ብኤርትራውነተይ ማንም ክወራዘየለይ ኣይክእልን!
እዚ ዝስዕብ ሓበሬታ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ መዓልታት፡ ብመስከረም.ኔት ኣቢሉ ኣብ ልዕለይ ዝፍኖ ዘሎ ቅንጸላ (character assassination) ዝምልከት’ዩ። ቀንዲ ዕላምኡ፡ ገለ መሰረታዊ ርድኢታት ንምብራህ ድኣ እምበር፡ ነቲ ኹሉ ዝበሃል ዘሎ ቆሎ-ጥጥቖ ሕቶታት ንምምላስ ኣድላይ ስለ ዝኾነ ኮይኑ ኣይኮነን። ብዙሓት ሰባት፡ መልሲ ምሃብ ኣድላዪ ኣይኰነን እኳ እንተ በሉኒ፡ ኣንባቢ ባዕሉ ሚዛኑ ክወስድ መታን፡ ባዕለይ ክምልስ ኣዳልዪ ኮይኑ ረኺበዮ። ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ንዘርእይዎ ዘለዉ ድጋፍ ግን ብልቢ አመስግን። መበገሲ ናይዚ ጸለመ’ዚ ጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽንን ድሕሪኡ ዝሰዓበ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫን ምዃኑ ብሩህ’ዩ። እዚ ክልተ ፍጻመታት’ዚ ንህግደፍ ርእይዎ ዘይፈልጥ ነውጺ ፈጢሩሉ ስለ ዘሎ፡ ኣብ ከቢድ ቅልውላውን ምስሓግን ይርከብ ኣሎ። ካብቲ ቀንዲ ሱር-ነገር ንምእላይ ድማ ብዙሕ መናውራታት ክገብር ምዃኑ ርዱእ’ዩ። እቲ ዓወታት፡ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ሓድነት ምንቕቓሕ ውን ተራእዩ ዘይፈልጥ’ዩ። ካብቲ ህግደፍ ዝህቦ ዘሎ ግብረ-መልሲ ጥራይ፡ ተጨቢጡ ዘሎ ዓወት ክሳብ ክንደይ ዝበረኽ ምዃኑ ምርድኡ ዘጸግም ኣይኮነን። ቃልስና ብዝያዳ ከነሕይል ድማ መዘኻኸሪ’ዩ። ካልእ ክበርህ ዝግብኦ ነገር፡ እዚ ኣንጻረይ ዝግበር ዘሎ ጸለመ ብህግደፍን መጋበርያታቱን ጥራይ ዝፍጸም ዘሎ ዘይምዃኑ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፓልቶክ ገሊጸዮ ናይ ዝነበርኩ ተንኮላት፡ ናቱ መቐጸልታ ውን ኣለዎ። መበገሲ ናይዚ፡ ኣብ ክልተ ዝተፈላለየ እዋን፡ ኣብ ናይ EYSC ናይ Facebook ገጽ፡ ብናይ ብርዒ ስም ተጻሒፉ ዝነበረ’ሞ፡ ኣመሓደርቲ ናይቲ ገጽ ጥርዓነይ ሰሚዖም ዝኣለይዎ ጠቃኒ ጽሑፋት’ዩ (እግረ-መገደይ ነቶም ኣመሓደርቲ አመስግኖም)። ኣብዚ እዋን’ዚ ንዓይ ካብ ህግደፍን መጋበርያታቶምን ንላዕሊ ከፊኦምኒ ዘለዉ፡ ናይ ነዊሕ እዋን መቓልስተይ ዝብሎም ዝነበርኩ ሰባት’ዮም። ድሕሪ ምዝርጋሕ ጸብጻብ መርማሪት ኮምሽን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፡ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫን፡ ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ፡ ገለ ናይ ቃልሲ ብጾተይ ዝብሎም ዝነበርኩ ሰባት፡ ብዘገርም ጭካነን ስልበጣን ኣሳሰይቲ ናይ ከምዚ ዝመስል ሕማቕ ተልእኾታት ምዃኖም’ዩ። ኣብ ዝበጻሕክዎ ዘይብለይ ክነሰይ፡ “ነቲ ኣብ ደለይቲ ፍትሒ ዝነበረና ዝና ተቓጺጹና” ብዝስምዕ ቁሪምሪም፡ ብኣካል ኣብ ዝተገብረ ዝርርባት ከይተረፈ የጉባዕብዑለይ ኣለዉ። ብመሰረት ዘይብሉ ቅንዒ ጣዕ ክብሉ ድማ ይርኢ ኣለኹ። ቀንዲ ጸገሞም፡ ኣብዚ ዝስዕብ ነጥብታት ክጽሞቕ ይከኣል፡- – ኣብ ገለ መዳያት ናይ ቃልሲ፡ ብዘይካ ስሞም ስም ካልእ ሰብ ክጽዋዕ ዘይደልዩ (ዘሰንብድ ናይ ምግባትን ናይ ምዕብላልን ጥሙሕ ዘለዎም)፣ – ኣብቲ ንሳቶም “ሕዛእትና” ዝብልዎ ናይ ቃልሲ ዓውድታት፡ ናይ ግድን ብኣኣቶም ቡራኬ ከይረኸብካ ክሕለፍ ከም ዘይብሉ ጌሮም ዝሓስቡ፣ – ብሓባር ንስራሕ እንተበልካዮም ድማ ወይ ይሕንግዱ ወይ ድማ ከም ቆልዓ ብኢድካ ሒዞም ከታትዩኻ ዝደልዩ (ትርጉም ብሓባር ምስራሕ ዘይርድኡ)፣ – ዝገደደ ድማ፡ ኣብቲ ንሶም “ሕዛእትና” ኢሎም ዝሓስብዎ ዓውድታት ብኻልኦት ተቓለስቲ ዓወት እንተተረኺቡ፡ ብቕንኢ ጣዕ ዝብሉን ክሳብ ብሕልና ወዲ ሰብ ክትሓስቦ ዘስካሕክሕ ስጉምታት ንምውሳድ ሰገጥ ዘይብሉን እዮም። ኣነ እምበኣር ብህግደፍ ጥራይ ዘይኮነስ እንኮላይ በዞም ሰባት’ዚኣቶም’የ ዝጥቃዕ ዘለኹ። ንሳቶም ውን ኣብ ቃልሲ ኣለና ስለ ዝብሉ፡ እቲ ቃልሲ ብዘይጉድኣሉ ኣገባባት ከመይ ጌርካ ፍታሕ ትገብረሎም ዝብል ሓሳብ እንተዘይኮይኑ፡ ግድን ክቃልዑ ዘለዎም ምዃኑ ግን ከስምረሉ እደሊ። ሕጂ፡ ናብቲ ካልእ ክበርህ ኣለዎ ዝብሎ ጉዳይ ክሰግር። ንዓይ ዝኾነ ይኹን ሰብ፡ ኤርትራዊ ኣይኮንካን ኢሉ ክወራዘለይ ኣይክእልን’ዩ –– ኣርባዕተ ነጥቢ! ብመሰል፣ ብመንነት፣ ብዜግነት፣ ብትውልዲ 2 ኤርትራዊ ስለ ዝኾንኩ፡ ልዕሊ’ዚ ዝኸይድ ዘረባ ምዝራብ ኣዳላዪ ኣይኮነን። ታሪኸይ ዝፈልጡ በብወግኖም ይምስክሩ ስለ ዘለዉ ንሱ እኹል’ዩ። ነቶም ኣብ ሃጓፍ ትሕዝቶ ንጫበጥ (ስኮሜሳ ንግበር) ዝብሉኒ ዘለዉ ግን፡ ቅድም ካብ ዝምልከቶ “ቤት ፍርዲ ናይ ዜግነት” መጸዋዕታ ኣምጹለይ ክብሎም እደሊ። እቲ ዘረባ እንትርፎ ብመገዲ መስከረም.ኔት ምዝርግሑ፡ በሃሊኡ መን’ዩ ብጭቡጥ ኣብ ዘይፍለጠሉ፡ ካብዚ ዝነውሐ ዝርዝር ምሃብ ናብ ህውተታ ምእታው ስለ ዝኸውን ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ሓደ ኤርትራዊ፡ ናይ ካልእ ሃገር (ሱዳን፣ ጅቡቲ፣ የመን፣ ኢትዮጵያ፣ ወዘተ.) ወለዶ ወይ ዘርኢ ስለዘለዎ፡ ኤርትራዊ ኣይከውንን ዝብል ሙግት እንተሎ ግን፡ ቅድም ቀዳድም ነታ ካብ መንጋጋ ህግደፍ ከነናግፋ ንቃለሰላ ዘለናን ክንርእያ ድማ እንብህጋን ዲሞክራስያዊት ኤርትራ’ሞ ንርከባ፡ እቶም ከምኡ ዝብሉ ሽዑ፡ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኮይኖም ሰብ ምእታው ምስ ከልኡ ነርክበሉ። ንሕጂ ግን፡ እቲ ናይ ፍትሒ ቃልሲ ተጎሃሂሩስ ዱድ’ዩ ዝብል ዘሎ። ኣብ መገዲ ዝጸንሕ ቃርማን ጕንድን እንዳባርዐ ድማ ክቕጽል’ዩ። ኣብዚ ቃልሲ’ዚ ኣእላፍ መጎዓዝቲ ከም ዘለውኒ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ጀኔቫ ብግብሪ ስለ ዝረኣኽዎ፡ ነቶም ናይ ቃልሲ ብጾተይ ዝኾኑ፡ ምኽረይ “ንኺድ ጥራይ!” ዝብል’ዩ። ከምቲ ምስላ ዝብሎ፡ እቲ ከልቢ ክነብሕ’ዩ፡ እቲ ገመል ድማ ጉዕዙኡ ክቕጽል’ዩ።
ዳንኤል ረዘነ 24 ሓምለ 2015