
ብመጀመርያ ንዅላትኩም ደቂ ሃገር ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣብ ናተይ ዕድመ ከባቢ ዘሎኹም እንቋዕ ኣብ ናይ መበል 24 ዓመት ብዓል ናጽነት እብጽሓኩም እናበልኩ ዳግማይ ሰምታይ አቕርብ። እወ ኣይኰነንዶ ድሕሪ ናጽነት ክንድዚ ዓመታት ክንጸንሕሲ እቶም ንበዝሕ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተኻፈልና ነታ ናጽነት ትበሃል ንባዕላ ንኽንርእያ’ውን ተስፋ ኣይነበረናን። ከምቲ ወዲ ገብሩ ዝበሎ ግን ‘’ንዅሉ እንቋዕ ኣርከብናሉ’’። ኣብቲ ኣርእስተይ ንኽምለስ ግን ሎሚ እውን ብዛዕባ ናጽነትን ብምኽንያት ናጽነት ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ዝሃቦ መደረን ኢየ ከድህብ። መጀመርያ ክገልጾ ዝደሊ ግን ናጽነት እኩብ ድምር ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፍረ ቃልሲ እምበር ህዝባዊ ግምባር ንበይኑ ዘምጽኦ ዓወት ኣይኰነን። እቲ ውድብ ህዝባዊ ግምባር ኣብ ምምራሕን ህዝቢ ጠርኒፍካ ኣብ ምቅላስን ዝነበሮ ተራ ግን ብቐሊል ዝግመት ኣይኰነን። ብዛዕባ ህሉው ኵነታትናን ብሰንኪ ዘይቅዋማዊ ምሕደራ ሎሚ ንህዝብና ኣጋጢሙዎ ዘሎ ጸገማት ክዛረብ እንተዀይነ ግን እቲ ናይ ባዕዲ መግዛእትን ኵናትን ሽግርን ሳላ እቶም ንሂወቶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ኣብ ቃልሲ ዝኸፈሉ ጀጋኑ ስዉኣትን ስንኩላንን ሳላ ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ሓቢሩ ዝተቓለሰን ሎሚ ንሕና እዞም ናይ ሎሚ ወለዶ ኣጽሪናዮ ኣሎና። ፕረሲደንት ኢሳያስ እውን እንተኰነ ኣብዚ ዓቢ ተራ ከም ዝነበሮ ታሪኽ ክቕይሮ ወይ ክድምስሶ ኣይክእልን ኢዩ። ካልእ ህዝቢ ኤርትራ ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ኣሰራርሓን ኣነባብራን ከም ዝነበሮ ዘይፈልጥ የብልናን። ዲሞክራስን ፍትሕን ከንብል ከሎና ከኣ ነቲ ዝነበረና ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ኣሰራርሓ ክንውስኸሉን ከነመሓይሾን እምበር ሓድሽ ዘይንፈልጦ ዲሞክራሲ ከነትኣታቱ ኣይኰነን። ስለዚ እቲ ተመንጢልናዮ ዘሎና ናይ ቅዋማውን ፍትሓውን ዲሞክራስያዊ ምሕደራን ከኣ እንተዀነ ብገለ ዝነጥቡን ዝጥርንፉን መንገዲ ሰላምን ሓድነትን ጥርናፈን ዝመርሑን ዘይፈለጥናዮምን ዘይርኣናዮምን ውፉያት መራሕቲ ንረክብ እሞ ንዕኡ’ውን ንበጽሖ ንኸውን። ካብኡ ዝተረፈ ከኣ ንሕና ሎሚ ብሕመቕና ዘይበጻሕናዮን ዘየተግበርናዮን ፍትሕን ዲሞክራስን ጽባሕ ደቅና ሓንቲ ንጣብ ደም ከየፍሰሱ ብቐሊል ክጐናጸፉዎ ምዃኖም ጥርጥር የብለይን። ምኽንያቱ እቲ ዝበዝሔን ዝሓየለን ሃገር ካብ ባዕዳውያን እሞ ከኣ ሓያላትን ብዙሓትን ኣሽሓት መስዋእቲ ተኸፊሉዎ ተጸሪጉሎም’ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ዝተፈላለየ ምኽንያታት ዘቕርቡን ናይ ስልጣን ሕልሚ ዘለዎም ደቂ ሃገርን ጸላእቲ ክህልዉዎ ይኽእሉ ኢዮም። ናይ መብዛሕትና ናይቶም ምስቲ ህሉው ኣሰራርሓን ኣከያይዳን መንግስቲ ኤርትራ ዘይንሰማማዕ ደቂ ሃገር ሕቶን ጸዋዒትን ግን ሓደ ኢዩ። ንሱ ከኣ ሕልሚ ስልጣን ዘይኮነ ሕቶ ቅዋም፡ ሕቶ ፍትሒ፡ ሕቶ ሓድነት፡ ሕቶ ማእሰርቲ፡ ሕቶ ስደት ፡ ኢዩ። ነዚ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ኣይለበመን እምበር ንረብሓና ጥራሕ ዘይኮነስ ብዝያዳ ንረብሓኡን ንኽብረቱን ኢዩ ነሩ። ፍትሒ እንተዘንግስን ሰላምን ሓድነትን ህዝቡ እንተዝሓስብን፡ ካብ ብማእሰርቲን ብመግረፍትን ብሕግን ብፍትሕን ብፍቕርን ከመሓድርን ክመርሕን እንተዝመርጽን ከኣ ዝጻብኦስ ይትረፍ ዝወዳደሮ እውን ኣይምተረኽበን። ከምቲ ናይ ቀደሙ ብዘይ ሓለውቲ ክዛወር እውን ኣይምተሰከፈን። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ዝሐለፈ ሰሙናት ናይ ስቪላውን ገበናውን ሕጊ ሓንጺጹ መግለጺ ኣውጺኡ ነሩ። ኣብ ብዓል ናጽነት ገለዶኾን ነዚ ዘሎ ኣስካሕካሒ ኵነታት ስደትን ፍልልይን ወጊዱ ህዝቢ ዝጥርንፍን ሰላም ዘስፍንን ኣዋጅ ይእውጅ ይኸውን ኢልና’’ውን ተስፋ ብምግባር መርሓባ ኢልናዮ። መደረ ፕረሲደንት ኢሳያስ ግን ከምታ ወትሩ ዓመት ዓመት ዝብላ ተጻባእትና ምዕራባውያን ኣሜሪካውያን ወያነ ስዒርናዮም ኣሰኒፍናዮም ካብ ማለት ሓሊፉ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ መንጎ ህዝብና ኣጋጢሙ ንዘሎ ጸገማት ምምሕዳር ኮነ ስደት ማእሰርቲ ኮነ ብሔራዊ ኣገልግሎት ትንክፍ ኣየበለን። በዚ ከኣ ካብቶም ተቓወምቲ ንበሃል ጥራሕ ዘይኮነ ዋላ ካብቶም ደገፍቱ እውን ክሳብ ምዓስ ኢና ዓመት ዓመት በዘን ቃላት እዚኤን ክንታልል? ስለምንታይ ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ሃገርናን ጸገማትናን ስደትን ህልቀትን መንእሰያትናን ዘይዛረብ ብማለት ዝሓዘኑ ብዙሓት ኢዮም። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓንቲ ዝተዛረባ ጕዳይ እንተነራ ጕዳይ ጉቦን ስርቅን ብኣቘራጭ ክትህብትም ምድላይን ኢያ። እዚ ከኣ ከምቲ ልሙድ ነቲ ገርሄኛን ኣማንን ህዝብና ኣቓልቦ ሂቡ ‘’ንሱስ ቅኑዕ ነሩ ደይ እቶም ብትሕቲኡ ዘለዉ ኢዮም ዝብድሉ ዘለዉ’’ ንኽብሃል ዝዓለመ ይመስል። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ኤርትራ እቲ ጉቦን ምጥፍፋእን ካበይ ከም ዝነቅል ክሳብ ኣበይ ከም ዝበጽሕ ጠፊኡዎስ ንሰበስልጣናቱ ኣብ ብዓል ናጽነት ከፈራርሕ ዝግድዶ ምኽንያት ኣይነበረን። ኣብዚ ሓደ ክጠቕሶ ዝደሊ ምሳለ ኣሎ። ኣብ ጊዜ ምምሕዳር ሃይለስላሰ ኣብ ኢትዮጵያ እቲ ዝወሓደ ደሞዝ ሰራሕተኛ ዝኽፈል ኣብ ጉምሩክ ኢዩ ነሩ። እቲ ብዙሓት ቪላታት ጥራሕ ዘይኮነ በላሶታት ዝውንን ሰራሕተኛ መንግስቲ ግን ሰራሕተኛ ግምሩክ ጥራሕ ኢዩ ነሩ። ምኽንያቱ መንግስቲ ደሞዝ ዘውሓዶ ምኽንያት ካብ ህዝቢ ዘሪፎምን ሰሪቖምን ጉቦ በሊዖምን ገንዘብ ክኣርዩ ከም ዝውዕሉ ይፈልጥ ነሩ ጥራሕ ዘይኮነስ ተቐቢሉዎን ባሪኹሎምን ኢዩ። ኣብ ጉምሩክ ኣይኮነንዶ ዳይረክተር ኰንካ ተራ ፈታሽ ኣውን ንብረት ዘይገበረን ኣሽሓት ዘያከበን ኣይነበረን። ኣብ ጉምሩክ ስራሕ ዝቝጸር ከኣ መብዛሕትኡ ሕቘ ዘለዎ ሰብ ጥራሕ ኢዩ ነሩ። ነዚ ብዝምልከት ሓደ ስሙ ክጠቕሶ ዘይደሊ ኣብ ኣርብዓታት ንኢትዮጵያ ብዙሕ ስራሕ ዝሰርሔን ንኣንድነት ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝተቓለሰን ኤርትራዊ ነሩ። ንኤረትራ ፈደረሽን ዝብል ስም ተዋሂቡ ምስ ኢትዮጵያ ምስ ቆረኑዋ ከኣ እዚ ሰብዚ ሞያኡን ኣገልግሎቱን ንኢትዮጵያ ሃገሩ ብዝፈጸሞ ሞያን ኣገልግሎትን ተራእዩሉ ኣብ ጉምሩክ ብዲረክተር ደረጃ ከም ዝቝጸር ተገብረ። እቲ ሰብ ግን ብዘይካ ርሂጽካ ገንዘብካ ምብላዕ ጉቦ ምብላዕ ኮነ ብጥፍፋእ ፈጺሙ ዘይፈቱ ስለዝነበረ በተን ዝወሃብኦ ዝነበራ ሒደት ደሞዝ ክነብር ፈጺሙ ኣይከኣለን። ብዙሕ ደሞዝን ክብረትን ስለዘይረኸበ ከኣ ከዕዘምዝም ጀመረ። ‘’ኣየ ኢትዮጵያ እዚ ኵሉ ተቓሊስናላስ ነዚ’’ ዝብል ዘረባ ከኣ መጽረይ ኣፉ ኮነ። ናቱ ዓው ኢሉ ምዝራብን ኣንጻር ኢትዮጵያ ምጕስጓስን ጽቡቕ ስለዘይኮነ ከኣ እቲ ሽዑ ናይ ንጉስ ሃይለስላሰ እንደራሴ ዝነበረ ኣስራተ ካሳ ነቲ ጕዳይ ኣብ ንጉስ ሃይለስላሰ ኣቕረቦ። ንጉስ ሃይለስላሰ ግን እቲ ኣብ ጉምሩክ ዝግበር ኣጻርዮም ስለዝፈልጡ ‘’ታድያ ከግምሩክ የበለጠ ምን እንስጠው’’ (ካብ ግምሩክ ዝበለስ እንታይ ክንህቦ) ብማለት ነቲ ብእንደራሴ ዝቐረበ ካልእ ሽመትን ደሞዝን ከም ዘጽድቑዎ ተገብረ። ፕረሲደትን ኢሳያስ እውን ነቶም ኵሎም ኣብ ስልጣን ኣዋፊሩዎም ዘሎ ዓበይቲ ሰበስልጣናቱ ጥራሕ ዘይኮነ ነቶም ብዘይ ደሞዝ ኣብ ዓበይትን ሓላፍነት ዘለዎ ቦታታትን ካልእ ትካላትን ኣዋፊሩዎም ዘሎ ብሄራዊ ኣገልግሎት ገለ ከይወሳሰኹ ክነብሩ ይኽእሉ’ዮም ኢሉ ክኣምን ዘይይግመት ኢዩ። እሞ ኪዱ ብዘይ ደሞዝ ስርሑ ማለት እንታይ ማለት ኢዩ? ካልእ ኣብ ኤርትራ ህዝቢ ወይ ሃገር ትፈልጦ በጀት ኮነ ኣሰራርሓ የልቦን። እትዋት ሃገር ኮነ ክሳራ ዝፈልጦ እውን ንሱ ጥራሕ ኢዩ። እሞ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ጉቦን ምጥፍፋእን ሕጋዊ ኣሰራርሓን ካበይ ብመን ክጅምር ኣለዎ ካባና ምኽሪ ዘድልዮ ኣይመስለንን። ኣብቲ መደረኡ ከምቲ ኩሉ ጊዜ ዝብሎ ነታ ጉቦ እውን ከምቲ ካልእ ሃገራውን ህዝባውን ጕዳያት ትም እንተዝመርጸላ ነሩ ከኣ ዝበለጸ ምዀነ። ኣብቲ ብወገንና ዝሓለፍናዮ ኣበዓዕላ ኵነታት ክምለስ ግን ከምቲ ኣብ ሃገርናን ኣብ ወጻኢ ሃገራትን ብኤምባሲታቱን ደገፍቲ መንግስትን ዝተገብረ ብዓል ናጽነት ብተቓወምትን በቶም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ምስቲ መንግስቲ ኤርትራ ዘይንሰማማዕን እውን ኣብ ዝተፈላለየ ወጻኢ ሃገራት ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ ውዒሉ ኢዩ። እዚ ማለት ከኣ ብዓል ናጽነትካ ንምኽባርን ምዝካርን እቶም ኣብ ነጻ ሃገራት ኣብ ወጻኢ ንርከብ ደቂ ሃገር ኣብዚ ዘሎናዮ ሕሱም ኵነታት ህዝብና እናሰማዕና ምስቲ መደባትን ሳዕሳዒትን ዳንኬራን መንግስቲ ክንሰምማዕን ብናቱ ኣገባብ ክንከይድን ናይ ግድን ኣይነበረን። ስለዘይኰነ ከኣ በብዝመስለናን ብንኣምነሉ ኣገባብን ብዓል ናጽነትና ከነኽብር ቀኒና ኣሎና። ይኹንምበር ንሕና ሳላ ስደት ዝመስለና ርእይቶ ከነቕርብን ክንመያየጠሉን ናጽነት ዘሎና ብምዃኑ ኣብ መንጎና ሓደ ሓደ ናይ ኣመዛዝና ፍልልያት ከይተጠቕሰ ኣይተረፈን። ገለ ገለ ካብኡ ከኣ እዚ ተረኺቡ ትብሉና ዘሎኹም ናጽነት ብዘይካ ግፍዕን ድኽነትን ውርደትን ስደትን ንህዝብና ዘምጽኣሉ ራህዋ የልቦን ብማለት ነቲ በዓል ናጽነትን ንዝሓለፈ ሽግርን ኵናትን ብምዝካር ንዝተረኽበ ናይ ናጽነት ዓወት ብዓል ንምኽባርን ዘይተቐበሉ ኣካላት ስለዝነበሩና ኢዩ። ከም ኣበሃህላኦም መሬት ኤርትራ እምበር ህዝቢ ኤርትራ ሓርነት ጥራሕ ዘይኮነ ናጽነት እውን ኣይረኸበን በሃልቲ ኢዮም። ህዝቢ ኤርትራ ካልእሲ ይትረፍ ከም ድላዩ ክንቀሳቕስን ኣብ ድሌቱ ክነብርን ሓሳባቱን ድሌቱን ክገልጽን ምኽኣል ስኢኑ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልዱ መንእሰያት ከይተረፉ ኣብ ማእከለይ ባሕሪ ኣብ ዝጥሕሉሉን ህዝብና እውን ኣብ ምሉእ ዓለም ብስደትን ብሕስረትን ዝነብረሉ ዘሎ ኵነታት ኢና ዘሎና ። በዚ ምኽንያት ከኣ ነዚ ናይ ሎሚ ዓመት ብዓል ናጽነት ብሓዘን እምበር ብሓጐስ ኣይንግለጾ ዝብል ርእይቶ ሒዞም ዝቐረቡ ምንባሮም ከኣ ምስጢር ኣይኰነን። እሞ እስከ ክንመራመር። እቲ ናጽነት ቅድሚ ሎሚ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ሰፍ ዘይብል መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ምስዚ ሎሚ ዘሎ ኵነታትና ተራእዩ ክምዘንን እሞ እቲ ክብሪ በዓል ናጽነት ክፈኵስን ናይ ግድን ድዩ? በቲ ካልእከ ሃገርናን ህዝብናን ኣብ ከመይ ኵነታት’ዩ ዘሎ? መንግስቲ ኤርትራኸ ምስ ህዝቡ ዘለዎ ርክብን ምውህሃድን ከመይ ዝበለ ኢዩ? ኵላትና ደገፍትና ኮነ ተቓወምትና ከም ናይ ሓንቱ ሃገር ህዝቢ መጠን ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን ክንፈልጥን ክንመያየጠሉን መሰልና ኢዩ። ኣብዚ ከኣ ርእይቶታትና ከም ዝፈላለ ርግጽ ኢዩ። እቲ ሓቂ ግን እንታዩ? እስከ እቲ ናይ ኣፍ ገዲፍና ናይ ልብና ንዛረብ። ህዝብናስ ናይ ብሓቂዶ ቅሱን’ዩ ዘሎ። እቲ ህዝቢ ህዝቢ ኵልና፡ እቶም ዝስደዱን ኰላሊቶም ዝሽየጥን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጥሕሉን ዘለዉ ከኣ ደቂ ኵልና ኣዝማድ ኵልና ኢዮም። እቲ ስም ሃገርና’ውን ንፍሉያት ዘይኮነ ዝጸሉን ዝትንክፍን ንዅልና ደቂ ሃገር ኢዩ። እሞ ንምንታይ ድኣ ነቲ ሓቂ ሓቂ ፡ ነቲ ጌጋ ከኣ ጌጋ፡ ክንብል ዘይንኽእል? ንሕና ኤርትራውያን ብድፍረት ሓቂ ምዝራብ ክሳብ ንበቅዕ ከኣ ሽግርና ምሳና ክጸንሕ ኢዩ። ሓንቲ ሃገር ተሕልፎ ባዕዳዊ መግዛእትን ድሕሪ ናጽነታ ብደቂ ሃገር ትረኽቦ ዘይቅዋማውን ዘይፍትሓውን ኣመሓዳድራን ከኣ ዝተፈላለየ ኢዩ። ብዝያዳ ነዚ ክልቲኡ ክፈላሊ ዝኽእል ከኣ ኣብ መንጎ መግዛእትን ኣብ መንጎ ውሽጣዊ ዘይዲሞክራስያውን ዘይፍትሓውን ምሕደራን ዝፈላልዮም ቀዳማይ ልዕሊ ኩሉ እቲ ቍጠባ ሃገር ንረብሓ መን ይውዕል ኢዩ። ኤርትራ ከኣ ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ቍጠባኣ ብኸመይ ይመሓደር ኣሎ ብዘየገድስ ነሃገር እገሌ ዝሰርሑ ገዛእቲ’ዮም ዘለዉዋ ክትበሃል ትኽእል ሃገር ኣይኰነትን። ከም ኵለን ካልኦት ናጽነት ኣለወን ዝበሃላ ብዘይ ፍትሕን ብዘይ ሕግን ዝመሓደራ ዘለዋ ሃገራት ዓለም ኤርትራ እውን በቶም ካብ ኣብራኻ ዝወጹ ደቃ ብዘይ ቅዋምን ብዘይ ፍትሕን እናተመሓደረት ህዝባ ኣብ ስደትን ኣብ መድረበዳታትን ኣብ ባሕርታትን ይሃልቕ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ከኣ ኣብ ምሉእ ዓለም ተዋሪደንን መጻወቲ ኰይነን ብሕስረት ይነብራ ኣለዋ እዞም ነታ ሃገር ዘመሓድሩን ዘካይዱን ዘለዉ ደቂ ሃገር ግን ኣብዚ ኵሉ ወዲቖም ኣውዲቖምና ዘለዉ ካብ ዓቕሚ ምስኣን ድዩ ካልእ ቍንቍኛ ኣለዎም? ስለምንታይከ ንኸምኡ መሪጾም? ርእይቶይ እንተገሊጸ ግን ብዙሕ ዝተፈላልየ ካልእ ትንተናታት ከስዕብ ስለዝኽእል ከይገፍሓኒ ኣብኡ ከይኣቶኹ ክዓጽዎ እመርጽ። ኣብ መደምደምታ ከኣ ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩዎ እቲ ዝበዝሔ ጸገማት መግዛእቲ ሓሊፍናዮ ኢና። እቲ ዝተረፈ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ደንጕዩ ቀልጢፉ ክበጽሖ ምዃኑ ጥርጥር የብለይን።
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ነቶም በጃ ህዝቦም ዝሓለፉ ጀጋኑ