ብዕለት 15 ሓምለ 2015 ካብ ዞባ ማእከል ብሓይሊ ተገዲዶም ልዕሊ ሸውዓተ ሽሕ ተምሃሮ ካልአይ ደረጃ ናብ ሳዋ ወሪዶም። እዞም ናይ ዓሰርተ ሓደ ክፍሊ ትምህርቶም ወዲኡም ናይ ዓስርተው ክልተ ክፍሊ ትምህርቶም አብ ሳዋ ንኽመሃሩ፤ ከምኡ ድማ ናይ መበል 29 ዞርያ ሃገራዊ አገልግሎት ኮይኑም አገልግሎቶም ንክቕጽሉ ብዝብል ስም ናብቲ ወፈሪ ባርነት ተባሂሉ ድጽዋዕ ናይ ባርነት መሰጋገሪ ማእከል ሳዋ ወሪዶም አለው። ካብዞም ተምሃሮ እቶም መብዛሕትኦም ስድራ ቤቶም ድጾሩን፤ ናይ ስድራ ቤት ሓላፍነት ዘለዎም ኢዮም። መብዛሕትኦም አብዚ ናይ ማሕረስ ግዜ ንወለዶም ዝሕግዙን ድርብ ሓላፍነታት ዘለዎም ኢዮም።፡እንተኸነ ግን ስርዓተ ህግደፍ ብምምሕዳር ከባቢታት ከቢድ ጸቐጥን መጠንቀቕታን ክህብ ስለዝቐነየ ብሓይሊ ወሲድዎም አሎ። ካብዚ‘ም ልዕሊ ሓምሳ ካብ ሚእቲ ደቂ አንስትዮ ምኻነን ተፈሊጡ አሎ። አብዚ መ ዓስከር ሓያለ ግፍዕታተን ምግሳስን ከምዝፍጸም ከምኡ ድማ ብሓማም ዓሶ ሓየለ ሰባት ከምዝሞቱ ዝፍለጥ ኢዩ። ህግደፍ ነዚ ናይ ዓሶ ግዜ ኮን ኢሉ ከምዝመርጾ ዝፍለጥ ኢዩ። ስርዓት ህግደፍ ብደረጃ ህዝብን ዓለምን፤ ነዚ ዋፍሪ ባርነት ድተሰየመ፤ ግዱድ ዕስክርና ጠጠው ከብል ተሓቲቱ ግን ብዝገደደ መልክዑ ይቕጽሎ አሎ።
ምስ እዚ ተታሓሒዙ ድማ ስርዓት ህግደፍ ኩሎም መምህራን ናብ ታዕሊም አብ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ወትሃደራዊ ታዕሊም ንኽኣትው ከቢድ መጠንቀቕታ ሂቡ አሎ። መምህራን ነቲ ዓመት ሙሉእ ብኽለተ ፈረቓ ናይ ንግሆን ምሸተን ክምህሩ ድሕሪ ምጽናሕ፤ ዕረፍቲ ዝወስዱሉን ገለ ድማ ክረምታዊ ትምህርቲ ኮርስ ክሳተፍሉ ዝግባእ ግዜ፤ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ንክኸዱ ዘገድድ መምርሒታት አውጺኡ ይሰርሕ አሎ። መብዛሕቶም አብ መምህርና ዘለው አባላት ሃገራዊ አገልግሎት ኮይኖም ሙሉእ ታዕሊም ዝገበሩ ክንሶም ሕጅ መሊሱ ንታዕሊም ይእትዎም አሎ። እቲ ዕላማ ከም ኩሉ ሰብ ዝብሎ ዘሎ፤ ሰብ ከይቀስን ካብ ዝጥቀመሎም ሜላታት ሓደ ታዕሊም የእቲኻ ሰባት ከምዘይራኸቡ ምግባር ኢዩ። መብዛሕቶም መምህራን አባላት ሃገራዊ አገልግሎት አብ ወርሒ450 ናቕፋ ዝኽፈሉ፤ ከምኡ ድማ እቶም ንልዕሊ 20 ዓመት ብመምህርና ዘገልገሉ ወርሓዊ ዶሞዞም 800 ናቕፋ ኮይኑ ስጋብ ሕጅ ናይ ጥሮታ መሰል ዘየብሎም ኢዮም፤መምህር አብ ኤርትራ ብድኽነት ዝፍለጥ ዜጋ ኢዩ።