ሓጺር ጸብጻብ፣ ሰሚናር ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ዞባ እስራኤል Posted: 9:16 am, August 14, 2015 by ENSF-HIDRI

 

ግሃድኤ—ሕድሪ ዞባ እስራኤል ብዕለት 07/08/2015 ሰፊሕ ሰሚናር ኣካይዱ፣ እቲ ኣብ ሓፈሻዊ ህልው ኩነታት፣ ብፍላይ ድማ፣ ኣብ ጉዳይ ምኽታት ኣባላቱ ናብ ግንባር ኣቶኲሩ፣ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ዝተኻየደ ሰፊሕን ድሙቕን ሰሚናር፣ ምዕባለታት ኣብ ጉዳይ ምኽታት ኣባላት ናብ ቅድመ + ግንባር ፣ ህሉው ኩነታትን ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት ውድብ ብሓፈሻ፣…………….ዞባ-እስራኤል-ዜና-130815

 

 

ቀጺሉ፣  ብብጾት  ሚኪኤለ  ዘርእሰናይን  ሚኪኤለ ሰሎሙንን  ኣብ  ዝቐረበ  ሰፊሕ  ጸብጻብን  ኣስተምህሮን፣ ግሃድኤ -ሕድሪ ዞባ እስራኤል ድሕሪ ዝሓለፎ ናይ ሓጺር እዋን ተሃዋሲ ግዜ፣ ሎሚ ብኣወዳድብኡን ኣባላቱን ዘዕግብን ዓይነታውን ብምዃን ዘተኣማምንን ጽፉፍን ኣካይዳ ይኸይድን ዝያዳ እናሓየለን ይኸይድ ምህላዉ ተሓቢሩ።

 

 

 

 

ብጻይ ሚኪኤል ሰለሙን፣ ንባህርን ንቕሓትን ሓደ ተቓላሳይ ብዝምልከት ኣብ ዘቕረቦ መሳጢ መግለጺ፣ ነፍስ -ወከፍ ኣባል፣ ባህሪ ተቓላሳይ ክለብስ ከምዝግባእን፣ “ ደላይ ፍትሒ እየ ወይ ኣባል ግሃድኤ – ሕድሪ እየ፡“ ምባል ጥራይ እኹል ከምዘይኮነ፣ ምስ ኣብነታቱ ጥቕስታቱ ታሪኽን ክውንነታትን ብምውህሃድ ኩሉ ኣባል  ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣብነታዊ ኮይኑ፣ ንሓፋሽ ዘተኣማምንን ዘዕግብን ዜጋ ኮይኑ ክረአ ከምዝግባእ አስሚሩሉ።

ሓፋሽ ናባና ክዓስል ቀዲምና ንሕና ናቱን ምእንትኡ ንቃለስ ከምዘለናን ብዘእምን ኣቀራርባን ኣሰራርሓን ንቕሓትን ምሰ እንቐርቦ እዩ፣ ስለ‘ዚ ነፍሲ ወከፍና ነዚ ቃለሲ ብዕቱብነት ሒዝና፣ ሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካባና ዝጠልቦ ንምምላእ ዝበቓዕና ምዃና ከነረጋግጽን መርኣያ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ምጽውዋር፣ ምክብባር፣ ስነ-ስርዓት፣ ጽቡቕ ስነ-ምግባር፣ ዓቕሊ፣ ንቕሓትን ኩሉ እወንታዊ ጽልዋታትን ኣተሓሳስባታትን ክንከውን ህዝብና ዝጠልቦ ክንላበሶ ዘለና ባህሪ እዩ።

“ዕላማና ህዝብና ካብ ጭቆና ስርዓት ህግደፍ ሓራ ንምውጻእ ስለዝኾነ፣ ብጎኒ ብፍላጥን ብዘይፍላጥን ንዝመጹና መጥቃዕትታት ክንከላኸሎም ግድን እኳ እንተኾነ፣ ኣድህቦና ናብኦም ክኸውን ከምዘይብሉን ካብ ጉዕዞና ክንተዓናቐፍ ከምዘይግባእን” ብኣብነታት ኣሰንዩ ተላብዩ።

 

 

 

ስዒቡ ዝቐረበ፣ ካብ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ኣካል ግሃድኤ—ሕድሪ ዝተለእከን፣ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ኣባል ክፈልጦ ዘለዎ፣ እዋናዊ ጸብጻብን ሓበሬታን ምዃኑ ዝተሓበረ፣ ብዝሕ ዝበለ ገጻት ዝሓዘ መልእኽቲ ፣ብብጻይ ሓይሎም ዳኒኤል ተነቢቡ፣ ብጻይ ሓይሎም፣ ቅድሚ ናብ‘ቲ ዝተላእከ ጽሑፍ ምእታዉ፣ ናብ ግንባር ዝኸቱ ኣባላት ክዓጥቅዎ ዝግብኦም ናይ ስነ—ኣእምሮ ዕጥቅን ቅድመ—ምድላዋትን፣ ነቲ ብብጻይ ሙሉእ ዝተዋህበ ሰፊሕ ለበዋን ምኽርን ዘራጉድ ሓጺር ቃል ኣስሚዑ።

ቀጺሉ፣ ዕድል ንሕቶ ርእይቶን ለበዋን ንኣባላት ብምሃብ፣ ኣገደስቲ ነጥብታት ተሰኒዱን ሕቶታት ተመሊሱን፣ ኣብ‘ቲ ኣጋጣሚ፣ ካብ ኣባላት ብዝመጸ ጠለብ መሰረት ብብጻይ ገብርሂወት መለስ፣ ንህልው ኩነታትን ምዕባለታትን ጉዳይ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ፣ ኤርትራውያን ድማ ብፍላይን፣ ከግበር ዝክኣል ስጉምትታትን፣ ክግበር ዝግበኦ ጥንቃቐታትን ሓበሬታ ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ዝተፈላለዩ፣ ጽሑፋትን ግጥምታትን ምስ ደርፍታት ብምውህሃድ፣ ሕጽር ዝበለ ናይ ምዝንጋዕ መደብ ተኻይዱ።

ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!!

ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር! !!

13/08/2015 ክፍሊ ዜናን ባህልን ግሃድኤ – ሕድሪ ዞባ እስራኤል።

 

 

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *