ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት 48 ኤርትራውያን ሰራሕተኛታትና ኣሲራትልና ገዳብ ኒውስ 7 ነሓሰ 2015 ትርጉም ፈነወ ረድዮ
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
ሚስተር ሮናልድ ማክ ማሌን ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ኤርትራ ናይ ኣሜሪካ ኣምባሳደር ነበር፡ ኤርትራ ካብ 2001 ክሳብ 2010 ኣብ ዘሎ ግዝያት 48 ኤርትራውያን ሰራሕተኛታትና ኣሲራትልና ይብል። ንሱ ብ6 ነሓሰ 2015 ምስ ሓደ “ግሎባላዊ ጋዜጠኝነት” ዝተባህለ ትካል ሓበሬታ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ እዞም ኣብ ቀይዲ ዝኣተው 48 ኤርትራውያን ሰራሓተኛታት ኤምባሲና፡ ገሊኦም ንሳምንታት፡ ገሊኦም ንኣዋርሕ፡ ገለ ከኣ ንዓመታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክበልዮም ኮይኖም’ዮም። ነተሓሕዛኦም ዝምልከት ድማ ብዘይካ ዘባህርር ዝብል ቃል ካልእ መግለጺ ኣይርከቦን ኢሉ። ኣብ’ቲ ንሱ ቃለ-ማሕተት ዝገበረሉ፡ ኣባላት “ህዩማን ራይትስ ዎች” ዝተባህለ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰልን ኣባላት ትካል “ኮሚቴ ድሕነት ጋዜጠኛታት” ሲ ፒጄይ’ውን ተረኺቦም ኔሮም።
ኣምባሳደር ሮናልድ ማክ ማሌን ካብ 2007 ክሳብ 2010 ከም ዝለዓለ ተጸዋዒ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ዘገልገለ’ዩ። ኣብ’ቲ ቃለ-መጠይቕ ዝገበረሉ፡ ኣመሪካን ኤርትራን ስለምንታይ ‘የን ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ብደረጃ ኣምባሳደርነት ዝምድና ዘይገበራ ተባሂሉ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ መጀመርታ ሰበ-ስልጣን ኣስመራ ኣዝዮም ኣሸገርቲ ሰባት ምዃኖም ምርዳእ ኣገዳሲ’ዩ።
ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ዘሕለፍናዮ፡ መዓልቲ መጸ ፈተና’ዩ ኔሩ። ንሕና ኤምባሲና ኣርሒና ንህዝቢ ኣገልግሎት ንመሃብ ኣብ እንጽበየሉ ግዜ፡ ወትሩ ዕንቅፋት የጋጥመና ኔሩ። ኣብ’ታ ሃገር ነቶም ንሕና ኣበርቲዕና ክኸበሩ ኣለዎም ኢልና ጠመተ ንገብረሎም ከም ምኽባር ሰብኣዊ መሰላት ከምኡ’ውን ደሞክራስያዊ መሰላት ዝበሃሉ ክብርታት፡ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ፈጺሞም የለውን ጥራሕ ዘይኮነ ኣይፍለጡን። ኣብ’ቲ ንገብሮ ዝነበርና ዕለታዊ ስራሓት ዋላ ብዝነኣሰ’ውን ክንዕወት ኣይከኣልናን። ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ሰላም። ኣስተብህሉ፡ ኤርትራ ከም ሃገር፡ ኣብ ሓደ ካብ’ቶም ብተነቃፍነቶም ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ቦታታት ዓለምና ትርከብ ሃገር’ያ። ንሳቶም ግን ጉዳይ ሰላምን ምርግጋእ ፈጺሙ ኣይዓጦምን። መግለጺኡ ብምቕጻል ድማ፡ ኣብ ኤርትራ ናተይን ናይ ኣባላተይን ምንቅስቓስ ኣዝዩ ዝተደረተ’ዩ ኔሩ። ዜርና ኩነታት ኤርትራን ኤርትራውያንን ክንከታተል ይፍቀደልና ኣይነበረን። ተፈቒዱ እንተተባሂሉ ከኣ ሳሕቲ’ዩ። ከም ብወግዒ ዝኣተኻ ወኪል ናይ ሓንቲ ሃገር መጠን፡ ምዕባሌታት ክትከታተል ንቡር’ዩ። ኣብ ኤርትራ ግን ኣብ ሓደ ቦታ ክትበጽሕ ምስ እትምድብ፡ ቅድሚ 10 መዓልቲ ኣብ’ዚ ቦታ’ዚ ክበጽሕ ደልየ’ሞ ይፈቐደለይ ኢልካ ክትሓትት ኣለካ። ድሕሪኡ መልሲ ትጽበ ማለት’ዩ። ኣነ ንኣብነት 65 ግዜ ፍቓድ ሓቲተ። ካብ’ዚ ኩሉ 14 መዓልቲ ጥራሕ ድማ ተፈቒዱለይ። ብሓቂ ኣስመራ ደስ ትብል ከተማ’ያ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣዝዩ ጻዕረኛ ህዝቢ’ዩ። ግን እንታይ’ሞ ይኸውን ንቡር ስርዓተ መንግስቲ ክተክል እንተዘይክኢልካ። ብኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ዝምራሕ ስርዓት ናይ’ታ ሃገር፡ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝኸደ ጨፍላቒ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ኢሳያስ ዝበሎ ጥራሕ’ዩ ተቐባልነት ዘለዎ። መዓልታዊ ህይወት ናይ’ቲ ህዝቢ በዚ መላኺ ስርዓት’ዩ ዝልካዕን ዝስራዕን። ኣብ ኤርትራ ዝምደቡ ኣምባሳደራት ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኩነታት ዘይሮም ከይዕዘቡ ጥራሕ ኣይኮነን ዘይፍቀደሎም፡ ብመልክዕ ኣኼባ፡ ሰሚናር ኣቢልካ ምስ ዜጋታት እታ ሃገር ክትላለ ተመክሮ ክትለዋወጥ’ውን ኣይፍቀድን። ካልእ ግደፎ ንኤርትራ ንገዛእ ርእሳ ኣብ ዝጠቅም ጉዳይ ኣስተምህሮ ወይ ምኽሪ ክትህብ እኳ’ዩ ዘይፍቀድ። ኣምባሳደር ሮናልድ ነዚ ነጥቢ ኣመልኪቱ ሓደ ኣብነት ከቕርብ ብጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ንኣብነት ንውሰድ ጉዳይ መበቆል ደቂ-ሰባት፡ እዚ ጉዳይ ንኤርትራ ከም ሃገር ብቐጥታ ዝምልከታ’ዩ። እቶም ቀዳሞት ናይ ዓለምና ሰባት ወይ ቅድሚ ኣቦ-ሓጎታትና ዝነበሩ ንበሎም፡ ንኤርትራ ከም ድልድል ወይ መሰጋገሪ ተጠቒሞም፡ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ሰንጢቖም’ዮም ኣብ’ዛ እንነብረላ ዘለና ምድሪ ፋሕ ኢሎም ሰሲኖም። እዚ ዓውዲ ቅድሚ ዝኾነ ንኤርትራውያን ስለ ዝምልከቶም ክፈልጥዎ ኣለዎም። ኤርትራውያን ከም ህዝቢ እንተወሲድካ ግን ንዓና ብክፉት መንፈስ’ዮም ዝቕበሉና ኔሮም። ዋላ ገለ ካብ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ይበጽሑና ኔሮም። እቲ ስርዓት ከም ስርዓት እንተወሲድካዮ ግን ቅቡጽ’ዩ። ኢሳያስ ኣብ’ታ ሃገር ገለ ናይ ንምትሕግጋዝ ኢልና ዘውጻእናዮም መደባት ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ክዕጾ ጌሩ። ከም ኣብነት “ዩ ኤስ ኤይድ” ከምኡ’ውን ፒስ ኮርን ካልኦትን ክዕጸው ተጌሩ። እቲ ስርዓት ዋላ በቲ ብውዑል ቬና ዝፍለጥ ዲፕሎማስያዊ ስምምዕ’ውን ዝቕየድ ኣይኮነን። ስለዚ ኣብ ኤርትራ ከም ኣምባሳደር ኮይንካ ክትሰርሕ ኣይከኣልን።ንኣብነት ኣብ 2001 ኣቶ ዓሊ ኣልኣሚንን ኣቶ ክፍሎም ገብረ-ሚካኤልን ዝተባህሉ ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣሜሪካ ብዘይ ዝኾነ ወግዓዊ ክሲ ኣብ ቀይዲ ኣትዮም። ቀጺሎም ድማ ኣቶ ፍትዊ ገዛእትን ኣቶ ቢኒያም ግርማይን ብተመሳሳሊ ተኣሲሮም። ብሰንኪ ከም’ዚ ዝበለ ኩነታት ከኣ ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ’ዚ መድረኽ’ዚ ኣብ ደሓን የለን።
ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 10-08-2015