ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ፣ ንጸብጻብ መርማሪት ኮሚሽን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ኣብ ቴልኣቪቭ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኤውሮጳ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እቶም ኤርትራውያን ሎሚ 25 ሰነ ኣብ ዘካይድዎ ሰለማዊ ሰልፊ፣ ኣብ ኤርትራ ከቢድ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ምህላዉ፣ ካብ ዝኾነ ወገን ዝኽወል ከምዘይኮነ ዘዘኻኽር ዝተፈላለየ ጭርሖታትን ኣሳእልን’ውን ኣልዒሎም።
