ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ ከም መቀልጸታ ናይ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ክገብሮ ዝጸንሐ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለው ጽጉማት ኤርትራውያን ናይ ምሕጋዝ መደብ፡ ብ8 ነሓሰ 2015 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ንዝርከቡ ጽጉማት ዝተፈላለየ ሓገዛት ክዕድል ከም ዝጀመረ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ ከም መቀልጸታ ናይ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ክገብሮ ዝጸንሐ፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ንዘለው ጽጉማት ኤርትራውያን ናይ ምሕጋዝ መደብ፡ ብ8 ነሓሰ 2015 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ንዝርከቡ ጽጉማት ዝተፈላለየ ሓገዛት ክዕድል ከም ዝጀመረ ካብ’ቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረጋጊጹ። ኣቶ ካሕሳይ ይሕደጎ፡ ብሰንኪ ጸረ-ህዝቢ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሃገሮም ወጺኦም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓስከር ስደተኛታት ንዝርከቡ ጽጉማት ኤርትራውያን፡ ካብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ፡ ብዓቕሙ፡ ካብ ኤርትራውያንን ፈተውቲ ኤርትራውያን ሓገዝ እናሓተተን ክገብሮ ዝጸንሐ ዝተፈላለየ ደጋፋት ብምቕጻል ፡ ብ8 ነሓሰ 2015 ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ማይ ዓይኒ ሰፊሕ ኣስትምህሮ ድሕሪ ምሃብ፡ ንሽማግለታት ሓገዝ ከም ዝዓደለ እቲ ካብ’ቲ ቦታ ዝመጸና ዜና ሓቢሩ። ኣቶ ካሕሳይ ብ9 ነሓሰ 2015’ውን ኣብ ማይ ዓይኒ ንዝርከቡ ጉድኣት ኣካል ተመሳሳሊ ሓገዛት ከም ዝገበረ፡ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ድማ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዓዲ ዓርሽ፡ ምስ ዝርከቡ ስደተኛታት ተራኺቡ ኣስተምህሮ ክህብን፡ ንሽማግለታትን ጉድኣት ኣካልን ዓይነታዊ ደገፋት ክገብር መደብ ከም ዘለዎ፡ ኣብ ኩሉ ዝግበር ዘሎ ዓይነታዊ ደገፋት፡ ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ ኤርትራዊ ዶ/ር ኣብራሃም ጳውሎስ ዝለገሶ ናይ ዓይኒ መንጽር፣ ንሽማግለታት ዝኸውን ምሉእ ክዳን፣ ናይ ውሽጢ ኣልባሳት፣ ምርኩስን ክራንችን፣ ኦሞ ሳሙናን ካልእን ዘጠቓለለ ከም ዝኾነን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ። ሚኒስተር ፍትሒ ስዊትዘርላንድ ኤርትራውያን ሓተቲ ዕቑባ፡ ናብ ሃገሮም ክጥረዙ ኣለዎም ክብል ንዝቐረበላ ሕቶ፡ ኣይሕሰብን ኣይንውዕሎን ድማ ክትብል መሊሳ ሚኒስተር ፍትሒ ስዊትዘርላንድ ወ/ሮ ሲሞኔታ ሶማሩጋ፡ ብሓደ ጉዶ ግራፍ ዝተባህለ ኣባል ዓቃባዊ ሰልፊ፡ ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ጸገም፡ ቁጠባውን ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥራሕ ስለዝኾነ፡ ንዓዶም ይመለሱ ክብል ንዝቐረበላ ሕቶ፡ መንግስቲ ስዊትዘርላንድ፡ ነዞም ኣብ’ዛ ሃገር ዝነብሩ ዘለው መሳኪን ኤርትራውያን ንሓደ ጨፍላቒ ስርዓት ኣሕሊፍና ኣይንህቦምን ክትብል መሊሳ። እታ ሚኒስተር ቀጺላ፡ ንውሑድ ዩሮ ክብሉ’ዮም ምድረ በዳታት ዘቋርጹ ዘለው፡ ንውሑድ ዩሮ ክረኽቡ ክብሉ’ዮም ክንዲ እምባ ዝኸውን ማዕበል ባሕሪ ሜዲትራኒያን ክስንጥቑ ዝግደዱ ዘለው? ኣይፋሉን። ንሕና ሕጂ ብዛዕባ ምኽባር መሰረታዊ መሰል ኢና ንዛረብ ዘለና። ብዛዕባ ኣብ ኤርትራን ኤርትራውያንን ዝተፈጸመን ገና ዝፍጸም ዘሎን ገበን’ዩ ትኹረትና። ኣብ ምርጫ ድምጺ እንተረኸብኩ ካብ ዝብል ሕሳባት ዝግበር ፖለቲካዊ ጸወታ ከብቅዕ ኣለዎ። ስርዓት ኤርትራ ዝሓለፎ መላኺ’ዩ። ሃገር ብእሱራት ኣዕለቕሊቓ እናሃለወት ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ ኤርትራ ኣትዩ ኩነታት ብቐረባ ክዕዘብ ብተደጋጋሚ ሓቲቱ ብተደጋጋሚ ብዛዕባ ዝኸልከለ ስርዓት ኢና ንዛረብ ዘለና ክትብል ብትሪ መልሲ ከም ዝሃበትሉ ብ7 ነሓሰ 2015 ኣብ ገዳብ ኒውስ ዝወጸ ዜና ኣረጋጊጹ። ካብ ሊብያ ናብ ኢጣልያ ካብ ዝተበገሱ፡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣስታት 200 ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ከም ዝሰኣኑ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ። ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽኔር ጉዳይ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ወ/ሮ ሜሊሳ ፍሌሚንግ ካብ ጀኔቭ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣስታት 200 ዝኾኑ መሳኪን ስደተኛታት ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ተቐዚፎም ኣለው። እታ ዝተገልበጠት ጃልባ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ከጋጥም ዝጸንሐ፡ ንከም ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዝበለ ሓያል ማዕበልን ነዊሕ ጉዕዞን ትኸውን ኣብ ርእሲ ዘይምንባራ፡ እቶም ስሱዓት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ልዕሊ ዓቕማ ሰብ ክትጽዕን ስለ ዝገበሩ’ውን እዩ እቲ መቕዘፍቲ ኣጋጢሙ ክትብል እንከላ። እዛ ዘይተተኣማምን ጃልባ ካብ ገምገም ባሕሪ ሊብያ ብዙሕ ከይረሓቐት ጸገም ኣጋጥምዋ ናብ ሓደ ሸነኽ ምስ ዘንበለት፡ እቶም ተሳፊሮማ ዝነበሩ ስደተኛታት ህይወቶም ከድሕኑ፡ ናብ’ታ ናባታቶም ትጽጋዕ ዝነበረት ናይ ኣየር ላንዳ መርከብ ክበጽሑ ክብሉ ብዝገበርዎ ጽቕጥቅጥ እቲ ሓደ ክኸብድ ከም ዝኸኣለ ጠቒሳ፡ ሳላ ሓይሊ ባሕሪ ኣየርላንድ ዝገበርዎ ከቢድን ቅልጡፍን ናይ ህይወት ኣድሕን ምርብራብ፡ ናይ ኣስታት 400 ሰባት ህይወት ካብ ሞት ከም ዘድሓኑን ገሊጻ።

ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 10-08-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *