ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ብፖሊስ ሱዳን ዝተታሕዙ 15 ኤርትራውያን ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም። By assenna on July 16, 2015

Eri_refugees_2ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ሱዳን ድሕሪ ምእታዎም ብፖሊስ ሱዳን ዝተታሕዙ 15 ኤርትራውያን፣ ብፖሊስ ሱዳን ኣብ ካርቱም ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ስርዓት ኢሳይያስ ተረኪቦም ንሓደ ሰሙን ኣቢሎም ኣብ ቀጽሪ ናይቲ ስርዓት ምስ ጸንሑ ብኣስገዳድ ናብ ኤርትራ ተመሊሶም፣ ኣብ ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፈ እዋናት፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከጋጥም ከሎ፣ ወከልቲ ስርዓት ኢሳይያስ፣ እቶም ስደተኛታት ኤርትራውያን ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ ንዓኣቶም ዘገድሱዎም ውልቀሰባት እንተዘይሃልዮም ነጻ የልቅቑዎም ምንባሮም ዝጠቐሱ ምንጭታት፣ እዞም መብዛሕትኦም ብዕድሚኦም ናእሽቱ ዝኾኑ መንእሰያት ስለምንታይ ብስቱርን በስገዳድን ናብ ኤርትራ ከምዝተመልሱ ከምዘገረሞም የመልክቱ።

ናብ ኤርትራ ምስ ተመልሱ ብዘይካ ሓንቲ ጥዕና ዘይነበራ ጓል ኣንስተይቲ ኩሎም ኣብ  ሓሽፈራይ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ‘ውን ኣገንዚቦም።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *