ዳኛ ካልጋሪ፡ ምስ ናዕቢ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ 4 ኤርትራውያን ውሳነ ኣመሓላሊፉ A Calgary judge has ruled in favor of four Eritreans in connection with the riots.

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c20d91xj9nqo

ዳኛ ካልጋሪ፡ ኣብቲ ፖሊስ “ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከተማና ዘጋጠመ ዝዓበየ ናዕቢ” ኢሉ ዝገለፆ ፍጻመ ብዝተኣሳሰር፡ ኣብ ልዕሊ ኣርባዕተ ኤርትራውያን ናይ ጥፍኣተኛነት ውሳነ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

ብ2 መስከረም 2023፡ ብሰንኪ ኣብ ዓዶም ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩነታት፡ ተጻራሪ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮም ዝተገልፁ ክልተ ጉጅለ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ፋልኮንሪጅ ፕላዛ’ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ናብ ሕድሕዳዊ ጐንፂ ምእታዎም ይዝከር።

ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ዳኛ ሎይድ ሮበርትሰን፡ እቲ ናዕቢ ዝተመልኦ ፍጻመ ብዝምልከት፡ ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ እቲ ፍፃመ ‘ብሓቂ ናዕቢ’ዩ ኢልካ ክትድምድም ኣጸጋሚ ከምዘይኮነን’ እቶም ኣርባዕተ ተኸሰስቲ’ውን ኣብቲ ናዕቢ ከምዝተሳተፉን ኣረጋጊፁ።

ከም ፀብፃብ ሲቢሲ፡ እቲ ደኛ እቶም ኣርባዕተ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ናዕቢ ብምስታፍ፡ ብረት ተንከፍ ብምዕጣቕን መጥቃዕቲ ብምፍፃምን ገበነኛታት ምዃኖም ወሲኑ።

ዳኛ ሮበርትሰን፡ ኣብቲ ንምንባቡ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደሉ ውሳነ፡ ቀዳማይ ነገር “እቲ ብ2 መስከረም 2023 ዘጋጠመ ተጓንፎ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዓመፅ ዝተመልኦን እዩ ነይሩ” ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ “ኣብቲ ፍጻመ ዘጋጠመ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ካልጋሪ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ክብል ነቲ ኩነታት ኣዘኻኺሩ።

ደኛ ሮበርትሰን፡ ኣማኑኤል ክፍለዝጊ ስዩም፣ ያሚን ዑቕባሃነስ፣ ገብረኪድ ሃይለማርያምን ሙሲ እስጢፋኖስን ኣብ ተፃራሪ ጉጅለ’ቲ ጭት ንዝነበረት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብበትርን ሻምብቆጣትን ከም ዝሃረሙዋ ገሊጹ።

ካብ መንጐ እቶም ተሳተፍቲ ሓደ ዝዀነ – ዕቐባዮሃነስ፡ ብኻልእ ክሲ ዕግርግር ገበነኛ ከምዘይኮነ ኣረጋጊ

Eውሳነ ከምዘመሓላለፈ ኣፍሊጡ።

ብ2 መስከረም 2023፡ ብሰንኪ ኣብ ዓዶም ዘሎ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኩነታት፡ ተጻራሪ ኣረኣእያ ከም ዝነበሮም ዝተገልፁ ክልተ ጉጅለ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ‘ፋልኮንሪጅ ፕላዛ’ ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ናብ ሕድሕዳዊ ጐንፂ ምእታዎም ይዝከር።

ነቲ ጉዳይ ዝምልከት ዳኛ ሎይድ ሮበርትሰን፡ እቲ ናዕቢ ዝተመልኦ ፍጻመ ብዝምልከት፡ ዳርጋ ድሕሪ ሰለስተ ዓመት፡ እቲ ፍፃመ ‘ብሓቂ ናዕቢ’ዩ ኢልካ ክትድምድም ኣጸጋሚ ከምዘይኮነን’ እቶም ኣርባዕተ ተኸሰስቲ’ውን ኣብቲ ናዕቢ ከምዝተሳተፉን ኣረጋጊፁ።

ከም ፀብፃብ ሲቢሲ፡ እቲ ደኛ እቶም ኣርባዕተ ስደተኛታት ኤርትራውያን ኣብ ናዕቢ ብምስታፍ፡ ብረት ተንከፍ ብምዕጣቕን መጥቃዕቲ ብምፍፃምን ገበነኛታት ምዃኖም ወሲኑ።

ዳኛ ሮበርትሰን፡ ኣብቲ ንምንባቡ ልዕሊ ክልተ ሰዓታት ዝወሰደሉ ውሳነ፡ ቀዳማይ ነገር “እቲ ብ2 መስከረም 2023 ዘጋጠመ ተጓንፎ ኣዝዩ ዘሰክፍን ዓመፅ ዝተመልኦን እዩ ነይሩ” ኢሉ።

ወሲኹ ድማ፡ “ኣብቲ ፍጻመ ዘጋጠመ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ህዝባዊ ምትእኽኻባት ካልጋሪ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ኣይፈልጥን” ክብል ነቲ ኩነታት ኣዘኻኺሩ።

ደኛ ሮበርትሰን፡ ኣማኑኤል ክፍለዝጊ ስዩም፣ ያሚን ዑቕባሃነስ፣ ገብረኪድ ሃይለማርያምን ሙሲ እስጢፋኖስን ኣብ ተፃራሪ ጉጅለ’ቲ ጭት ንዝነበረት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ብበትርን ሻምብቆጣትን ከም ዝሃረሙዋ ገሊጹ።

ካብ መንጐ እቶም ተሳተፍቲ ሓደ ዝዀነ – ዕቐባዮሃነስ፡ ብኻልእ ክሲ ዕግርግር ገበነኛ ከምዘይኮነ ኣረጋጊጹ።

እቲ ዳኛ፡ ፖሊስ ካብቲ ጐንፂ ብኸመይ ነረርእሶም ከምዝከላኸሉ ከይተረፈ ኣፀጋሚ ኰይኑ ከምዝተሰመዖም’ውን ገሊጹ።

ብመሰረት ፀብፃብ ፖሊስ፡ ቤት ፍርዲ፡ ኣብቲ ናይ መጀመርታ ናይ 10 ደቓይቕ ግጭት፡ 97 በትሪን ሻምብቆታትን፡ 118 ኣእማንን ካልእ ዝውርወሩ ነገራትን፡ ከምኡ’ውን 18 ጠራሙዝ ከም ዝተደርበዩ ተረዲኡ።

ብሰመሰረት እቲ ፀብፃብ፡ ፖሊስ፡ ኣብቲ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ዘጋጠመ ተጓንፎ፡ ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዝፋለሙ ዝነበሩ ጉጅለታት ንምፍላይ ኣስታት 200 ኣባላት፡ ቦምባታት ዘንብዕ ጋዝን ኣስታት 2000 ዝተጠቕለለ ሕሩጭ በርበረ ከምዝተጠቕመ ገሊፁ።

ኣብታ መዓልቲ፡ እቶም ኣብ ክልተ ወገን ዝተወደቡ ማሕበረሰብ ኤርትራ፡ ሓደ ክልተ ኪሎ ሜትር ርሒቘም ዝተፈላለየ ፍጻመታት ከካይዱ ወዲቦም ስልዝነበሩ፡ እቲ ርክብ ናብ ግጭት ከምርሕ ከምዝኽእል ገሚቶም ምንባሮም ይገልፁ።

ፖሊስ ከምዝብሎ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ‘ምልካዊ መንግስቲ’ ብዝነበረ ምክፍፋል፡ ኣብ ከተማታት ‘ቶሮንቶን ኤድመንተንን” ተመሳሳሊ ፍጻመታት ኣጋጢሙ ብምባለሩ እዩ፡ ነቲ ኩነታት ቀዲሙ ኣሚቱ ነዚ ምድላዋት ገይሩ።

ፖሊስ ብዛዕባ ብዝሒ ናይቶም ኣብቲ ግጭት ዝተሳተፉ ሰባት፡ ካብ ኣስታት 150 ክሳብ 300 ከምዝበፅሕ ይግምት።

ኣብ እዋን እቲ ዕግርግር፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም መጥቃዕቲ ከይበፅሕ ሰጊኦም ከምዝነበሩ፡ መካይንን መሳዅቲ ንግዳዊ ንጥፈታትን ከምዝዓነዋን፡ 12 ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱን ፖሊስ ካልጋሪ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ ግጭት ኣብ ዝነበሩ መዓልታት፡ ፖሊስ ካልጋሪ ነቲ ፍፃመ ንኽምርምር ሓይሊ ዕማም ኣጣይሹ።

ኣብ መጀመርታ ብድምር ኣብ ልዕሊ 28 ሰባት 63 ክስታት ኣቕሪቡ፡ 20 ሰባት ካብ ሓደ ጉጅለ ሸሞንተ ድማ ካብቲ ካልእ ጉጅለ እዮም ነይሮም።

እንተዀነ ኣብ ልዕሊ እቲ ዳሕረዋይ ጉጅለ [ደገፍቲ] ዝቐረበ ክስታት ኣብ 2024 ተሰሪዙ።

ተወሳኺ ብዛዕባ እቲ ፍፃመ

ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ፖሊስ፡ “ዝዀነ ተወሳኺ ዕግርግር ይዅን ስጕምቲታት ሕነ ምፍዳይ ንምክልኻል” ምስ ክልቲኦም ወገናት ከምዝሰርሐን፡ ነቶም ኣብዚ ጉዳይ ዝተሳተፉ ንምልላይ ድማ መርማሪ ሓይሊ ዕማም ከምዘቘመን ይገልጽ።

ሓሙስ 21 መስከረም 2023፡ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቐትሪ [ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር] ዝወጸ መግለጺ ፖሊስ ከምዘመልክቶ፡ ኣብ ጉዳይ እቲ ዝተፈጸመ ዕግርግር ዝግበር መርመራ ገና ይቕጽል ከምዘሎን፡ መርመርቲ ኣብቲ ባእሲ ከምዝተሳተፉ ዝእመኑሎም፡ 16 ሰባት ንምልላይ ኣብ ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪ፡ ኣሳእሎም ብምዝርጋሕ ካብ ህዝቢ ሓገዝ ሓቲቶም ኣለዉ።

ብተመሳሳሊ ኵነታት ኣብታ ዓመት፡ ብ 5 ነሓሰ ውን፡ ኣብ ከተማ ቶሮንቶ – ካናዳ፡ ዝካየድ ኣብ ዝነበረ ፈስቲቫል ኤርትራውያን ዕግርግር ከምዝተፈጥረን ምምሕዳር እታ ከተማ ንፍቓድ እቲ ፌስቲቫል ከምዝሰረዞ ይዝከር።

ብዘይካ’ዚ ብ 3 ነሓሰ 2023 እውን፡ ብደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝተዳለወ ዓመታዊ ፈስቲቫል ሽወደን፡ ተቓወምቲ ድሕሪ ዝፈጠርዎ ናዕቢ፡ ልዕሊ 52 ሰባት ተሃስዮም፡ ልዕሊ 100 ተኣሲሮም እዮም።

እቶም ሰልፈኛታት ቴንዳታት ፈስቲቫል ኣፍሪሶምን ኣቃጺሎምን፤ ብዘይካ’ዚ ሓያለ መካይን ብሓዊ ከምዝተቓጸላ ተሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ቅድመኡ’ውን፡ ኣብ ጊሰን – ጀርመን ዝተወደበ ዓመታዊ ፈስቲቫል ንምብታን ብዝተኣኻኸቡ ኣስታት ክልተ ሚእቲ ዝዀኑ መንእሰያት፡ 26 ኣባላት ፖሊስ ከምዝሃረሙን ልዕሊ 125 መዝገብ ክሲ ከምዝተኸፍተን ፖሊስ ጀርመን ሓቢሩ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

እቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝካየድ ባህላዊ ፈስቲቫላት ኤርትራ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ፡ ንፖለቲካዊ ፕሮፓጋንዳን ከም ምንጪ ገንዘብን ኰይኑ የገልግል’ዩ ብምባል’ዮም ብዙሓት ዝቃወምዎ።

ፈስቲቫል ኤርትራ ኣብ እዋን ቃልሲ ኣብ ኢጣልያዊት ከተማ ቦሎኛ ዝፈለመ ኰይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት’ውን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ክጽንበል ምጽንሑ ይፍለጥ።

ሰብመዚ ኤርትራ፡ እቲ ፈስቲቫል ንባህላውን ማሕበራውን ውህደት ህዝቢ ኤርትራ ዘደንፍዕ ምዃኑ’ኳ እንተመጐቱ፡ ተቓወምቲ ግን፡ ናይቲ ብህግደፍ ዝምራሕ መንግስቲ ፖለቲካዊ ዕላማ ዘተግብር’ዩ ክብሉ ይነቕፍዎ።

ማሕበር ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት፡ ንኤርትራ ልዕሊ ሰሜን ኮርያ ዓፈናን ጭቈናን ዝካየደላ ሃገር ክብል ኣብ ቅድሚት ሰሪዕዋ ይርከብ።

ህዝቢ ካብ ዓመጽ ዝሃድመላ፡ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ወተሃደራዊ ቤት ማእሰርቲ ምእሰርቲ ዝደጓነላ፡ ከምኡ’ውን ግዱድ ወተሃደራዊ ዕስክርና ዝካየደላ ሃገር ብምዃና፡ ብኣንፃር በዝሒ ህዝባ፡ ኣብ ዓለም ብበዝሒ ስደተኛታት ብምፍጣር ካብተን ቀዳሞት ሓንቲ ምዃና፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይግለፅ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *