ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ እቶም ከም መጋበርያኡ ክጥቀመሎም ዝጸንሐ ማእከሎትን ላዕለዎትን ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ዘካይዶ ዘሎ ናይ ምእሳር ስጒምትታት ብዝሓየለ መልክዑ ይቕጽሎ ከምዘሎ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ሓቢሮም።
ኣብ ከባቢ ስፐይስ ዝመንበሪኦም ኮሎኔል ኣስራት በላይ (ወዲ በላይ ) ዛጊት መንነቱ ዘይተረጋገጸ ካልኣዩ ኮሎኔልን ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ቀጽሪ ገዝኦም ጥሒሶም ብዝኣተዉ ኣባላት ስለያ ተሞቒሖም ከምእተወስዱ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።
ኮሎኔል ኣስራት በላይ (ወዲ በላይ) ንሓደ ካብቶም ብረቱ ከረክብ ዝኣዘዝዎ ሲቪላዊ ኪዳን ዝለበሱ ኣባላት ስለያ ብጥይት ኣቚሲሉ ክሃድም ምስ ፈተነ ኣብ ኣፍደገ ብዝጸንሑ ካልኦት ኣባላት ከምእተቐየደ ምንጭታትና ኣረዲኦም። እቲ ኣብ እንግድዕኡ ብጥይት ዝተሃርመ ኣባል ስለያኣብ ሆስፒታል ሓሊበት ህጹጽ ሕክምናዊ ረድኤት ተገይርሉ ናብ ወተሃደራዊ ሕክምና ዩናኤል ከምዝሰገረ ምንጭታትና ወሲኾም ገሊጾም።
ፕረዚደንት ስርዓት ህግደፍ ክቕንጽሉኒ ዝሓሰቡ ሓለፍቲ ኣለዉ ብዝብል ስግኣት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዘደስከሎም 23 ላዕለዎት ሓለፍቲ እቶም ዕስራ ተቓውሞ ስለዘርኣዩ ብወንጀል መርመራ ኣብ ዝፍለጥ ክፋል ካልኣይ መደበር ፖሊስ ተቐዪዶም ምህላዎም ይፍለጥ።
ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ስርዓት ህግደፍ ንዉልቃዊ ንብረት ናይ’ቶም ብዘይዝኾነ ምኽንያት ዝቕይድዎም ዘለዉ ሃብታማት ነጋዶ ይዘምቱ ምህላዎም ተሓቢሩ።
ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ስርዓት ህግደፍ ንዉልቃዊ ንብረት ናይ’ቶም ብዘይዝኾነ ምኽንያት ዝቕይድዎም ዘለዉ ሃብታማት ነጋዶ ኣብ ይዘምቱ ምህላዎም ተሓቢሩ። ምዝማት ይሰርሑ ምህላዎም ተቓሊዑ።
ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ዘለዉ ምንጭታት ድምጺ መድረኽ ኣባላት ስለያ እቲ ስርዓት ባዕላዊ ውሳኔታት እናወሰዱ ንመኽዘናትን ትካላትን’ቶም ናይቶም ዝኣስሩዎም ነጋዶ ይዘምቱን ንመካይኖም ይጥቀሙለን ምህላዎም ኣገንዚቦም።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ናይ ዝርከብ ብርሃነ ይሕደጎ ዝተባህለ ሃብታም ነጋዳይ ትዮታ ካምሪ ዝዓይነታ መኪና ኣባላት ስለያ ኣብ ለይታዊ ትልሂት ዋርሳ ሰኺሮም ኣብ ከባቢ ገጀርት ምስ ዓንዲ ኤሌትሪክ ስለዘጋጨዉዋ ካብ ስራሕ ወጻኢ ከምዝኾነት ነዚ ዝመስል ተግባራት ልሙድ ኮይኑ ምህላውን ምንጭታትና ገሊጾም።
ብተወሳኺ ምንጭታትና፥ ስድራቤታትን መቕርብን ናይ’ቶም ንብረቶም ዝዝመት ዘሎ ነጋዶ ጥርዓናት ኣብ ዘቕርብሉ እዋን ምፍርራህ ከምዘጋጥሞም ኣፍሊጦም።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሃብታማት ነጋዶ ሃገርና ብሓፈሻ፡ ነጋዶ ዞባ ጋሽ-ባርካ ድማ ብፍላይ ዘይምኽኑይ ማእሰርቲ ቀይዱ በቲኹ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ ፥ ኣብ ልዕሊ ሰብኡተን ዝተኣስሩወን ደቂ ኣንስትዮ ብሓለፍቲ ዝግበር ጾታዊ ቅድመ-ኲነት ዳርጋ ንቡር ኮይኑ ምህላዉ ተፈሊጡ።
ስርዓት ህግደፍ ኣብ ጉዳይ የመን ምስ ስዑዲ ዓረብ ብዘርእዮ ዘሎ ህውኽ ምጽግጋዓት- ህዝብና ዘይፈልጦ ልዑል መጠን ገንዘብ የኻዕብት ምህላዉ ተሓቢሩ።
ስርዓት ህግደፍ ምስ’ቲ ብንግስነት ስዑዲ ዓረብ እናተመርሐ ኣብ ልዕሊ የመናዊ ምንቅስቓስ ሑቲ ዝካየድ ዘሎ ወተሃደራዊ ወፍሪ ብዘርእዮ ዘሎ ህውኽ ምድንጋጻትን ምጽግጋዓትን- ካብ መንግስቲ ስዑዲ ህዝብና ዘይፈልጦ ልዑል መጠን ገንዘብ የኻዕብት ምህላዉእቲ ስርዓት ካብ’ቲ ንጉሳዊ መንግስቲ ዝረኽቦ ዘሎ ምስጡር ገንዘባዊ ሓገዛት ኣብ ውልቃዊ ጁባኡ ይኽዝኖ ከምዘሎን ፥ ወደብ ዓሰብ ከም ቀንዲ መነሃርያ ንቀረባትን ወተሃደራዊ ተልእኾን ናይ’ቲ ብስዑዲ ዓረብ ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕትታት ንምግባራ ብሕቡእ ይሰርሕ ምህላዉን ምንጭታትና ሓቢሮም።
ምንጭታትና ወሲኾም፥ ኣሃዱታት ሓይሊ ባሕርን ኮማንዶን ሃገርና ኣብ ስለያን ኮለላን’ቶም ምስ የመን ዘቃርቡ ማያዊ ከባቢታት ይነጥፋ ከምዘለዋ ብምቅላዕ፥ ፕረዚደንት ህግደፍ፡ እዚ ንጥፈታት እዚ ካብ ገለ ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ከዊሉ ይገብሮ ከምዘሎ ኣፍሊጦም።
ሓያሎ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ፥ ነቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ዝቃረብዎ ሓለፍቲ ጥራይ እናተረዳድአ ኣብ ጉዳይ የመን ዝኽተሎ ዘሎ ዘይጽኑዕ መርገጺ ብቐጻሊ ይነቕፍዎ ብምህላዎም ፥ እቲ መራሒ ምስ ስዑድያ ዝገብሮ ዘሎ ምቅርራባት ብስቱር የካይዶ ምህላዉዩ ዝንገር።******