ምስክነይቲ ኤርትራ እንታይ የጋጥማ ኣሎ?
እዚ ስርዓት ብወግዒ ኲናት ኣውጁልና’ዩ።
ብሚካኤል ፕላውት-ጋዘጤኛ
ሰሙናዊት መጽሔት “ኒው ስቴይትስማን” 6 ሓምለ 2015
ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ጨቋኒ ዝኾነ ስርዓት ዓለም ክትኩንኖ ክትእግዶ ክትቀጽዖ ዕለታዊ ይጽውዕ ኣሎ። እዚ ህዝቢ ዘይኢዱ’ዩ ረኺቡ። እቲ ስርዓት ንገዛእ ርእሱ ካብ ዓለም ተነጺሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ድማ ከም ዝንጸል ጌርዎ። ኣብ ኤርትራ ሎሚ ክልተ ጫፋት’ዮም ዘለው። በቲ ሓደ ጀጋኑ ኤርትራውያን ዘቤታዊ ተጋድሎኦም ብምሕያል፡ ነዚ ሕልና ኣልቦ ስርዓት ኣብ ምምካት ክረባረቡ እንከለው፡ በቲ ካልእ ድማ መዕገቲ ዘይተረኽቦ ዋሕዚ ስደተኛታት። እዚ ኩሉ ውጽኢት ዘይደሞክራስያዊ ምሕደራን ግፍዕን’ዩ። እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ወሪዱ ዘሎ ኣደራዕ ከቢድ’ዩ። እቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ከጽንዕ ዝተመዘዘ መርማሪ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ ሳምንታት ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ፖለቲካዊ ጭቆናን ጭፍጨፋን መዳርግቲ ዘይብሉ ኮይኑ፡ ካብኡ ናብ ዝኸፍአ ክምዕብል ከም ዝኽእል’ውን ሻቕሎቱ ገሊጹ። ሓደ ካብ’ቶም እቲ ስርዓት ፈጺምዎም ዘሎ ገበናት፡ እቲ ብዓለም ደረጃ ኩኑን ዝኾነ ተግባራት ባርነት’ዩ። ባርነታዊ ዕዮ ኣብ ኤርትራ ሎሚ ዕለታዊ ተርእዮ’ዩ ኮይኑ ዘሎ። መንእሰያት ኤርትራ ንኣብነት፡ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ሓንሳብ ኣብ መሳርዕ እቲ ስርዓት ምስ ኣተው፡ ልክዕ ከም ናይ ቀደም ዘመን ባሮት ከቢድ ናይ ኣስገዳድ ስራሕ ክሰርሑ ይግበር። እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቅታት ብመርማሪ ኮሚሽን ካብ ጀኔቫ ብወግዒ ምስተዘርገሐ፡ ኣብ’ታ ከተማ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ብኤርትራውያን ተኻይዱ። ቅድም ብደገፍቲ እቲ ጠላም ስርዓት ተኻየዱ። ቀጺሉ ድማ ሓርነታዊ ደሞክራስያዊ መሰሎም ብዝተነፍጉ ኤርትራውያን። ደገፍቲ እቲ ሓላፍነት ኣልቦ ስርዓት፡ ብፍጹም ቀይዲ በተኽነት ቀይሕ መስመር ብምስጋር፡ ንኣባላት መርማሪ ኮሚሽን ሓንሳብ ብኣካል፡ ናብ ኣዕሪፎምሉ ዝነበሩ ሆቴል ብምኻድ፡ ካልእ ግዜ ከኣ ኣብ ጎደናታት ተዳልዮም ጸኒሖም ኣካላዊ ወስታ ብዝተሓወሶ ከፈርራሕዎም ተራእዮም። ነዚ ዝተዓዘበ ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳርን ምውፋርን ፖሊስ ጀኔቫ ስግኣት ስለ ዝሓደሮ፡ ንስለ ድሕነት ኣባላት መርማሪ ኮሚሽን ንሓለዋ ፖሊስ ብክልተ ዕጽፊ ክውስኽ ጌሩ። ተለቪዥ ስርዓት ኣስመራ ግን ደገፍተይ ዕውት ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ዝብል ወረ ካብ ምንዛሕ ሓሊፋ፡ ዝተረፉ ምዕባሌታት ክትገልጽ ትብዓት ኣይረኸበትን። ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ብኣንጻሩ ብዓብላሊ ቁጽሪ’ዮም ናብ ጀኔቫ ውሒዞም ብዓውታ ድምጾም ኣስሚዖም። ልክዕ ከም’ቲ ኣብ 60ታት ተቓለስቲ ደቡብ ኣፍሪቃውያን ኣብ ውድብ “ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ጉባኤ” ተጠርኒፎም ዓለም ንስርዓት ፕሪቶርያ ንክትውግዶ ጻውዒት ዝገብሩ ዝነበሩ፡ ሎሚ ከኣ ኤርትራውያን ካብ’ዚ ዓፊኑ ዝገዝኦም ዘሎ መላኺ ስርዓት ክላቐቑ፡ ደላዪ ሰላም ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኣወንታዊ ኣበርክቶ ክገብር ይጽውዑ ኣለው። ታሪኽ ህዝብታትን ሃገራት ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ዘሕዝን’ዩ። ናይ ኤርትራ ድማ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ’ዩ። ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ውልቀ መላኺ “ኢሂን ምሂን” ዘይፈልጥ ብስልጣን ዝዓወረ ሰብ’ዩ። ዋላ ነቶም 2 ዝለኣኽዎ ዝነበሩ ሰባት፡ ኣካይዳኡ ከዕሪ ምስተላበውዎ፡ ብእሙናቱ ኣቢሉ ካብ መንበሪ ገዛውቶም ተኣርዎም ክስወሩ ጌሩ። ደሃዮም ካብ ዘይፍለጥ እነሆ ጽባሕ መስከረም መበል 1IJዓመቶም። እንታይ ‘ከ ይገበር? ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ ከም’ዚ ኢልካ ክንበር ከም ዘይከኣል ጽቡቕ ዝተገንዘቡ ይመስሉ። እዚ ፈሊጡ ዝደቀሰ ስርዓት’ዩ። እዚ ኩነታት ድማ ግድን ክቕየር ኣለዎ ይብሉ ኣለው። እዞም ደለይቲ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ወፍሪ ባርነት ካልእ ከምዘየለ ወትሩ ክዛረቡ ይስምዑ። ኣብያተ ዕዮ ዓጺኻ፣ ኮርፖሬሽናት ሰጒግካ፡ ቁጠባዊ ህይወት እዛ’ሃገር ብውሑዳት ሰብ ረብሓ እቲ ስርዓት ከም ዝበሓት ጌርካ ዝረጋገጽ ምዕባለ የለን። እዚ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኲናት ኣውጁ ኣሎ። ዝኾነ መሰል፡ ዝኾነ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ዝበሃል የለን። ኣብ’ዛ ብመስዋእቲ ዘምጻእናያ ሃገር ይብሉ። ሓቆም’ዮም ድማ፡ እቲ ስርዓት ንህዝቢ የገልግል የለን። ነዳዲ ላምባ ካልኦት ሃለኽቲ ነገራት ኣብ’ታ ሃገር ዳርጋ የለን። ዋላ ኣብ’ቲ ስርዓት ዘመሓድሮ ድኳናት መግቢ ከም ድሌትካ ኣይትረክብን። ገንዘብ እናሃለወካ፡ ምሉእ መዓልቲ ተሰሪዕካ ውዒልካ ክንዲ ዝዓቕምካ እኽሊ ክትሽምት ኣይትኽእልን። ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሓይሊ ኤሌትሪክ ዝበሃል ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ቆልዑ በዚ እንክጫረቑ ኩነታት ኤሌትሪክ እንክዝክሩ ኩነታት ባኒ ከም ዘዘኽሮም ይዛረቡ። ቅድም ክብል ባኒ ገለ በብውሑድ ይሽየጥ ኔሩ። ጸኒሑ ግን ህልም። ሓይሊ ኤሌትሪክ ከኣ ከምኡ። እዚ ኮነ ኢልካ ብደይ መደይ ዝስራሓሉ ዘሎ ፖሊሲ’ዩ ይብሉ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ። ዕላማኡ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ብዕለታዊ እንጀራ ተሸጊሩ ብዛዕባ መሰሉ ከይሓትት ንምግባር’ዩ ይብሉ። እቶም ንስርዓት ኣስመራ ብምድጋፍ ኣብ ጀኔቫ ተራኺቦም ንሕና ንሱ ኢሎም ክጭድሩ ዝተሰምዑ ሰላም ናይ ኤርትራ ዘይደልዩ’ዮም። እዚኦም ስሱዓት ፈተውቲ ነብሶም’ዮም። ኣብ ዝባንና ኣብ ክሳራና ኣብ ሽግርና ይነብሩ ኣለው። ዓለም ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ምስ መን ክትዘራርበ ከም ዘለዋ ክትፈልጥ ኣለዋ። በዓል የማነታት ንኤርትራን ህዝባን ወኪሎም እንታይ ጽቡቕ ከዛርብዋ ከተዛርቦም። ንሕና እቶም መስክሩልና ዘይድልየና ግዳያት ኢና መዛቲታ። ከም ማሕበር መንእሰያት ህግደፍ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ተባሂሎም ዝጽውዑ’ውን ተበለጽቲ’ዮም። ብሰንኮም ኣብ ሰበኽ ሳግማዊ ህይወት ኢና ንነብር ዘለና። ብከም’ዚ ግን ኣይክንቅጽልን ኢና። ፈነወ ረድዮ ድምጺ ሰላምን ደሞክራስን ኤርትራ 10-0q-2015