መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኩናማ ኤርትራ፡ ኣቶ ቀርነለዎስ ዕስማን ኣጋር ኣብ ክፍለ ግዝኣት መነሶታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ ጉዳይ ኣቶ ቀርነለዎስ ካብ ግዝኣት መነሶታ ናብ ካልእ ግዝኣት ክዛወር ሕቶ ቐሪቡ`ሎ By voa 12/06/2015

 Kernelewos Osman Agar
Kernelewos Osman Agar

 

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ኩናማ ኤርትራ፡  ኣቶ ቀርነለዎስ ዕስማን ኣጋር ኣብ ክፍለ ግዝኣት መነሶታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ፡ ሎሚ ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ሚንያፖሊስ ቀሪቡ ምንባሩ ካብ ቤት ጽሕፈት ቤት ፍርዲ ወረዳ U.S ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ኣቶ ቀርኒሎስ ዝተኸሰሰሉ ምድንጋር ቪዛ ዝብል ምዃኑ ቤት-ጽሕፈት ቤት ፍርዲ ወረዳ St Paul ንቪኦኤ ብስልኪ ሓቢሩ`ሎ።

ጉዳይ ኣቶ ቀርነለዎስ ካብ ግዝኣት መነሶታ ናብ ካልእ ግዝኣት ክዛወር ሕቶ ቐሪቡ ከምዘሎ ዝገለጸ ቤት-ጽሕፈት ቤት-ፍርዲ St Paul:  ዳኛ ዝሃቦ ውሳነ ንቪኦኤ ክሕብር ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ኣቶ ቀርኔሎስ ዕስማን፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ተወላዶ ኩናማ ንምርኻብ ናብ`ዚ ናብ U.S ምምጽኡ ዝሓልፈ ክልተ ሰሙን ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ምሕባሩ ይዝከር።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *