ኣብ እንካን ሃባን ኣሚንካ ሰናይ ትምኒት ምምናይ ጽንኢልኩም ዝሰማዕኩምኒ እንዳ ኣመስገንኩ ከም ወትሩ ሰናይ እንካን ሃባን ዘተ እምነ»
ክብርን ሞጎስን ንጀጋኑ ንሰማእታትና) ዓወት ነቲ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝቢ ኤረትራ) ዕንወት ንጃንዳ ህግደፍ ዝብሉ ይንበረልና
(ኣብ ፈስቲቫል ካሰል )ብወኪል ተ.ሐ.ኤ በርሀ ዑቁባዝጊ ኣብ ሃገር ጀርምርን
ነሃሰ 08 08 2015