
መምህር ሳልሕ ሓምዲ ካብ ግዜ ንእስነቱ ጀሚሩ ብዝሓደሮ ርሱን ሃገራዊ ስምዒት ኣብ ከተማታት ኮይኑ፡ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ብሕኑን ቃልሱ ጀሚሩ ክሳብ ናብ ቤት ማእሰርቲ ወሪዱ። ብድሕሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውጽኡ ድማ ካብቶም ቀዳሞት ብረታዊ ቃልሲ ዝጀመሩ ሓርበኛታት’ዩ። ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኣብ መጀመርያ 60ታት ተሰሊፉ፡ ካብ ተራ ተጋዳላይ ክሳብ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ሓላፊ ሕብረተ ሰብኣዊ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ዝተቃለሰን ዘቃልሰን ልሉይ ሃገራዊ ባህታ’ዩ ነይሩ።
መምህር ሳልሕ ሓምዲ ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት’ውን እንተኾነ ደኺመ ከይበለ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብዓመጽ ጸረ ህዝቢ ፖሎቲካዊ ስልጣን ዝጨበጠ ገባቲ ስርዓት ህግደፍ ብትሪ ብምቕዋም ኣካል ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ። ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምጥርናፍን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋትን ኣባል ኤርትራዊ ሃገራዊ ኮሚሽን ንደሞክራስያዊ ለውጢ ኮይኑ፡ ልሉይ ተራ’ውን ተጻወተ። ኣብ 2013 ዝተጋብአ ቀዳማይን ሓድነታውን ጉባኤ ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) ምክትል ኣቦ-መንበር ኮይኑ’ውን ተመዘዘ።
መምህር ሳልሕ ሓምዲ ኣብ ማሕበራዊ ሂወቱ ይኹን ጉዕዞ ዘይሕለል ቃልስታቱ ህዱእ፡ ትሑት፡ ምቅሉል፡ ደላይ ጽቡቕን ምርድዳእ ዝኣምንን ምንባሩ ይፍለጥ። በዚ ዕለት’ዚ ነዚ ክቡርን ልሉይን ሃገራዊ ባእታ’ዚ ምስኣን ንስድራ ቤቱ ጥራይ ዘይኮነስ፡ እንተላይ ንደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ዓቢ ክሳራ ምዃኑ’ዩ። ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ) መምህር ሳልሕ ሓምዲ መንግስተ ሰማይ ክወርስ፡ ኩሎም ስድራ ቤቱ፡ መተዓብይቱን መቃልስቱን ድማ ጽንዓት ክረኽቡ ትምኒቱ ይገልጽ።
ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ
ኤርትራዊ ስምረት ንደሞክራስያዊ ለውጢ (ኤስደለ)
27 ሓምለ 2014