መ ግ ለ ጺ   ናይ ሰሜን አሜሪካ ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ  ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ  ስራሓ ጀሚራ

     

ናይ ሰሜን አሜሪካ ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ (ሰ.አ.ተ.አ.ሽ.) በቲ ብአሰናዳዊት ሽማግለ ዝተዋሃባ ሓላፍነት መገዲ ስራሓ ጀሚራ ኣላ።

 

ዪዚከር አዩ፣,ብመሰረት ሕጋዊ ህጹጽ አኼባ ዝተወሰነ ውሳኔ አሰናዳዊት ሽማግለ ብምቛም ምስ ምሉእ መምርሒአ ንካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ከተዳሉ መዘዘ። ብኡ መጠን ድማ አሰናዳዊት ሽማግለ መሳርሕታ ክትመዝዝ ዞባታት ክትሰርዕ ብምብጋስ አብ ሰሜን አሜሪካ ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ አቚማ። እቶም ዝቆሙ ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ አገባብ እዚ ዝስዕብ እዩ።

 

  1. ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ ሰሜን ኤሜሪካ ንዞባታት ትጥርንፍ ብ5 አባላት ቆይማ።
  2. አርባዕተ(4) ንኡስ ዞባታት፡

ሀ. ንኡስ ዞባ ካናዳ

ለ. ንኡስ ዞባ ምብራቅ አሜሪካ

ሐ. ንኡስ ዞባ ማእከል አሜሪካ

መ. ንኡስ ዞባ ምዕራብ አሜሪካ

 

ዝርዝር ሲም አባላት ሰ.አ.ተ.አ.ሽ. ኣብ መጨረሻ ናይ አዚ ጽሑፍ ተታሓሒዙ ኣሎ።

 

ኣብዚ ግዜዚ ሰ.አ.ተ.አ.ሽ. ኢዚ ዚሲዕ መልኽቲ የማሓላልፍ፥

 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ ክቡራት አባላት ባይቶ ሎሚ ሃገርና ካብ ናይ ዝሓለፈ መዋእል መግዛእቲ ዝኽፍአ እዋን የሕልፍ አሎ። መንእሰያት ብዘይ ልቦም ሃጽ ኢሎም ብምጥፋእ ዘጋጥሞም ዘሎ ሕሰምን መከራን መቑጸሪ የብሉን። እቲ ዝኸፍአ ተረኽቦ አብ ውሽጢ ሃገር ዝግበር ግፍዒ ሓሊፉ፡ አብ ስደት ብዓመጸኛታት ዘይንቡር መቕዘፍቲ ዝተፈጸመ፡ ዓለም ዝኽዓቦ ተግባር ይጠፍኡ አለው። ሞት ህዝብና፡ አብ ባሕሪ፡ አብ ሰሃራ፡ መዓልታዊ ተረኽቦ ኮይኑ አሎ። ነዚ ንምስዓር ኩሉ ተቓዋማይ ሓይሊ አብ ሓደ ተጠርኒፉ፡ ማለት አብ ትሕቲ ጽላል ባይቶ ተጠርኒፉ አንጻር ጉጀለ ህግደፍን ሰዓብቱን ክምክት ሓደራ ንብል። ተሓጋጋዚት አሰናዳዊት ሽማግለ ንኹሉ አብ ሰሜን አሜሪካ ዝርከብ ደላይ ፍትሒ ተሳትፍኡ ከረጋግጽን ዝጎደለ ክምልእን፡ ክተሓባበርን በዚ አጋጣሚ ንዕድም።

 

ናይ ሰሜን አሜሪካ ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ

 

  1. ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ ሰሜን ኤሜሪካ ንዞባታት ትጥርንፍ ብ5 አባላት ቆይማ።
  2. አርባዕተ(4) ንኡስ ዞባታት፡

ሀ. ንኡስ ዞባ ካናዳ

ለ. ንኡስ ዞባ ምብራቅ አሜሪካ

ሐ. ንኡስ ዞባ ማእከል አሜሪካ

መ. ንኡስ ዞባ ምዕራብ አሜሪካ

ዝርዝር አባላት እዚ ዝስዕብ እዩ።

  1. ኣስማት ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ ሰሜን አሜሪካ

ስም    ሓላፍነት  ዝቕመጠሉ ቦታ

1, ዶክተር መሓመድ በሺር       አቦ መንበር ሎስ አንጀሎስ

  1. ዶክተር የዕብዮ ወልደማርያን  ም/አቦ-መንበር  ኒው-ዮርክ
  2. ሚኪኤል በየነ ዋና ጸሓፊ ሳን ድያጎ
  3. ሮመዳን ሳልሕ ትረጀሪ(ተሓዝ ገንዘብ) ሳን ሆዘ
  4. ቤጥሮስ ወልዱ ሎጂስቲክ/ሜድያ  ሂስቶን
  5. ዞባታት

ሀ. ዞባ ካናዳ

ስም ሓላፍነት ዝነብረሉ ቦታ

  1. መሓመድ አሕመድ እድሪስ አቦ መንበር ቶሮንቶ
  2. ዓብዱ ረዛቕ ከራር ም/አቦ መንበር ቶሮንቶ
  3. ገዛኢ ሓጎስ (ህድሞና) ዋና ጸሓፊ ዊኒፐግ
  4. ዛይድ አማኒኤል በይን ትርጀሪ (ተሓዝ ገንዘብ) ኦታዋ
  5. መስፍን ተድላ ሎጂስቲክ/ምድያ ቶሮንቶ
  6. ጀማል ዑመር እድሪስ አባል ቶሮንቶ
  7. አበባ ሰለሙን አልመዶም አባል ኦታዋ

ለ. ዞባ ምብራቕ ኤሜሪካ

  1. ሳምሶም ረድ አብ አቦ መንበር ዋሺንግቶን ዲሲ
  2. ሓሰን መሓመድ አሕመድ (ኒያ) ም/አቦመንበር ዋሺንግቶን ዲሲ
  3. ተፈሪ ሓጎስ ዋና ጸሓፊ ቪርጂንያ
  4. አሕመድ ዓብደልዋሃብ ኢብራሂም (ራቤጣ)ትረጀሪ (ትሓዝ ገንዘብ) ቦስቶን
  5. ዛይድ ግደይ ሎጂስቲክ/ሜድያ ኒው ዮርክ
  6. ናርዶስ አብራሃ አባል ቪርጂንያ
  7. ተወልደ ስእለ አባል ኒው ዮርክ

ሐ. ዞባ ማእከል ኤሜሪካ

  1. ዶክተር አርአያ ኪዳነ አቦ መንበር ሂስቶን
  2. በሺር ሳልሕ ሓምደ ም/አቦ መንበር ዻላስ
  3. ስዩም አስጎዶም ዋና ጸሓፊ ኢንድያኖፒልስ
  4. ዓንዳይ ከተማ ትረጀሪ (ተሓዝ ገንዘብ) ኮሎምበስ(ኦሃዮ)

    5. ከራር ህያቡ ሎጂስቲክ/ሜድያ ላስ ቤጋስ

  5. ተወልደ ገብሩ አባል አትላንታ
  6. ገብርኤል ማርኮ አባል ሂስቶን

መ. ዞባ ምዕራብ ኤሜሪካ

  1. ገብርሂወት ተክለ (ዓሸራ) አቦ መንበር ሳን ፍራንሲስኮ
  2. ጸጋይ ሃይለ ም/አቦ መንበር ሳንታ ሮዛ
  3. ዓቲጋ ዓረፋ አድጎይ ዋና ጸሓፊት ኦክላንድ
  4. ኢድሪስ መሓመድ ዓሊ አልሓጅ ሎጂስቲክ/መድያ ሳክራመንቶ
  5. ገብረዝጊ ተክለ ፍጡር ትረጀሪ (ተሓዝ ገንዘብ)   ኦረንጅ ካውንቲ
  6. ሙኽታር ዓብደል ሰመድ አባል ስያትል
  7. ሰመረ ርእሶም አባል ላስ ቬጋስ

እዞም አባላት ተሓጋገዝቲ አሰናዳዊት ሽማግለ አብ ከከተመኦም ካብቶም ክነጥፉ ዝጸንሑ ኮይኖም፡ ምስ ኩሉ ደላይ ፍትሒ ብምትሕብባር ካልአይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምዕዋት ክሰርሑ ተበጊሶም አለው።

ዓወት ንካልአይ  ሃገራዊ  ጉባኤ ንደሞክራስያዊ ለውጢ

ዞባ ሰሜን ኤሜሪካ

ዶ/ር መሓመድ በሺር

18 ግንቦት 2015

 

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *