ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ስለምንታይ ዕሽሽ ንብል!
ኤርትራውያን ናህና ፍሉይ መለለይ መንነት፡ ታሪኽ፡ ልምድታትን ጸጋታትን ዘለና ህዝቢ ኢና። እቲ ፍሉይ መለለይና ግን ብሰንኪ ሓደ ጸቢብ ጉጅለ ይሃስስ፡ ይዓኑን ይጠፍእን ኣሎ። ሕላገትና ተሓኺኹ ምስልታቱ እንዳሃሰሰ እንዳርኣና ከምዘይርኤና እንዳሰማዕና ከምዘይሰማዕና ምስቃጥና እታ ክብርና እንብላ ሃገር እቲ እንሕበነሉን ንኸርዓሉን ህዝቢ ህልውንኦም ከይጠፍእ ስክፍታና ዓዚዙ ኣብ መዋጥር ወዲቕና ኣለና።
ኤርትራ ብሓደ ጸቢብ ጉጅለ ረመጽ ተኻዕይዋ ህዝባ በቲ ጓህሪ ይጥበስን ይልብለብን ኣሎ። ነዚ ኣረሜናዊ ጭካነን ፋሽሽታዊ ተግባራትን ተጎዛጕዝናዮ እናተቐንዘና 24 ዓመታት ኣሕሊፍና። ኣይፋል ምልኪ! ይኣክል ሕሰምን ኣደራዕን ንምባል ዓቐበት ኮይንና። ትማሊ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘመናዊ ዕጥቂ ዝፍራሕ ንዝነበረ ሽሾ ማዕበላዊ ሰራዊት ደርግ ፊትንፊት ገጢምና ስዒርና ናጽነት ዘግሃድና ህዝቢ ሎሚ ብውሽጡ ንዝቦኽቦኸ ባዶ ገርወኛ ጸቢብ ጉጅለ ምሒና ኣብ ምድርባይ ላንጋ ላንጋ ኴንና ፍርሕን ራዕድን ኣዳህሊሉና ከም ናብ ማቾሎ ዝኹብኮባ ጥሪት ብጃምላ ኣብ እቶን ብመጋርያ ሓዊ ንልብለብ ኣሎና።
ኤርትራውያን ኣብ መረበትና መንበሪ ስኢንና ብሓደ ጸቢብ ጉጅለ ተዘሪዕና ካብን ናብ ከይንወሳወስ ብመቑሕ ባርነት ተቖሪንና። ብመቑነን ዝተተኸበልና መግቢ ዕንጋሎት ስኢና ብጥምየት ንሰሃግን ንሕመልን ኣሎና። ነዚ ዘይጽወር ግፍዕታት፡ ኣደራዕን መከራን ጼርና ብምህልላ ጸሎትን ክወግሐልና ምጽባይና ሕሰምና ካብ ምግዳድ ሓሊፉ መፍትሒ ክንረኽበሉ ኣይክኣልናን።
መሬትና፡ መንእሰያትና፡ ጸጋታትና፡ በዚ ጸቢብ ጉጅለ ጅሆ ተታሒዙ ክብርታትና ተጋሂሱ ልምድታትና ዓንዩ ዘሰክፍ ሓደጋ ኣንጸላልዩና እንዳሃለወ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ስለምንታይ ዕሽሽ ንብል? እዚ ቆሪኑ ሒዙና ዘሎ ፍርሕን ስግኣትን ክነወግድ እንተዘይክኢልና ኣብ ዓለም ኤርትራ እትብሃል ሃገር ኤርትራዊ ዝብሃል ህዝቢ ከምዘይህሉ ብውነ ክንርድኦ ይግባእ።
ኢሳይያስ ዝመርሖ ዕማኾ ጸቢብ ጉጅለ ይኣስረና፡ ይጭፍጭፈና፡ ይሓርደና ካብዚ ሓሊፉ ይሸጠናን የጥፍኣናን ኣሎ። ልዕሊ’ዚ ዝመጸና መዓት የለን። እዚ ጸቢብ ጉጅለ’ዚ ምስ ዘይሕጋውያን ነጋዶ ደቂ ሰባት ተመሳጢሩን ልፍንቲ ፈጢሩን ዘጥፍኣና ዘሎ ከይኣክል ጸጋታት ኤርትራ ጓሕጉሑ ሃብትና መህጠሪ ማሕፉደኡ ጌርዎ ንዕዘብ ኣሎና።
በዚ ሸውሃቱ ክዓግብ ስለዘይክኣለ ልኡላዊ መሬት ኤርትራ ንክልተ ተጻባእቲ ሃገራት እስራኤልን ኢራንን ሸንሺኑን ሰሊዑን ብምዕዳል ኤርትራ ዓውዲ ኵናት ንኽትከውን ብባጤራ ሸይጥዋ። እዚ’ዩ እምብኣር ንሃገር ብሒቱ ጽባሕ ሃገር ኣባዲሙ ህዝባ ኣጽኒቱ ኤርትራ ነበረት ክትከውን ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ። እዚ ኣይተኸወለናን። እሞ ድኣ ንኽንጠፍእ፡ ንኽንጸንትን ንዝበየነልና እኽብካብ ሽፍታ ጉጅለ ኣብ ጋህሲ ኣእቲና ሓዳስ መጻኢኣ ብሩህ ህዝባ ካብ ስደት ዝተበታተነ፡ ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ ግዱድ ዕስክርና ጅሆ ዝተታሕዞ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጕኑ ዘሎ ሓራ ወጽዩ ኩሉ ኣብዛ ለዋህ መሬት ክኽተኣኻኸብ ንፋስ ሓርነት ከተንፍስ ጻውዒት ድምጺ ውጹዓት ኤርትራውያን ብኹሉ ኣንፈት የቃልሕ’ሎ። ስለዚ ኣብ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዕሽሽ ኣይንበል ጽባሕ ብታሪኽ ከይንሕተት!
ኩሉ ጸገማትና ኣብ መቓብር ኢሳይያስ ይፍትሑ!
ሕመረት ልምዓትና ኣብ ዳራ ዓወትና!
ኤዲቶሪያል ቦርድ ወጋሕታ ሳሊና
11 ሓምለ ዓመተ 2015
