እቲ “ሃብታም ኤርትራ ‘ምበር ሃብታም ኤርትራዊ ኣየድልየናን እዩ” እናበለ የዋሃት ዘታለለ ውልቀመላኺ ኤርትራ ኢሳይይስ ኣፈወርቂ ነቶም ኣብ መወዳእታ መዓልታት ሚኒስተር ንግድን ኢንዱስትሪን ነበር ኣቶ እስቲፋኖስ ከሎ ብፍራንኮ ቫሉታ ኣቑሑ ብግቡእ ኣቐሪጾም ብወደብ ባጽዕ ከእትዉ ዝተፈቕዶም ነጋዶ ኣቑሑቶም ናብ ባጽዕ ምስ ኣተወ ኣስታት 1400 ኮንተይነራት ብዘይ ሓደ ምኽንያት ተኣጊዱ ዳርጋ 6 ወርሑ ኣሕሊፉ ኣሎ።
ዋግኡ ብሓርፋፍ ግምት ካብ 70-100 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ኣቑሑ ገለ ክፋሉ መግቢ ስለዝኾነ ካብ ጠቕሚ ወጻኢ ኮይኑ ኣሎ።
ዋናታት ናይዚ ተጠቒሱ ዘሎ ኮንተይነራት ገለ መፍትሕ እንተረኸቡ ብኣውቶቡስ ናብ ተሰነይ፣ ናብቲ ቤትጽሕፈት ሓድሽ ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን ወዲ በኺት ከይዶም ‘ኳ እንተጠርዑ፣ እቶም ስማዊ እምበር ግብራዊ ስልጣን ዘይብሎም ሚኒስተራት ስርዓት ኢሳይያስ ሓይልን ብቕዓትን ስለዘይብሎም መፍትሒ ኣይረኸቡን።
እቲ ስግንጢራዊ ምሕደራ ውልቀመላኺ ኤርትራ ክንዲ ብትካላዊ ኣሰራርሓ ንግዳዊ ንጥፈታት ምፍቃድ ብኮንትሮባንድ ጌርካ ናብ ሱዳን ኣብጺሕካ ብምምላስ ዝካየድ ናይ ቤትጽሕፈት ፕረዚደንት ንግዲ በዚ ሽፍታዊ ስርዓት ከም ንቡር ተወሲዱ ኣሎ።
ህዝቢ ስቕትኡ ደረት ክገብረሉ ንላቦ።
ውድቀት ንሕጊ ኣልቦ ስርዓት ኢሳይያስ
ሕጊ ይንገስ ምልኪ ይፍረስ!
ግዱስት ካብ ኣስመራ