ብቋንቋ ህግደፍ ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም ምስ መንግስቶም ተዓሪቖም ስድራ ቤቶም ክሪኡ ናብ
ኤርትራ ዝተመልሱ ስደተኛታት ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክወርዱ ከም ዝተኣዘዙ ምንጭታት ሓቢሮም
ካብ’ቶም ካብ ስርዓት ህግደፍ ኣምሊጦም፡ ብዙሕ መሰናኽላት ሰጊሮም ኣብ ሃገራት ምዕራብ በጺሖም ፖለቲካዊ ዕቑባ ምስ ረኸቡ፡ ኣብ ኤምባሲታት ህግደፍ ከይዶም፡ ብቋንቋ ህግደፍ ናይ ጣዕሳ ፎርም መሊኦም ምስ መንግስቶም ተዓሪቖም ዝበሃሉ ስደተኛታት፡ ቤተሰቦም ክሪኡ ናብ ኤርትራ ምስ ተመልሱ፡ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክኣትው ዘገድድ መምርሒ ወጺኡ ከም ዘሎ ተገሊጹ። እቶም ንሰማዒኡ ብዝገርም ኩነታት ተገልቢጦም ንበዳሊኦም ይቕረታ ሓቲቶም ናይ ጣዕሳ ፎርም ዝመልኡ ዜጋታት፡ በቲ ሃገራዊ ድሕነት ዝበሃል ትካል ስለያ ህግደፍ ቢ ፎር (ቢ4) ብዝብል ኮድ ከም ዝጽውዑ፡ ከጋጥሞም ዝጸንሐ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ብቐጥታ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም ትወርዱ ዝብል መምርሒ ግን ኣዝዩ ኣሰንቢድዎም ከም ዘሎ፡ ተጋደልቲ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ኤርትራ ብ8 ሓምለ 2015 ንድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ ሓቢሮም። ብዘይካ’ቲ ትጽቢት ዘይገበርሉ ናብ ወተሃደራዊ ታዕሊም እተው ዝብል መምርሒ፡ ኣነስቶም ድዩ መቕርቦም ናብ ዝነብሩለን ሃገራት ክወስዱ ዝነበሮም መደብ’ውን ድሕሪ 5 ዓመት እንተዘይኮይኑ ሕጂ ከምኡ ክትገብሩ ኣይትኽእሉን ብዝብል ተዓንቂፎም ከም ዘለው ወሲኾም ኣረዲኦም። ብዘይ ሕጋዊ መንገዲ ካብ ፈረንሳ ናብ እንግሊዝ ንምስጋር ዝፈተነ ኤርትራዊ ህይወቱ ስኢኑ። ካብ ፈረንሳ ካለ ናብ ብሪጣኒያ ብዘይሕጋዊ ኣገበብ ንምስጋር ዝፈተነ ኤርትራዊ ዜጋ ኣብ ገለርያ ሞቱ ከም ዝተረኽበ፡ እንተኾነ ጠንቂ ሞቱ ዛጊት ከም ዘይተረጋገጸን ረድዮ ኤረና ብ8 ሓምለ 2015 ሓቢራ። ብካልእ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ሃገረ እስራኤል ዝነብር ወዲ 25 ዓመት ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ብሓደ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝኸረረ ጽልኢ ዘለዎ እስራኤላዊ ተሃሪሙ ኢዱ ከም ዝተቖርጸ፡ እንተኾነ እስራኤላውያን ሓካይም ነታ ዝተቖርጸት ኢዱ ክጽግንሉ ፈተነ ይገብሩ ከም ዘለውን እታ ረድዮ ኣረዲኣ። ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 10-07-2015