ኣብ ሱዳን፣ ናብ መዓስከር ሸገረብ ዘምርሑ ዝነበሩ 14 ኤርትራውያን ብዕጡቓት ተጨውዮም Radio Erena : 05 June 2015

 

14Erinsu

 

ኣብ ምብራቕ ሱዳን 14 ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓሙስ 5 ሰነ ብዕጡቓት ከምዝተጨውዩ ኣፈኛ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ብራስ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣፈኛ፣ ካብ ሰበ ስልጣን ሱዳን ንዝረኸቦ ሓበሬታ ብምርግጋጽ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፣ 49 ኤርትራውያን ስደተኛታት ጽዒና ናብ መዓስከር ስደተኛታት ሸገረብ እተምርሕ ዝነበረት ሎሪ ብዕጡቓት ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ከምዝተፈነወላን፣ እቶም 14 ድማ ተጨውዮም ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ከምዝተወስዱን ገሊጹ።

 

ካብቶም ተጨውዮም ዘለዉ 14 ኤርትራውያን እተን ሸሞንተ ደቂንስትዮ’የን።

ክልተ ካብተን ደቂንስትዮን ኣርባዕተ ደቂ ተባዕትዮን ትሕቲ ዕድመ ምዃኖም’ውን እቲ ኣፈኛ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

ምስ ኤርትራ ኣብ ዝዳወብ ዞባ ምብራቕ ሱዳን ኣብ ዝርከብ መዓስከር ሸገረብ ኣስታት 15 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት ተዓቝቦም ኣለዉ።

እንተኾነ መንግስቲ ሱዳን ጸጥታ እቲ መዓስከር ከውሕስ ብዘይምኽኣሉ፣ ኣማኢት ስደተኛታት ካብቲ መዓስከር እናተጨውዩ ከምዝሽየጡን፣ ንምልቓቖም ድማ ስድራቤታቶም 10ታት ኣሽሓት ዶላራት ከምዝሕተቱን ዝፍለጥ’ዩ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *