ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ንጥፈታት፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ግንባር ቀደም ኮይኖም ክዋስኡ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።
መንግስቲ ብዘለዎ ሓይልን ሓላፍነትን ብሕጊ እናተመርሐ፡ ሕጊ ከኽብር፡ ውጹዓት ከይብደሉ ከይምዝመዙ ክከላኸል ትጽቢት ምግባር ንቡር’ዩ፡ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከተማ ኣስመራ ዝረአ ዘሎ ሰበይ ሰብካ ዓይኒ ዘውጸአ ግዕዝይና ግን፡ ከይደለኻዮ ኣካል ግዕዝይና ክትከውን ዘተባብዕ ርኡይ ዘረፋ’ዩ ክብሉ ገለ ነበርቲ ከተማ ኣስመራ መረረኦም ገሊጾም።
ዘይንቡር ዝገበረ ኣብ ክንዲ ዝሓፍር ዝፈርሕ፡ ብኣንጻሩ እቲ ቅኑዕ መንገዲ ተኸቲሉ፡ ብረሃጹ ዝነብር ዜጋ ዝሽቑረረሉ ኩነታት ዘንገሰ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብልሽዋት ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኢሉ እንተመደረን፡ ኣብ ክንዲ ሰረቕቲ ምቑጽጻር፡ መካይን ካብን ናብን ከይንቀሳቐሳ እንተኣገደን ኣብ ስእነት ነዳዲ ዘምጸኦ ለውጢ የለን። ብመሰረቱ ሰራቒ መንግስቲ ሰረቕቲ ክቆጻጸር ሞራል የብሉን ዝብል ብሰፋሑ መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከም ዘሎ ምንጭታት ካብ ኣስመራ ሓቢሮም።
ኣብ’ዚ ወቕቲ’ዚ ኣብ ወደብ ባጽዕ፡ መስመር ተሰነይ፡ ብዓቢኡ ድማ ኣብ ከተማ ኣስመራ ካብ’ቲ ዝነኣሰ ሃለኽቲ ነገራት ጀሚርካ ከም ነዳዲ፣ ናይ መካይን መለዋወጥን ካልእን ክትረክብ፡ ነቶም ብጉቦ ዝነባበሩ ሰበ-ስልጣን መንግስትን ተሓባበርቶም ነጋዶን ግበርሉና ኣውጽኡልና ክትብል ትኸፍሎ ገንዘብ፡ ምስ’ቲ ዋጋ ንብረት ዝቐራረብ ብምዃኑ፡ መረረ ህዝቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸን ናብ እንታይ ንግበር የምርሕ ከም ዘሎን ድማ ወሲኾም ኣረዲኦም።
ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ዝተዋፈሩ ገበነኛታት ንምቁጽጻር ኣብ ዝግበር ንጥፈታት፡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ግንባር ቀደም ኮይኖም ክዋስኡ ከም ዝግባእ ተገሊጹ።
ስርዓት ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ከም ህዝቢ ንብታን ብተግባር ብዝሰርሓሉ ዘሎ ጸረ-ህዝቢ ፖሊሲ፡ ዜጋታት ኤርትራ ከም ደቂ-ዛግራ ይብተኑ፡ ንድሕነቶም ኣለኹ ዝብል ተዛሪቡ ዘስምዕ ወገን ስኢኖም፡ መጻወቲ ዝተፈላለዩ ገበነኛታት ኣብ ዝኾኑ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን፡ ስቅያቶም ቀልቢ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ስሒቡ፡ ኣህጉራውያን ውድባት፡ ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዞባና ዝርከቡ መንግስታት፡ ካብ ዝጸንሐ ፍልይን ጥብቕ ዝበለን ምንቅስቓሳት ኣብ ዝገብርሉ፡ ከም ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሞም፡ ነቲ መደብ ናብ ተግባር ክደፍእዎ ብዝተወደበ መንገዲ ክወፍርሉ ከም ዝግባእ ነቲ ጉዳይ ብቐረበ ዝከታተሉ ኤርትራውያን ኣተሓሳሲቦም።
ኣብ ንግዲ ደቂ-ሰባት ዝነጥፉ ዘለው ገበነኛታት ሰፊሕ ዝርገሐ ዘለዎም፡ ዝተራቐቐ መራኸቢታት ዝጥቀሙ፡ ከም ህግደፍ ብዝበሉ መንግስታት ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ዘለውዎም ብምዃኖም፡ ብተነጻል ኣብ ሓጺር ግዜ ንምቁጽጻሮም ኣይከኣልን ዝበሉ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ሕብረት ኤውሮጳ፡ መንግስቲ ሱዳን መንግስቲ ኢትዮጵያ ጀሚረሞ ዘለው ገበነኛታት ናይ ምቁጽጻር ተበግሶ፡ ነቲ ዘውጽእዎ ሕጊ ኣብ ተግባር ብምሽራፍ ክደፍእሉ ኣብ ጎኖም ኮንካ ምቅላስ ክስገር ዘይብሉ መድረኻዊ ዕማም ክኸውን ይግባእ ክብሉ መኺሮም።
ብፍላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ 2015 ብሃገራዊ ባይቶኡ ኣቢሉ ዘጽደቖ ኣብ ጸረ-ነገዶ ሰብ ዘነጻጸረ ሕጊ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝብገስ፡ ቅጥዒ ዘይብሉ ዋሕዚ ስደትን፡ ነዚ ተበሊጾም ብዜጋታትናን ዝህብትሙ ዘለው ገበነኛታት ኣብ ምቁጽጻርን ምግታእን ልዑል ግደ ዝጻወት ስለ ዝኾነ፡ ኣብ’ዚ ጉዳይ ምስ ዝምልከቶም ትካላትን ኣካላትን ኢትዮጵያ እሂን ምሂን እናተበሃልካ ብምትሕብባር ክስራሕ ኣማራጺ ዘይብሉ ወፍሪ ኣንጻር ገበነኛታት’ዩ ክብሉ ኣዘኻኺሮም።
ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ
15-07-2015