ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ብዋሕዲ መማህራንን ተማሃሮን ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከባ ተገሊጹ

ኣብያተ ትምህርቲ ኤርትራ ብዋሕዲ መማህራንን ተማሃሮን

ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ከም ዝርከባ ተገሊጹ

ስርዓት ህግደፍ ካብ ዝኽተሎ ጽልሙት ፖሊሲ ስርዓተ ትምህርቲ ዝምንጩ፡ ኣብ ምምሃርን ምስትምሃርን ክረአ ዝጸንሐ ዝሕታለ፡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣብ መማህራን ተማሃሮን ወለድን ተማሂርካ ኣይተማሂርካ ኩሉ ሓደ ዝብል ጽልምትምት ከንጸላሉ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ብፍላይ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ናይ ትምህርቲ ወቕቲ፡ ኣብያተ ትምርቲ ብዋሕዲ ተማሃሮ ዝተጸገማሉ ግዜ ምንባሩ፡ ኣስማቶም ክዕቀበሎም ዝመረጹ ኣብ’ቲ ሞያ ዝነጥፉ ዘለው መማህራን ኣረዲኦም። ዕጡቓት ናይ ውደባን ፕሮፖጋንዳ ኣሃዱ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ፡ ብ12 ሓምለ 2015 ኣብ ዝሰደዱልና ሓበሬታ ከም ዘረጋገጽዎ፡ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ 4 ምሉኣት ክፍሊታት (ክላሳት) እተጀሚረን ኣብ ፍርቂ መንገዲ ናብ ሓንቲ ክፍሊ ይጥቕለሉ፡ ኣብ መወዳእታ ዓመት ከኣ ብቑጽሪ ክሳብ ናብ 10 ተማሃሮ ጥራሕ ዝተርፍሉ፡ ብቐሊል ዘይበራበር ውድቀት ኣጋጢምዎ ከም ዘሎ ኣረጋጊጾም። ሰመረ ርእሶም ዝተባህለ፡ ሚኒስተር ሚኒስትሪ ትምሀርቲ ስርዓት ህግደፍ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ንመማህራን ኣኪቡ፡ 700 ናቕፋ እናተኸፍለኩም ንኹሉ ጸይርኩም ትሰርሑ ከም ዘለኹም ንፈልጥ ኢና፡ እዚ ሃገራዊ ጸገም’ዩ። ብገንዘብ ድዩ ብዓይነት ንዝሕግዝኹም ዘለው ቤተ-ሰብ ድማ ነመስግን ከም ዝበሎምን እቶም መማህራን ሓቢሮም ይብል እቲ ካብ ተጋደልቲ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ዝመጸና ዜና። ኣፈኛ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት “ዩ. ኤን.ኤች. ሲ.ኣር ስርዓታት ኤርትራን ደማስቆን ኣብ ህዝብታቶም ሓልዮት ከርእዩ ተማሕጺና ሓንቲ ካብ ኣፈኛታት ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ማለት “ዩ. ኤን. ኤች. ሲ.ኣር.” ዝኾነ ሚስ ሜሊሳ ፍሌሚንግ፡ ሕጂ’ውን ስርዓታት ኣስመራን ደማስቖን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ዝገብረሎም ዘሎ ጻውዒት ኣኽቢሮም ኣብ ህዝብታቶም ሓልዮት ከርእዩ ይግባእ ክትብል ካብ ጀኔቭ ተማሕጺና። ንሳ ኣብ’ቲ ብ9 ሓምለ 2015 ኣብ’ቲ ብኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ 24 ሰዓታት ተዳልዩ፡ “ዕንወት ህዝብታትን ሃገራትን” ኣብ ዘርስቱ መደብ ቀሪባ ኣብ ዘስመዓቶ መደረ፡ ህዝብታት እዘን ክልተ ሃገራት ዓዶም እንተራሕርሑ፡ በቶም ስርዓታት ተገዲዶም ደኣምበር፡ ዩ. ኤን. ኤች. ሲ. ኣር ወይ ካልእ ትካል ብዝህቦም ናይ ሰማየ ሰማያት ተስፋ ኣይኮኑን ክትብል ገሊጻ። ፖለቲካዊ ዓፈናን ኲናት ናይ ቀጻሊ ስደቶም ጠንቂ’ዩ። እዚ ኩሉ ድማ እዞም ስርዓታት ካብ ዝሓለፈ ተማሂሮም ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ተበግሶ ክወስዱ ብዘይምድላዮም’ዩ ድማ ኢላ። ኣብ ደቡብ ሱዳን 4 ኤርትራውያን ከም ዝተቐትሉ ተፈሊጡ 2 መራዲ ኣብ ዝተባህለት ከተማ ደቡብ ሱዳን፡ ዛጊት መንነት ቀታልን ዕላምኡን ዘይተፈልጠ፡ ብሰኑይ 6 ሓምለ 2015 ኣብ ሰዓታት ስራሕ፡ ኣቦን ወድን ካልእ መቕርብን ዝኾኑ ሰለስተ ኤርትራውያን ብሓደ ዕጡቕ ብግፍዓዊ መንገዲ ከም ዝተቐትሉ ኣሰና ብ9 ሓምለ 2015 ጸብጺባ። ድሕሪ ራብዕቲ ናይ’ዚ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ ድማ፡ ኣብ ዋና ከተማ ደቡብ ሱዳን ጁባ፡ ሓደ ካልእ ኤርትራዊ ብካራ ከም ዝተቐትለ ምንጭታት ሓቢሮም ትብል ኣሰና። ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ፡ 13-07-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *