የማነ ገብረኣብ ዝተባህለ የማናይ ኢድ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ፡ ኤርትራ ሎሚ ብኣመሪካ ምስ ዝምራሕ ገዚፍ ዓለማዊ ሓይሊ ኣብ ምትሕንናቕ ትርከብ ኣላ ክብል ገሊጹ

የማነ ገብረኣብ ዝተባህለ የማናይ ኢድ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ፡ ኤርትራ ሎሚ ብኣመሪካ ምስ ዝምራሕ ገዚፍ ዓለማዊ ሓይሊ ኣብ ምትሕንናቕ ትርከብ ኣላ ክብል ገሊጹ እዚ ናይ ቀረባ ኣማኻሪ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ኣፈ-ወርቂ ከም ዝኾነ ዝንገረሉ፡ የማነ ገብረኣብ ዝተባህለ በዓል ስልጣን፡ “ሩስያ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ” ምስ ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ከቢድ ፈተነ ወዲቓላ፡ ምኽንያቱ ብኣመሪካ ምስ ዝምራሕ ዓበይቲ ሓይልታት ኣብ ምትሕንናቕ’ያ ትርከብ ዘላ ክብል ንሰማዒ ዘገረመ መግለጺ ከም ዝሃበ ገዳብ ኒውስ ብ30 ሓምለ 2015 ጸብጺቡ። እዚ ኣገልጋሊ ኢሳያስ ብዛዕባ’ቶም ብኣንጻር ስርዓቱ ዝተሰለፉ ተቓወምቲ ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ ድማ፡ ተቓወምቲ ዝበሃሉ የለውን። እንተለው ከኣ ዕሱባት’ዮም ከደዓት’ዮም ክብል፡ ተዓሚቱ ሕድሕዱ ዝላተም መደረ ከም ዘስመዐን ገሊጻ። ብዘይካ’ዚ እቲ ኣገልጋሊ ኢሳያስ፡ ንሃገራዊ ኣገልግሎትን ዋሕዚ ስደትን ዝምልከት ብጋዜጠኛ ቢቢሲ ጆን ስናው ተሓቲቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ፡ ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ከገልግል ዝግደድ ኤርትራዊ የለን። ስደት ኤርትራውያን ድማ ሓደ ንጣብ ማይ ኣብ ውቅያኖስ’ዩ ስለዚ ዝገርም ኣይኮነን ክብል ከም ዝመለሰ፡ በዚ ዝተገረመ ጋዜጠኛ ድማ፡ እዚ እትብሎ ዘለኻ ንምእማኑ ዘጸግም፡ ፍታሕ ድማ ዘየምጽእ’ዩ፡ ካልእ እንተለካ ግዳ በል ክብል ወጢሩ ምስ ሓዞ፡ ብኣንጸርጽሮት እዛ ዓለም እንታይ’ያ ትደልየና ንሕናኮ ንእሽቶ ሃገር ኢና፡ ነቲ ኩሉ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት ከነጣይስ ከኣ ትሓተና ኣላ ዝብል ሕድሕዱ ዘይቃዶ መልሲ ከም ዝሃበን ትካል ዜና ቢቢሲ ጸብጺቡ።

ኣብ ሃገረ ጅቡቲ ተታሒዞም ዘለው ኤርትራውያን

ብፖሊስ እታ ሃገር ይጋፍዑ ከም ዘለው ተፈሊጡ።

ኣብ ጅቡቲ፣ ሖልሖል ኣብ ዝብሃል ቦታ ተታሒዞም ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብፖሊስ እታ ሃገር ከምዝተጋፍዑ፡ ሸውዓተ ሰባት ካብ ብጾቶም ተፈልዮም፡ ዓሊ ሰባሕ ሰቢሕ ናብ ዝተባህለ ቦታ ከም ዝተወስዱን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣሰና ዝተረኽበ ዜና ኣረጋጊጹ። እቶም ስደተኛታት እኹል ቀረብ ማይን መግብን ከም ዘይቐርበሎም፡ ከም’ዚ ጸገም ኣለና ይፈተሓልና ዝብል ሕቶ ኣብ ዘቕርብሉ ግዜ ድማ ከም ሕጊ ምጥሓስን ረብሻን ተቖጺሩ ኣብ ርእሲኦም ግፍዒ ከም ዝፍጸም፡ ኣብ መንጎ ስርዓት ኢሳያስን መንግስቲ ጅቡቲን ብዘሎ ሓርፋፍ ዝምድና ኣብ ልዕሊኦም ኣሉታዊ ተጽዕኖ ይፈጥር ከም ዘሎን ኣሰና ኣብ’ቲ ብ1 ነሓሰ 2015 ዝዘርገሓቶ ዜና ኣፍሊጣ ኣላ። ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡03-08-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *