ሕቶ ብሄር ብዓይኒ ፖለቲካዊ ደሞክራስን ተፈጥሮኣዊ መሰልን

ሕቶ ብሄር ብዓይኒ ፖለቲካዊ ደሞክራስን ተፈጥሮኣዊ መሰልን

ደሞክራስያዊ ሕቶ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ኣፈታትሓኡን ካብ ቅድሚ ኣማኢት ዓመታት ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከዘራርብ ከሰሓሕብ ዝጸንሐ ዛዕባ’ዩ። ብኸመይ መልክዕ ይግለጽ ካልእ ጉዳይ ኮይኑ: በቶም ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ዝለዓል ሕቶ፡ ሕቶ መሰል ሕቶ መንነት’ዩ። እቲ ዘዘራርብ ዘሰሓሕብ ምኽንያት እከለ ብሄር ወይ ብሄረ-ሰብ ኣካል ኣምሳልና ስለዝኾነ፡ ምስኡ ተዛሚድና ተዋሊድና ስለ ዝኾና፡ ስለንፈትዎ ስለ ነኽብሮ ክፍለየና ኣይንደልን ካብ ዝብል ዝብገስ ኣይኮነን። እቶም መንነቱ ከረጋግጽ የብሉን ካባና ክፍለ የብሉን ባዕሉ ንባዕሉ ከመሓድር ዕድል ክወሃቦ ኣይግባእን …ወዘተ እናበሉ ዝከራኸሩ፡ ዝዕንቅጹ ሰባት ወድባት ኮኑ መንግስታት፡ ማእከል ጌሮም ዝብገስሉ፡ ባህሪያዊ ጸጋታት ሒዙልና ከይኸይድ ካብ ዝብል ኩርናዕ’ዩ ዝነቅል። መሰል መንነት ካልኦት ረጊጽካ ዓፊንካ፡ ኣብ ጭርሖ ሓንቲ ሃገር ልዑላውነት ተሓቢእካ፡ ጸቢብ ረብሓኻ ዓቂብካ ተኸቢርካ ክትነብር ካብ ምድላይ ዝብገስ’ዩ። እዚ ድማ ደው በለለይ ክብለጸልካ’ዩ። እቲ መሰለይ መንነተይ ዝብል ዘሎ ቅኑዕ ምዃኑ፡ እቶም ኣይፋል ካብ ናትና ዝተፈልየ ፖለቲካዊ ምሕደራት ክህልወካ የብሉን ኣይንፈቅድን በሃልቲ ግጉያት ምዃኖም፡ ብተንተንቲ ፖለቲካ ብብሩህ ዝተቐመጠ፡ ኣብ ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት ድማ ብግቡእ ተሰኒዱ ዝሰፈረ ብምዃኑ ንሕጂ ኣብ’ቲ ፖለቲካዊ ሸነኹ ኣትየ ብዙሕ ዝብሎ ኣይህልወንን።

ብመሰረቱ ግን፡ ብሄር-ብሄረ-ሰባት ዝለዓል ሕቶ መሰል ብፖለቲካዊ ምኽንያት ወይ መርተዖ ጥራሕ ድዩ ክረአ ዘለዎ? ክንዮ ብፖለቲካዊ መዕቀኒታት፡ ደሞክራስያዊ መሰሉ ይከበረሉ’ዶ ኣይከበረሉ ምባል፡ ሰብ ብምዃኑ ብናይ ኣደ ቋንቋ ክዛረብ ተፈጥሮኣዊ ግዴታ’ዩ። ብኣመዓባብላ ሕብረተ-ሰባት ቅድሚ ፖለቲካዊ ምሕደራ ወይ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ናይ ተፈጥሮ ሰብን ሰብ ኮይኑ ክረኽቦ ዘለዎ ናይ ተፈጥሮ መሰላትን ከም ዘሎ’ዩ ርዱእ ክኸውን ዘለዎ ኮይኑ ዝስመዓኒ። ናይ ተፍጥሮ ሰብ ስድራ፣እንዳ፣ ቀቢላ፣ ብሄረ-ሰብ ብሄር እናበለ ደረጃ ደረጃ እናማዕበለ ከም ዝመጸ ክዝንጋዕ የብሉን። ሃገር፣ ልዑላውነት፣ ፖለቲካዊ ምሕደራ፣ ፖለቲካዊ ደሞክራሲ ወዘተ ድሒሩ ዝመጸ ኣምራት ወይ መዕቀኒታት’ዩ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ተበጊሰ፡ ብሄራትን ብሄረ-ሰባትን ብናይ ኣደ ቋንቋ ክዛረቡ፣ ናቶም ባህሊ ክህልዎም፡ ስነ-ኣእምሮኣዊ ምትእስሳሮም ከማዕብሉ፡ ተፈጥሮኣዊ መሰሎም’ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ስለዚ ከኣ ነዚ ናይ ተፈጥሮ መሰላት’ዚ፡ ነገራዊ ረብሓታት ከይጎድለካ፡ ሓንቲ ሃገር ሓደ ህዝቢ ዝብል ጭርሖ ተጎልቢብካ፡ ብዘይትሕዝቶኡ ብግልባጡ እናንበብካ፡ ምዕንቃጽ፣ ብሓይሊ ኣንበርኪኽካ ሰጥ ከተብሎ ምፍታን፡ ብፖለቲካዊ ደሞክራሲ ጥራሕ ዝረአን ክፍታሕ ዘለዎን ዛዕባ ዘይኮነ፡ ኣንጻር ተፈጥሮ ምኻድ’ውን ኮይኑ ይረኣየኒ። ብዝያዳ ግን ዓቕሚ ዘለዎም ምሁራት ፖለቲከኛታት ኣዕሙቕ ኣቢሎም መብርሂ እንተዝህብሉ ብዙሕ ምሓገዘ ኢለ እሓስብ። ብዝተረፈ ሰላም።

በረኸት’የ ካብ ኬኒያ

ካብ መጽሔት ህዝባዊ ደሞክራሲ ወግዓዊት ልሳን ደግሓኤ መጋቢት 2015 ዝተወስደ ድ,ሰ,ደ,ኤ,

20-05-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *