ሓርበኛ ተጋዳሊት ኣዴና ዛይድ ርእሶም ብዝሓደራ ሕማም ብምዕራፋ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፣ መንግስተ ሰማያት ይቀበልኪ ንብል። By assenna on August 9, 2015

imageedit_1_3713952243ካብ ዓዲ ጥልያን ናብ ሜዳ ብምውራድ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሰውራ ተመዲባ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ዝናበየትን ዝኾስኮሰትን፣ ናብ ቃልሲ ዘሰለፈትን ክብርቲ ሓርበኛ ተጋዳሊት ኣዴና ዛይድ ርእሶም ብዝሓደራ ሕማም ኣብ መበል 77 ዓመት ዕድሚኣ ብምዕራፋ ዝተሰመዓና መሪር ሓዘን እናገለጽና፣ መንግስተ ሰማያት ይቀበልኪ ንብል።ንቤተሰባን ኩሎም ‘ቶም ሓልዮታ ረኺቦም ዝዓበዩን ኣባላት ቤትምህርቲ ሰውራ ድማ ጽንዓት ንምነየሎም።

ተጋዳሊት ዛይድ ርእሶም፣ ነቶም ካብ ሕብረተሰብ ተነጺሎም ኣብ ሳሕል ዝዓብዩ ዝነበሩ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰውራ ማዕረ ‘ቲ ኣካላዊ ኮስኳስ፣ ስነምግባር ሕብረተሰብ ኤርትራ ክወርሱ ዘስተምሃረት፣ ልዕሊ ኹሉ ምእንቲ ሓቂ ደው ክብሉ ዝመዓደት ገድልን ኣደነትን ኣጣሚራ ዝተቓለሰት፣ ሞያኣ እናተዘከረ ዝነበር ሓርበኛ ተጋዳሊት እያ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *