ሓማስ፣ እስራኤላዊ ወትሃደር’ዩ ብምባል ቀይድዎ ዝጸንሐ ኤርትራዊ ብእስራኤል ተኣሲሮም ምስ ዘለዉ ኣባላቱ ክለዋወጦ ፈቲኑ Radio Erena : 17 July 2015

 

hamas2

 

ጉጅለ ሓማስ ናይ ፍልስጤም ኣብ ቃዛ ሒዝዎ ዝጸንሐ ኤርትራዊ፣ ምስ እሱራት እስራኤል ክለዋወጦ ንዝገበሮ ፈተነ ብእስራኤል ተነጺጉ።

እዚ መንነቱ ዘይተነጸረ ኤርትራዊ ብስም’ቲ ብሓማስ ተታሒዙ ዝርከብ ኣባል ሰራዊት እስራኤል፣ ምስ እሱራት ክለዋወጥ እኳ እንተቀረበ እስራኤል ግና ኤርትራዊ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጻ መሊሳ ናብ ሓምጃስ ከምዘረከበቶ፣ ንጸብጻብ ቴሌቪዥን እታ ሃገር (channel 2) ብምጥቃስ ወኪል ሬድዮ ኤረና ካብታ ሃገር ሓቢሩ።

 

ሓማስ ነቲ እስራኤላዊ ወትሃደር’ዩ ብምባል ብእስራኤል ተታሒዞም ንዘለዉ ኣባላቱ ክልውጦ ዘምጽኦ ኤርትራዊ መዓስን ብኸመይን ከምዝሓዞ ኣይተገልጸን።

ይኹን’ምበር ቁጽሮም ዘይተፈልጡ ኤርትራዉያን ኣብ ትሕቲ ሓማስ ተቀይዶም ከምዘለዉ ይንገር።

====================================

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *