መሸጣ ናትተን ብሓደ ብሕታዊ ኖርወጅያዊ ትካል ናብ ህግደፍ ዝተሸጣ 17 ናይ ጽዕነት መካይን ሕጋዊ ከምዘይነበረ ኣብ ባይቶ ኖርወይ ኮሚተ ምቁጽጻር ሰደድ ገሊጹ::
ሚኒስትሪ ምክልኻል ነተን መካይን ግቡእ መረጋገጺ መዓላአን ከይቀረበሉ ምሻጡ ርኡይ ጥሕሰት እገዳ ኢዩ ብምብል ኣብ ባይቶ ኖርወይ ወኪል ምቁጽጻር ሃንስ ፍረደሪክ ግረቨን ወቒሱ:: እተን ናይ ጽዕነት መካይን ብጫ ሕብሪ ተቐቢአን ነሓሰ 2012 ብሓደ ኤርትራዊ ብኢማራት ዓረብ ንኤርትራ ከምዝኣተዋ ተፈሊጡ::
ብመሰረት ዕለታዊ ጋዜጣ ዳግ ብላደ: ኣገልግሎት ስለያ ፖሊስ ካልኦት ብዙሓት መካይን እውን ኣብ ጥሪ 2013 ናብ ኤርትራ ከምእተሸጣ ዘለዎ ስግኣት ገሊጹ:: እዚ ዘይሕጋዊ መሸጣ ድማ መርመራ ከምዝግበረሉ ተሓቢሩ:: ኮሚተ ምቁጽጻር ባይቶ ኖርወይ ብዛዕባ እዚ ቀዳማይ ጸብጻብ ከምዝሰምዐን ካልኣይ ጸብጻብ ንምስማዕ ንሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ጸዊዕዋ ኣሎ::
ኣባል ክርስትያናዊ ሰልፊ ሸል ማግነ ቦንደቪክ እዚ መሸጣ ከምዘገረሞ ገሊጹ:: ንሱ ነቲ ብባይቶ ጸጥታ ዝተወሰነ እገዳ ምጥሓስ: ኖርወይ ኣህጉራዊ ግቡእ ከምዝጠሓሰት ኢያ ኢሉ :: ኣብ 2006-2007 ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ዝነበረሉ ንኤርትራ ሰለስተ ጊዜ ከምዝተመላላሰ ብምግላጽ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝኸፍአ ከምዝኾነ ሓቢሩ::ካብተን ኣርባዕተ ብመንግስቲ ዝተፈቕዳ ሃይማኖታት ተኸተልቲ ካልኦት እምነትን ፖለቲካዊ ተቓወምቲን ከምዝእሰሩ ጠቒሱ:ቦንደቪክ መንእሰያት ካብታ ሃገር ንምውጻእ ሂወቶም ንሓደጋ ከምዘቃልዑ ሓቢሩ::
