ውሽጣዊ ኣእምሮ ውልቀመላኺ By assenna on July 22, 2015

Amanuel_Sahle_Asena_FLኣማኑኤል ሳህለ

ወድሰብ ናብ ወርሒ ወይ ናብ ማርስ ብምኻድ ነዘን ጠፈራውያን ኣካላት ይድህስሰንን ይምርምረንን ኣሎ። ኣብ ውሽጢ ባሕሪ ጠሊቑውን ነቲ ምስጢራት መዓሙቕ ማያት የጽንዖን ይምርምሮን ኣሎ። ካብዚ ምርመራታትዚ ድማ ብዙሕ ኣርባሒ ዝኾነ ውጽኢታት ረኺቡን ይረክብን ኣሎ።

ሽሕኳ ንዩኒቨርስ ምምርማር ከቢድን እተሓላለኸን ኣሸጋርን እንተ ኾነ: ነቲ ናይ ወድሰብ ኣእምሮ ምምርማር ግን ዝያዳ ምስጢራውን ንዓቕሚ ፍልጠት ወድሰብ ዚፈታተንን እዩ።

ሓደ ናይ ስነኣእምሮ ሓኪም (psychiatrist): ንሓደ ዘይንቡር ባህርያት ዘለዎ ሰብ ኣብ ዓራት በጥ ኣቢሉ እዩ ዚምርምሮ። ንሱ ነቲ ሕሙም ኣእምሮኡ ከም ዝሰግል ገይሩ (hypnotize) ብዝኽራዊ መገሻ ንዓመታት ንድሕሪት ብምምላስ ከዘራርቦ ይጅምር።: ነቲ ብንእስነቱ ዘሕለፎ ተመክሮታት ኪዝክር ድማ ይእዝዞ። እቲ ኣእምሮኡ ንግዜኡ ኣስጊሉ ዘሎ ዳርጋ ፍርቂ ድቃስ ወሲዱዎ ዘሎ ሕሙም ድማ: ነቲ ዘሕለፎ ናይ ህይወቱ እተፈላለዩ ፍጻመታት ከም ብሓድሽ በብሓደ ይምከሮምን ይዝክሮምን የዘንትዎምን።

ኣብ ሓደ ህሞት ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኣእምሮ ዚካየድ መገሻ ግን: እቲ ሕሙም ወይ ተሓካማይ ብፍላይ ስምብራት ዝገደፈሉን ናይቲ ዘይንቡር ባህርያቱ ጠንቂ ዝኾነን ፍጻመ ይዝክር: ነቲ ሓኪምውን የዘንትወሉ። ሽዑ እቲ ሓኪም ካብኡ ተበጊሱ ነቲ ሕሙም ተደጋጋሚ ምርመራታት ይገብረሉ። ምስቲ ምዕዶታትን መምርሒታትን ዚኸይድ መድሃኒት ብምሃብ ከኣ ካብቲ ጭንቀቱ ከድሕኖ ይፍትን።

እምበኣር: እቲ ሓኪም ኣብቲ ምስቲ ሕሙም ዝገበሮ ናይ ውሽጣዊ ኣእምሮ ዑደት ወይ መገሻ፡ ብዛዕባቲ ሕሙም ብዙሕ ነገር እዩ ተማሂሩ። እቲ ሕሙም ከመይ ኢሉ ከም ዝዓበየ: ኩነታት ስድራቤቱን: ከባቢኡን: ናይ ኣቦኡ ባህርያት: ናይ ኣደኡ ባህርያት: ናይ ትምህርቲ ኩነታት: እንታይ ውልቃዊ ሽግር ከም ዝነበሮ: እንታይ ጸገማት ከም እተጓነፎ: ዝነበሩዎ ኣዕሩኽ: ዘኻዕበቶ ባህርያት: ካብ ኣቦሓጎታቱ ወይ ኣኮታቱ ዝወረሶ ባህርያት እንተሎ: ትምኒቱን ህንጥይነቱን ራኢኡን ወዘተ.

እቲ ሕሙም ወይ ተሓካሚ: ስሙ ኣሙን ንበሎ። ሒደት ዓመት ንድሕሪት ምስ እንምለስ: ኣሙን መራሕ ሃገር እዩ ነይሩ: ግን ኣይሰለጦን። ዓዲ ተቐቢሉ ከም ዘይትብላዕ ዘይትስተ ገይሩ ምስ ሓማመሳ: ህዝቢ ተላዒሉዎ: ኣብ ቤትማእሰርቲ ድማ ዳጒኑዎ። እምበኣር: ኣሙን: ኣብ ቤትማእሰርቲ ኸሎዩ ፍሉይ ባህርያቱ ኪጽናዕ እተወሰነ።

ኣብ ውሽጢቲ እተሓላለኸ ናይ ኣሙን ዓለም: ነቲ ኣብ ምንቍልቋል ህይወቱ ዘምጽኦ ባህርያት ጠንቅታት ዝነበሩ ኣመለኻኽታን ዘኻዕበቶም እምባገነናዊ ባህርያትን ጎሊሖም ኪረኣዩ ክኢሎም እዮም።

ምዕማጽን ምግባትን ምዕብላልን ናይ ወድሰብ እንስሳዊ ባህርያት እዮም። ኣብ ውሽጥና ድማ ከም ዝደቀሰ እሳተጎመራ ተደጒሎም ይነብሩ። ብኣታቶም ጌርና ነቲ ጥንታዊ ናይ ምዕብላልን ምጉይታትን እንስሳዊ ባህርያትና ነዕግቦ። ይኹንምበር: ኣብዚ ወድሰብ በጺሑዎ ዘሎ ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ደረጃዚ: ነዚ ባህርያትዚ ብጥረኡ ዘይኮነስ: ብእተፈላለየ ሜላታትን ስልትን ጌርና ኢና ክንጥቀመሉ እንፍትን። እቲ ኣብ እርኑባትን ጭዋታትን ቤተሰብ ዝዓበየ ሰብ ከይተረፈ: ኣብቲ ናይ ህይወት ጕዕዞ: ነዚ ባህርያትዚ ሓሓሊፉ በጨቕ የብሎ እዩ። መታን ክነብር። ተደቚሱ መታን ከይተርፍ።

ኣሙን ግን ፍሉይ እዩ። ብንእሽቶኡ ኸሎ ነቲ ናይ ምዕብላል እንስሳዊ ባህርያት ኪገትኦ ኣይፈተነን። ጉድለት ድልዱል ቤተሰብኣዊ ምትእስሳርን: ጉድለት ናይ ገዛ ኣብነታዊ ተዋሳእን (role model) ኣብ ኣእምሮኡ ፋሉልነት ፈጢሩ: ነቶም ካብኡ ዝሕይሉ ኸኣ ከም ሽደን ኣንበሳ ክሕንሕነሎም ጀሚሩ።

ንምጉይታትን ዕንትርናኡ ንምርኣይን: ስድራቤቱ ንኢሳቶ። ዝዕንድረሉን ዝሕምብጠሉን በረኻ ደልዩ። ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ: ምላሽ ናይቲ ነዊሕ ጸሎቱን ትጽቢቱን ኮይኑ መጺኡዎ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ። ንሰባት ከንበርክኽ ድማ ንበረኻ ወጺኡ።

ብርቱዕ ናይ ስልጣን ህርፋን: ንቤተሰቡን ነሕዋቱን ንኣሓቱን ከም ዚርስዕ ገይሩዎ። ነዚ ኣረሜናዊ ናይ ወላዲኻን ኣሕዋትካን ኣሓትካን ምንዓቕ ድማ ሰውራዊ ባህርያት ኣልቢሱ ተጠቒሙሉ። ስልጣን ዚሃርፍ ሰብ: ብእኖኣዊ ወይ ኣባታዊ ፍቕሪ ወይ ልግበት ኣይቅየድን። ኣብቲ ስልጣን ንምኽዕባት ዚገበሮ ጕዕዞ: ነታ ጽላሎቱኳ ንስልጣን ከይትሻረኾ ብዓይኒ ጥርጠራ እዩ ዚርእያ ነይሩ። ነቲ ስጋ ዝለበሰ ብጻዩ ኸኣሞ ብዓንተቦኡ እንተ ቀንጸሎ እዩ ካብ ናይ ለይቲ ስምባደን ምብህራርን ኪድሕን ዚኽእል ዝነበረ።

በዚ ምኽንያትዚ: እቲ ብራዕዲ እተሸፈነ ጕዕዞ ኣሙን በይናዊ እዩ ነይሩ። በይናውን ጸጸኒሕካ ንድሕሪት ቍሊሕ ምሊሕ ምባልን። ነቶም ብድሕሪት ዘብዘብ ዚብሉ ዓጀብቱ ካብቲ እተመደበሎም ርሕቀት ንቕድሚት ከይውስኹ ንምቍጽጻር።

ከምቲ ብዙሕ ኣዋርቕ ኣብ ሪቑ ዝኣከበ ሃብታም ከይደቀሰ ዚሓድር: ከም ዝብኢ ለይቲ: ጎይታነት ኪእክብ ዝነብር ሰብ ድማ: እቶም ከምቲ ናቱ ባህርያት ዘለዎም ከይተናኾሉዎሞ ነታ ልዕሊ ህይወቱ ዚርእያ ስልጣን ከየሕድጉዎ: ኪገላበጥን ከህተፍትፍን እዩ ዚሓድር። ነቲ ጭንቀቱ ንምዕራፍ ድማ: ንመስተ ብጻዩ ይገብሮ።

ኣሙን: ነቲ ድሕነት ነብሱ: ከም ድሕነት ሃገር ገይሩ እዩ ዘቕርቦ ነይሩ: ከመይሲ እቲ ንሱ ዝጉይተተሉ ዝነበረ ቦታ ካልእ ሰብ ኪብሕቶ ስለ ዘይደሊ። ንነብሱ ካብታ ከም ናይ ብሕቱ ኩባንያ ዚርእያ ሃገር ፈልዩ ስለ ዘይረኣያ: ዋርድያታት ኣብዚሑላ: ጸኒዓ ክትሕለወሉ ድማ ዘየለዉ ናይ ውሽጥን ናይ ደገን ጸላእቲ ፈጢሩላ።

ሓደሓደ ግዜ: ኣሙን ናብ ቆልዓ እውን ይልወጥ ነይሩ እዩ። ብፍላይ ንስልጣኑ ዘይኮነስ ነቲ ናይ ስልጣን ህርፋኑ ዘዳኽም ርእይቶታት ወይ ዘረባታት ወይ ስጉምትታት (ማዕቀብ: ተቖጻጸርቲ መሰል ወድሰብ) ምስ ዝቃላሕ። ሽዑ ከምቲ ሓደ ቖልዓ ነቲ ዝደልዮ ነገራት ምስ ዘይረክብ ኣብ ምድሪ ዘንገርግርን ኣቕሑ ዚሰባብርን (temper tantrum): ኣሙን ድማ እዚ ኹሉ ንስልጣኑ ዝፈታተን ኮይኑ ስለ ዚረኸቦ: ገዛውቲ የፍርስ ነይሩ: ሊቸንሳ ደው የብል ነይሩ: ግፋ የካይድ ነይሩ: ይዳጕን ነይሩ: ኲናት ይቕስቅስ ነይሩ: ሚኒስትራት ይጸፍዕ ነይሩ: ንህዝቢ ይጻረፍ ነይሩ ወዘተ..ዝሕል ምስ በለሉ ድማ ቃለምልልስ/ኢንተርቪው ይገብር ነይሩ: ማለት ነቲ ብምዕናው ዚገልጾ ዝነበረ ስምዒታቱ: ብዘረባ ኪገልጾ ይፍትን ነይሩ።

ምሒር ምግባት ስልጣን ነቲ ኣብ ወድሰብ ዘሎ ኣረኣእያ ስለ ዝጥምዝዞ: ኣሙን ንሰብ ከም መጋበሪ ደኣምበር ከም ተሳታፊ ገይሩ ኣይረኣዮን። ኣብ ርእስዚ ግን: ኣሙን ጽቡቕ ከይረኸበ: ፍቕሪ ወላድን ኣሕዋትን ኣሓትን ከይጸገበ ስለ ዝዓበየ: እቲ ዝዓበየሉ ኣከባቢውን ንፍቕርን ስኒትን ዚዕድም ስለ ዘይነበረ: ኣብ ርእስዚ ድማ ብናይ መንነት ጸገም ይሳቐ ስለ ዝነበረ: ኩሉ ሰብ ከምቲ ናቱ ኪሳቐን ክዋረድን ምርኣይ ምሉእ ሕልናዊ ዕግበት ይህቦ ነበረ። እዚ ናይ ብስቓይ ብጻይካ ዕግበት ናይ ምርካብ ስምዒት: ሳዲዝም (sadism) ይብሃል። ኣሙን: ሰርቲፊከት ወይ ወረቐት ምስክር ዘለዎ ሳዲስት (sadist) እዩ።

ከምዚ ዓይነት ጠባይ ዘለዎ ሰብ ግን ብዙሓት ጸላእቲ ከም ዘፍሪ ንቡር እዩ። መዓልቶም ዚጽበዩ ናይ ውሽጥን ወጻእን ጸላእቲ። ኣሙን: ስሙ ብሕማቕ ኪለዓል ኣይደልን ነበረ። ነቲ ዝጠራጠር ወገን: ንጹህን ፈታው ህዝቡን ከም ዝኾነ ከእምኖ ኩሉ ፈቲኑ ነበረ። ስለዚ ኣምሰሉነት ኣዘውቲሩ። እምበኣር ኣምሰሉነት ናይ ሓደ ጨቋኒ ቀንዲ መሳርሒ እዩ።

ኩሉ ግዜ እንተ ደኣ ጨቊኑ ደኣ ኩሉ ሰብ ኪርሕቆ እንድዩ። እቲ ገና ገርሂ ልቡ ዘሎ ክፋል ህዝቢ ድማ ምስቶም ጸላእቲ ኾይኑ ኪሓምዮ እንድዩ። ስለዚ: ሓድሓድ ግዜስ ክሳብ ዚደልዎ ጻድቕ ኪመስል ይፍትን እዩ። ናይ ወኻርያ ጽድቕና።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ 1920-30ታት ሰብ ብምቕታልን ባንክታት ብምዝራፍን ሰብ ኣደንጊሉ ዝነበረን: መርገም ህዝቢ ቍ. 1 (Public Enemy Nr. 1) ዚብሃል ዝነበረን ጆን ዲሊንጀር: ክሳዕቲ ብኣባላት ኤፍቢኣይ (FBI) እተተኮሰ ጠያይት ዚቕተል: ዓዲ እናብረሰ ኸሎ: ኩሉ ሰብ ከም ጥዑይን ተፈታውን ዜጋ ገይሩ እዩ ዚቖጽሮ ነይሩ።

ኣብቲ ኣመሪካ ኣብ ቁጠባዊ ቅልውላው ኣትያትሉ ዝነበረት ብዲፕረሽን ዚፍለጥ ዘመን: ባንክታት ብህዝቢ ጽሉኣት ብምንባረን: ካብ ባንክ ምስራቕ ክሳዕ ክንድዚ ነውሪ ኣይነበረን። ዲሊንጀር ነዚ ሃዋህውዚ ተጠቒሙሉ እዩ። ንድኻታት ከሐጉስ ድማ: ዘይ ካብ ሃብታማት እየ ዝወስድ ዘለኹ ይብል ነይሩ። ባንክታት ንኺዘምት ግን ክንደይ ጥዑይ ሰብ ኣህሊቑ እዩ።

እታ ንኤፍቢኣይ ነጊራ ዘቕተለቶ ሰበይቲውን ከይተረፈት: ዲሊንጀር ኣብ ከምዚ እተባህለ ሲነማ ክኣቱ ርእየዮ: ግን ከይትቐትሉዎ: ጥዑይ ሰብ እዩ: ብምባል እያ ሓበሬታኣ ዘቐበለት። ኣምሰሉ እዩ ነይሩ። ክሳዕ ግዜ ሞቱ ድማ ንሰብ ኣታሊሉ እዩ። ናይ ኣምሰሉነት ባህርያት ካባ/ክዳን ብምልባስ ግን ደም ኣማኢታት ንጹሃት ዜጋታት ንኸንቱ ኣፍሲሱ።

ካባ/ክዳን ኣምሰሉነት ኣብ መወዳእታ ብመግነዝ ዚትካእ እኳ እንተ ኾነ: ካብ ኣእምሮ ሰብ ግን ብቕልጡፍ ኣይወጽእን። ነቲ ሓቂ ንኸይርኢ ድማ ንነዊሕ ግዜ ይኽልክሎ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *