ኤርትራውያን ስፖርተኛታት ብዘመዝገብዎ ዓወት ንተሓበን፡ ጸረ-ስፖርትን ስፖርተኛታትን ስርዓት ኢሳያስ ከይብለጸሉ ድማ ንጠንቀቕ    Print  Email Created: Tuesday, 04 August 2015 03:21

ዜጋታት ኤርትራ፡ ሕግን ኣወንታዊ ስነ-ምግባርን ዝተኸተለ፡ ኣብ ሕድሕዶም፡ ምስ ጎረባብቶም፡ ብደረጃ ዞባ፡ ኣህጉር ኮነ ዓለም-ለኻዊ መድረኻት፡ ኣብ ዝዳለው ንሰላም፣ ደሞክራሲ፣ ሕውነት፣ ፍቕሪ፣ ሓባራዊ ዕቤት ዝዓለሙ ኩሉ ዓይነት ስፖርታዊ ውድድራት ተሳቲፎም፡ ውጽኢት ምስ ዘምጽኡ፡ ዓወት ናይ’ቶም ተወዳደርቲ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ሃገራዊ ዓወት’ዩ። ከምኡ’ውን  ኣብ ዓውድታት ትምህርትን ምርምርን፣ ኣብ ንግድን ወፍርን፣ ኣብ ተክኖሎጂን ስነ-ጥበብን ጸብለልታ ምስ ዘርእዩ ህዝባዊ ሓበን’ዩ። ምኽንያቱ ሃገር ክትክበር ወይ ክትዋረድ ዝገብሩ ዜጋታት’ዮም። ካብ ሰብ፡ ሰባት፡ ዜጋታት፡ ህዝብታት ወጻኢ ሃገር ልዑላውነት ዝበሃል  ነገር ስለ ዘየለ፡ ንጥፍኣትን ልምዓትን ሓንቲ ሃገር ዝውስን ሰብ ወይ ሰባት’ዮም። ስለዚ ከኣ እቲ ሰብ ወይ ሰባት ምስ ካልኦት ተወዳዲሮም ምስ ዝዕወቱ፡ ብቐጥታ ድዩ ብተዘዋዋሪ ሃገር የጸውዑ፡ ህዝቢ የኹርዑ። ዳኒኤል ተኽለ ሃይማኖትን መርሃዊ ቅዱስን ኣብ ኣህጉራዊ ውድድር ብዘመዝገብዎ ዓወት ከኣ ከም ህዝቢ ንሕጎስ ንሕበን።

Posted by-jeberti.com

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *