ጉጅለ ኣባላት ግሃድኤ-ሕድሪ ዋሺንግቶንን ከባቢኣን ኣኼባ ኣካይዶም-መሪሕነት መሪጾም።
ግ.ሃ.ድ.ኤ.-ሕድሪ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን መጋቢት 15/2015
ኣብ ዋሽንግቶን ከባቢኣን ከምኡውን ኒውዮርክን ፍላደልፊያን ዝርከቡ ኣባላት ግ.ሃ.ድ.ኤ.-ሕድሪ ቀዳም መጋቢት 13/2015
ኣብ ዋሽንግቶን ዲሲ ኣኼባ ብምግባር ናይ ጉጅለ ሓዲሽ ስርርዕ ኣካይዶም። በታ ከተካይድ ዝጸንሐት መሪሕነት ከዕመሙ ዝጸንሑ ናይ ጉጅለ ስርሓትን ኣብ ትልሚ ዘለዉ ክትግበሩ ዘለዎም መደባትን ሙሉእ ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራባ ኣባላት ጉጅለ ዕሙቕ ዝበለ ምይይጥ ብምክያድ ነዚ ዘሎ መድረኽ ቃልሲ ዝሳነ ሓድሽ ኣገባብ ኣወዳድባን ኣሰራርሓን ብምጽዳቕ ብሓዲሽ መንፈስን ወንን ንቃልሲ ድልውነቶም ኣረጋጊጾም። ኣብዚ ኣኼባዚ ብዘይካ እቶም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ዝመጹ ኣባላት ብጻይ ክፍለዝጊ ገብረመድህን ሓላፊ ውደባን ኣባል ፈጻሚ ሽማግለ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቡ ብዛዕባ ህሉዊ ኩነታት ውድብን ህሉዊ ኩነታት ደንበ ተቃውሞን ሃገርን ሓበሬታን መብርህን ሂቡ ኣኼባ ጉጅለ ሓዳስ ኣካያዲት መሪሒነት ጉጅለ ብምምራጽ ኣኼባ ብሓዲሽ ወንን ናይ ቃልሲ መንፈስን ተዛዚሙ።
ድሕነት ህዝብን ሃገርን ልዕሊ ኩሉ!!
ዓወት ንሓፋሽ ብተግባር!!
ክፍሊ ዜናን ሓቤረታን ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ – ሕድሪ
ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ
