ሓንቲ ልኡላውነታ ዘውሓሰት ሃገር ብመሰረቱ ኣብ ትሕቲ ምሉእን ዝለዓለ ሓላፍነት ናይ ህዝባ ኢያ ትኸውን። ምእንቲ ሃገር ኢሉ ደሙ ዘፍሰሰ ኩሉ ብዘይ ኣድልዎ ዓሌት፡ ሃይማኖት ኣውራጃ ወይ ብሄር፡ ውልቀመላኺ፡ ዲሞክራሲያዊ ..ወዘተ፡ ዋና እዛ ሃገር ምዃኑ ድማ ዝከሓድ ኣይኮነን። ልኡላውነት ሃገርን ልኡላውነት ህዝብን ተባሂሉ ድማ ኣብ ክልተ ክምቀል እኳ እንተተኻእለ፡ ኣብ ነንሕዳሕዱ ግን ዝተኣሳሰረን ዝተወሳሰበን ኢዩ። ከመይሲ፡ ሃገር ብዘይ ህዝቢ፡ ህዝቢ ብዘይ ሃገር ክቐውም ኣይክእልን ኢዩ።
….ሎሚ መሬትን ህዝብን ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ፍጹም ስልጣን ናይ ሓደ ውልቀመላኺ ስርዓት ከምዘሎ ማንም ዝኽሕዶ የለን። ይኹን እምበር እቲ ሃገር ብጓና ክውረር ከሎ እቲ ስርዓት መላኺ ኢዩ፣ ወይ እውን ንሱ ብዝበደሎ ተባሂሉ እቲ መሪት ክድፍር ዘይግበኦ ኢዩ። ናጽነት ህዝብን መሬትን ካብቲ ስርዓት ፈሊኻ ምጥማት ዝተሳእኖ ሰብ ግና፡ ሃገር ትጥፋእ ደይ እቲ ስርዓትሲ ዘጥፋኣ ዘሎ ኢልካ ናይ ይበተኹ ዝዓይነቱ መረረ ተደሪኽካ ሃገር ካብ ምክልኻል ሓሊፉ ኢድካ ኣጣምርካ ምርኣይ፣ እቶም ዝተሰውኡን ዝሰንከሉን ኩሎም ናይ ውልቀመላኺ ስርዓት ኣገልገልቲ ኢዮም ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። Read More |