ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገረ ጅቡቲ፡ ኤርትራ ጸጥታ ሃገሩ ንምዝራግ ዕሱባት ከም ዘዋፈረትሉ ገሊጹ

መንግስቲ ኤርትራ ዕሱባት ብምውፋር ሃገራዊ ጸጥታ ብምህዋኽ፡ ኣብ ውሽጢ ጅቡቲ ዝርከቡ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ምርዓድ ተግባራት የካይድ ኣሎ ክብል፡ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገረ ጅቡቲ ከም ዝገለጸ ረድዮ ኤረና ብ5 ግንቦት 2015 ኣብ ዝዘርገሓቶ ዜና ኣፍሊጣ። እቶም ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተዋፈሩ ዕሱባት፡ ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ሰሜን ሸነኽ እታ ሃገር፡ ንሓያሎ ጅቡታውያን ከም ዝጨወዩ ብምጥቃስ፡ ጅቡቲ ብከም’ዚ ዓይነት ሰላም ንዝዘርግ፡ተጻብኦታት ከምዘይትዕገስ ምግላጹን ሓቢራ። ኤርትራን ጅቡትን ብ2008 ብጀማርነት ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ዘካየዳኦ ግጭት፡ ብመንጎኝነት መንግስቲ ቀጠር ብዙሕ ግዜ ዝወሰደ፡ ናይ ሰላም ጻዕርታት’ኳ እንተተገብረ፡ ክሳብ ሕጂ ፍረ ከምዘይተረኽቦን እቲ ምስሕሓብ መልክዑ እናለዋወጠ ይቕጽል ከምዘሎን ይፈለጥ። ሚኒስትሪ ፍትሒ ኢትዮጵያ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰባት ተሪር ስጉምቲ ንምውሳድ ዘኽእሎ ሕጊ የዳሉ ከምዘሎ ተገሊጹ ድሕሪ’ቲ ብ19 ሚያዝያ 2015 ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ዘጋጠመ ልዕሊ 800 ህይወት ሰብ ዝወስደ ጃምላዊ መቕዘፍቲ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ስደተኛታት ካብ ሞት ንምድሓንን ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ-ሰባት ንምቁጽጻርን የኽእል ዝበሎ ውሳኔታት ከምዘመሓላለፈ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ ደላሎ ደቂ-ኣዳም ቅልጡፍ፡ ተሪር፡ ገበነኛታት ብዘይዳግም ዝመሃርሉ፡ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘኽእሎ ሕጊ ብመንገዲ ሚኒስትሪ ፍትሒ ኣቢሉ የዳሎ ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጡ ኣሎ። መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ግዳያት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዝብገሱ ብምዃኖም፡ እዚ ዝበሃል ዘሎ ሕጊ ተወዲኡ እንተደኣ ኣብ ግብሪ ተሰሪሕሉ፡ ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኮነ ንኤርትራውያን’ውን ኣዝዩ ጠቓሚ ክኸውን’ዩ ክብሉ ዝተፈላለዩ ኤርትራውያን ይገልጹ ኣለው። ምስ’ዚ ዝተኣሳሰረ ዜና፡ መንግስቲ ጣልያን ድሕሪ መቕዘፍቲ 19 ሚያዝያ 2015፡ ኣብ ሃገሩ ኮይኖም ኣብ’ዚ ገበናዊ ተግባት ይዋስኡ ኔሮም ዝበሎም፡ መብዛሕቲኦም ኤርትራውያን ከም ዝኾኑ ዝተነገረሎም 20 ጥርጡራት ኣብ ቀይዲ ኣእትዩ ከም ዘሎ፡ ብተመሳሳሊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ’ዚ ቀረባ መዓልታት ምስ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ይተሓባበሩ ኔሮም ዝበሎም ክልተ ወተሃደራዊ መኮነናቱ ኣሲሩ ምህላውን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 10 ዓመታት፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ስደተኛታት ቁጽሪ ኣስታት 10 ሽሕ ከም ዝበጽሕ ተሓቢሩ። ኣቦ-መንበር ሓበሻ ኤጀንሲ ናይ ዝተባህለ ሰብኣዊ ትካል ዝኾኑ ኣባ-ሙሴ ዘርኣይ፡ ብ3 ግንቦት 2015 ንመቕዘፍቲ ስደተኛታት ኣመልኪቶም፡ ምስ ድምጺ ኣመሪካ መደብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ኣብ ዝገብርዎ 2 ሓጺር ቃለ-መጠይቕ፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ 10 ዓመታት ኣስታት 10 ሽሕ ዝኾኑ ስደተኛታት፡ ኣብ ባሕሪ ሜዲትራኒያን ህይወቶም ስኢኖም ኣለው ክብሉ ገሊጾም። ኣባ ሙሴ ኣብ ቃለ-መጠይቖም እዞም ግዳያት ዳርጋ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ኮይኖም፡ ካብኡ ናብኡ ድማ ዝበዝሑ ኤርትራውያን’ዮም። ናይ’ዚ ጽዩፍ፡ ዘስካሕክሕ ገበናዊ ተግባር ተሓተቲ ከኣ፡ ነዚ ከጋጥም ዝገበሩ እቶም ስደተኛታት ዝብገስሎም መንግስታት፡ ሕልና ዘይብሎም ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ፡ ከምኡ’ውን ሕብረት ኤውሮጳ’ዮም ክብሉ ኣረዲኦም። ነዚ ንምፍታሕ እንታይ ክግበር ኣለዎ ትብሉ ክብል ብጋዜጠኛ ንዝቀረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ድማ፡ እቲ ፍታሕ ኣኣብ ሃገርካ’ዩ። እቶም ተለልዮም ዘለው ጸገማት ክፍትሑ ኣለዎም። እቶም በዚ ሓደገኛ መስመር ክጎዓዙ ዝሓስቡ መሳኪን ከኣ ደጋጊሞም ክሓስብሉ ኣለዎም ክብሉ መኺሮም። ድ2ሰ3ደ4ኤ5678-05-2015

tegoruba.org

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *