ናይ መን ንዕቀት`ዩ ?!! (2)

ናይ መን ንዕቀት`ዩ ?!! (2)

ብኣወልኼር ዓ/ሓፊዝ ነቲ ኣዚዩ ኣሰቃቅን ስዉኣት ክሳብ ክንደይ ከምዝተጠልሙን ዘርኢ ዘሕዝን ዛኣንታ ወ/ሮ ለተሃንስ (ኣደ 4 ስዉኣት) እናተኸታተልኩ ገና`ቲ መደብ ከይተወደኤ ነቲ ኣብ ልበይ ዝተኣጉደኒ ሓዊ ብጀካ ቀለመይ ኣልዒለ ምሕንጣጥ ካልእ ከጥፍኦ ዝኽእል ከምዘየለ ተገንዚበ፤ ……… ነቲ ” ጉቡኡ እምበር መሰሉ ዘይፈልጥ ህዝቢ ክትበሃል እንኮለኻ`ኮ ናእዳ ኣይኮነን ውርደት`ዩ።

ኣብ ጉዕዞ ሃገራዊ ሰውራ ናይ ዝተሃስዩ ሸነኽ ምእላይ(ክብረቶም ምሕላው) ምጽዋት/ሰደቃ ዘይኮነ መንግስቲ ካብ ዜጋታቱ ካብ ዝእክቦ ግብርን ማእቶት ሃገራዊ ሃብትን ኣቢሉ ክፍጽሞ ዘለዎ`ዩ። ጉቦኦም`ዩ። ክውሕድ ይኽእል ክበዝሕ ይኽእል። ኣብ ገዛኻ ዘሎ ኢኻ ተደሪርካ ትሓድር። ብዝተረፈ ኣብ እዚኦም ጸሞም ዝሓድሩላ ለይቲ፤ ጸጊቡ ክሓድር ዘሎዎ ዜጋ ክህሉ የብሉን/ ኣይነበሮን።”

ኢለ ዝደምደምኩዎ ሓተታ ከብቅዕ እንከለኹ ተመሊሰ መቀጸልታ ወይ 2ይ ክፋል ክጽሕፍ ፈጺሙ ኣብ ኣእምሮይ ኣይነበረን። ግና ኣብ ልበይ ጌና ረመጽ ከም ዘሎ ዝተረደኣኒ ነዚ ኣስዒበ ዘጻውተኩም ምስቲ ጉዳይ ቀጥታዊ ዝምድና ዘይብሉ ዘይኤርትራዊ ጉዳይ ኣብ ሓደ ዝከታተሎ ዝነበርኩ መደብ ቲቪ ምስ ሰማዕኩ`ዩ።

ድሕሪ “ ናይ መን ንዕቀት`ዩ” ቀዳማይ ክፋል ምዝርጋሓ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ኣቢሉ ይኸውን ኣብ ሓደ ማዕከን ዜና ከም ጋሻ ኮይኑ ዝቀረበ ናይ ሓንቲ ብዝሒ ህዝባ ምስ ብዝሒ ህዝቢ ኤርትራ ዝቀራረብ ኣብ ቀዳማይ ክፋል 90ታት ሑሱም ውግእ ዘሕለፈት 10 ሚእታዊ ካብ ህዝባ ዝተወግኤን ዝተሰወኤን ቦስና በዓል ስልጣን፤ ካብቲ ብዙሕ ኣቅራቢ መደብ ዝሓተቶ ሕቶታት፤ ኣብ ጉዳይ ቁጠባ ኣቶኪሩ፤ “….. ቁጦባኹም ከምቲ ዝድለ ኣይማዕበለን ስለምንታይ ?“ ኢሉ ምስ ሓተቶ ዘለዎም ተስፋታትን ዝተረጋገጸ ዓወታትን ገሊጹ ነቲ ዝሕተላ ኣዕጋቢ ምኽንያት ከም ዘለዎ ከብርህ እንከሎ ኸኣ፡-

`……. ከም ውጽኢት ናይቲ ዘሕለፍናዮ ውግእ 10 ሚእታዊ ካብ ህዝብና ስለ ዝተሃስየ እቲ ንስድራ ቤት ስዉኣትን ኣካሎም ዝጎደሉን ጽጉማትን እንስለዖ ዓመታዊ ባጀት ፍርቂ ናይቲ ጠቅላላ ሃገራዊ ባጀት ስለ ዝኾነ እዝውን ተራ ኣለዎ ` በለ።

ነበሃህላ`ዚ በዓል ስልጣን መበራርሂ ዘድልዮ ከም ዘይኮነ ኩልና ንሰማማዓሉ`ዩ እመስለኒ፤ ጉዳይ ስድራቤታት ስዉኣት ብትካቦ ሓለፍቲ መንገዲ ዝፍታሕ ዘይኮነስ ባጀት ዝስለዖ ዓቢ ነገር ምዃኑ`ዩ ዘነጽር።

ኼር ዘለዎ ዒድ

AAHafiz(189) 17/07/15

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *