ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ምድረ ባዳን ባሕርታትን ዝሞቱ ዘለው ረስዕዎም፡ ነዚኦም ንምዝካር ኢልና ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ፍርቂ ባሎ ነንበልብለሉ ምኽንያት የለን ክብል ገሊጹ

ኣምባሳደር ስርዓት ህግደፍ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ነቶም ኣብ ምድረ ባዳን ባሕርታትን ዝሞቱ ዘለው ረስዕዎም፡ ነዚኦም ንምዝካር ኢልና ሰንደቕ ዓላማ ኣብ ፍርቂ ባሎ ነንበልብለሉ ምኽንያት የለን ክብል ገሊጹ

እሙን መጋበርያ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ምዃኑ፡ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ተኸስተ ተስፋ ማርያም ዝተባህለ ኣምባሳደር ህግደፍ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ብ12 ግንቦት 2015 ምስ ረድዮ ኣመሪካ መደብ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝገብሮ ቃለ-መጠይቕ፡ ነቶም ብኣሸባሪ ጉጅለ ዝተቐጥሉን ኣብ ባሕሪ ብጃምላ ዝሃለቑ 350 ኤርትራውያን ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ ክምልስ እንከሎ፡ እዚኦም ክርስዑ ደኣምበር ክሕዘነሎም የብሉን ምባሉ፡ ከም ሰብን ንሱ ዝውክሎ ስርዓትን ክሳብ ክንደይ ጨካናትን ቅቡጻት ምዃኖም ብዘየማትእ ዘመልክት’ዩ ክብሉ ነቲ ቃለ-ማሕተት ዝተኸታተሉ ወገናት ገሊጾም። እዚ ብስም ሃገር ኣብ ዘይምጥኖ ቦታ ዝተመደበ፡ እሙን ኣገልጋሊ ኢሳያስ ከም ዝኾነ ዝዝረበሉ ተስፋ- ማርያም ተኸስተ፡ ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሽግር የለን። ኲናት ሕድሕድ የለን። ሰላም፣ ትምህርቲ፣ ጽሩይ ዝስተ ማይ፣ ሕክምና ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ዘይከም ካልኦት ሰላም ዝጸምአን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ምሉእ ሰላም ኣሎ። እዞም ዝስደዱ ዘለው ሰባት እንታዮም ደልዮም? ብዝኾነ ነዞም ብጽጋቦም ዝሃለቑ ንምዝካር ተባሂሉ፡ ሰንደቕ ዓላማ ኤርትራ ኣብ ፍርቂ ፓሎ ተንበልብለሉ ምኽንያት የለን። ከምኡ ምግባር ፈጺሙ ዘይሕሰብ’ዩ ክብል ከይተሰከፈ መዲሩ። ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን ድማ፡ ነቶም ብጉጅለ ዳዕሽ ዝተቐትሉን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝጠሓሉን ንምዝካርን፡ ንተግባራት ህግደፍ ንምኹናን ብ11 ግንቦት 2015 ኣብ ጎደናታት እስራኤል እናተዘዋወሩ ሰፊሕን ድሙቕን ሰላማዊ ሰልፊ ከምዘካየዱ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ናይ’ተን ካብ ኖርወይ ናብ ኤርትራ ዝተሸጣ ናይ ጽዕነት መካይን ሕጋዊ መንገዲ

ዝተኸተለ ከምዘይነበረን ኣብ ባይቶ ኖርወይ ኮሚቴ ምቁጽጻር ሰደድ ከም ዝገለጸን ተፈሊጡ

ናተን ብሓደ ብሕታዊ ኖርወጅያዊ ትካል፡ ኣብ ወርሒ ነሓሰ 2012 ብጫ ሕብሪ ተቐቢአን ብኢማራት ዓረብ ኣቢለን ብመንገዲ ሓደ ኤርትራዊ ናብ ህግደፍ ዝተሸጣ 17 ናይ ጽዕነት መካይን ሕጋዊ ከምዘይነበረ፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ነተን መካይን ግቡእ መረጋገጺ ከይቀረበሉ ምሻጡ ርኡይ ጥሕሰት እገዳ ‘ዩ ብምባል፡ ኣብ ባይቶ ኖርወይ ብወኪል ምቁጽጻር ሰደድ ሃንስ ፍረደሪክ ግረቨን ተላዒሉ ከም ዝተዘርበሉን ኣሰና ሓቢራ:: ብመሰረት ዕለታዊ ጋዜጣ ዳግ ብላደ: ኣገልግሎት ስለያ ፖሊስ፡ ካልኦት ብዙሓት መካይን ‘ውን ኣብ ጥሪ 2013 ናብ ኤርትራ ከምእተሸጣ ጥርጠራታት ከም ዘሎ፡ እዚ ዘይሕጋዊ መሸጣ፡ መርመራ ክግበረሉ ምዃኑ፡ ኮሚተ ምቁጽጻር ሰደድ ባይቶ ኖርወይ ቀዳማይ ጸብጻብ ከምዝሰምዐ፡ ካልኣይ ጸብጻብ ንምስማዕ ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ጸዊዕዋ ከም ዘሎን ኣረዲኣ። ኣባል ክርስትያናዊ ሰልፊ ሸል ማግነ ቦንደቪክ እዚ መሸጣ ከምዘገረሞ ብምግላጽ፡ ንሱ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተወሰነ እገዳ ምጥሓስ: ኖርወይ ኣህጉራዊ ግቡእ ከምዝጠሓሰት ዘነጽር’ዩ ኢሉ:: ኣብ 2006-2007 ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረሉ፡ ንኤርትራ ሰለስተ 2 ጊዜ ከምዝተመላላሰ ብምግላጽ፡ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ሓቢሩ:: ካብተን ኣርባዕተ ብመንግስቲ ዝተፈቕዳ ሃይማኖታት ተኸተልቲ፡ ካልኦት እምነትን ፖለቲካዊ ተቓወምትን ከምዝእሰሩ መንእሰያት ካብ’ታ ሃገር ንምውጻእ ሂወቶም ንሓደጋ ከምዘቃልዑ ሓቢሩ::

ኣብ ሃገረ ሽወደን ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ኤርትራውያን

10 ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ነብሰ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ ተገሊጹ

ኣብ ሽወደን ዑቕባ ካብ ዝሓተቱ ሓያሎ ኤርትራውያን ትሕቲ ዕድመ፣ 10 ካብኣቶም ኣብዘን ዝሓለፋ ሸውዓተ ኣዋርሕ ርእሰ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ፡ ናይ’ዚ ጠንቂ ነቶም ብዘይኣላዩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ኤርትራውያን ዝገጥሞም ዘሎ ማሕበራዊ ብድሆታት ዘንጸባርቕ እኳ እንተኾነ፣ ተጠባቐቲ መሰላት ሽወደን ግን፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ኣሚቶም ትብል ረድዮ ኤረና ኣብ’ቲ ብ13 ግንቦት 2015 ዝዘርገሓቶ ዜና። ናብ ሽወደን ድሕሪ ምእታዉ ብሽወደናዊት ስድራ ክእለ ዝጸንሐ 16 ዓመት ዝዕድሚኡ ኤርትራዊ፣ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሳልስቲ ርእሰ ቕትለት ከምዝፈጸመ ድሕሪ ምሕባሩ፣ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቲ ብተደጋጋሚ ዝርአ ዘሎ ነብሰ ቅትለት፡ ዕቱብ መጽናዕቲ ከምዘድልዮ ብወግዒ ይዛረብሉ ከም ዘለውን ሓቢራ። ብካልእ ዜና፡ ኣብ ሊብያ 70 ኤርትራውያን ብነጋዶ ሰብ ተታሒዞም፡ ነፍስ ወከፎም 3,500.00 ዶላር መልቀቒ ክኸፍሉ ተሓቲቶም ከም ዘለውን እታ ረድዮ ወሲኻ ገሊጻ ኣላ።

ድ,ሰ,ደ,ኤ, 15-05-2015

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *