
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cevlepnp19lo
21 ሰነ 2026
ንባብ: 6 ደቓይቕ
ከተማታት ዓለምና ብታሪኻዊ ቅርሳታተን፡ ብናይ እምነት ህንጻታተን፡ ብኣብያተ መዘክራተን፡ ጽሬተንን ኣገልግሎተን እየን ዝዝከራ።
ከተማ ሮማ እንተይልካ እቲ ግርማ ዘለዎ ገላዩ ምስ ሰባትን ኣናብስን ዝጋጠምሉ ዝነበሩ ኮሎስዮምን ብስእልታት ማይክል ኣንጆሎ ዝወቀቦ ቫቲካንን ማእለያ ዘይብሉ ካቴድራለታትን እዩ ዝቕጀለካ። ፓሪስ እንተይልካ እቲ ኣደናቕን ውቁብን “ኖትርዳም” ካቴድራል፤ ኣይፍል ታወር፡ ቤተ-መዘክር ሉቭር ትዝክር።
ለንደን እንተይልካ ከኣ እቲ ኣማኢት ዓመታት ዝገበረ ዌስት-ምኒስተር ቢግ ቤን፤ ፓኪንግሃም ፓላስ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ቴምስ ሪቨር ዝተሰርሐ ዝኽፈትን ዝዕጾን ቢንቶ፡ ታወር ብርጅ፡ ይጥቀስ። ኣስመራ ምስ እትብል ከኣ ኣብ ጐደና ሓርነት ዝተሃንጸ ከም ካቴድራል፡ ዓቢ መስጊድ ጃምዕን እንዳ ማርያምን ዝኣመሰለ ሃይማኖታዊ ተቛማት፡ ብድሕሪኡ ንመንግስታዊ ህንጻታት ግብን ፊያት ታሊየሮን፡ ከምኡ እውን ብጥልያን ዝተሃንጻ ሲነማታትን ክትሰሚ ትኽእል።
ይዅን እምበር እዚ ጽሑፍ’ዚ ብዛዕባ እታ ኣብ ማእከል ከተማ ኣስመራ ተሃኒጻ ዘላ ዓባይ መስጊድ ጥራሕ እዩ ክድህስስ።
ኣመሰራርታ ዓቢ መስጊድ ኣስመራ
ብዘመን መግዛእቲ ጣልያን፡ ምምሕዳር እቲ መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለየ ንግድታት ተዋፊሮም ንዝነበሩን ደቀባት ነበርቲ ኣስመራ ኣስላም ኣኪቡ ገንዘብ ንኸዋጽኡ ብምድራኽ ነታ ኣረጊት መስጊድ ብዘመናዊ ኣገባብ ንከሐድሱ ከም ዘተባብዖም፡ ኣብ ምርምርን ምምህርናን ዝነጥፉ ስነ-ማሕበረ-ሰበኛ ሶስዮሎጂስት ዶክ. ዓብዱልቓደር ሳልሕ መሓመድ ይገልጹ።
ቅድሚኡ መንግስቲ ጥልያን ኣብ ህንጻ ካቴድራለ ኣስመራ ብንዋትን ክኢላታትን ዝከኣሎ ሓገዝ ገይሩ እዩ።
እታ ፋልመይቲ መስጊድ ብ1900 ኣብ ዝተሰርሓትሉ ዘመን ካብ ግዳም ብዝተጠልበ መሳርሒ ብተምሳል መሳጊድ ግብጺ እያ ተሃኒጻ።
ዶ/ር ዓብደልቓድር ንነዊሕ እዋን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰብሓ (ሊብያ) ፡ ከምኡ’ውን ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዘገልገሉ ምኩር ፕሮፈሰር ኰይኖም ኣብ ሃገረ ጀርመን ዝርከብ ብጋይጋ ኣብ ዝፍለጥ ኢንስቲትዩት (German Institute for Global and Area Studies) – ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሃምቡርግ ከም ተመራማሪ ኣገልጊሎም’ዮም።
ብተወሳኺ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ ኦስሎ (ሃገረ ኖርዋይ) ከም ዕዱም ፕሮፈሰር ኰይኖም ኣብ ኣከርሸስ ዩኒቨርሲቲ ሰሪሖም’ዮም።
መስጊድ-ዓቢ ምሉእ ስሙ ኣልኹላፋ ኣልራሺዲን ኰይኑ ብክልተ መሃንድሳት ጣልያን – ጂዘፐ ብሩኖ / ጉዊዶ ፈራዛ ዝተባህሉ እዩ ተሃኒጹ።
በቲ ዘመን’ቲ 1.5 ሚልዮን ፈረንካ፡ ማዕረ $20 ሺሕ ዶላር ብናይ ሎሚ ዝትመን ዋጋ ከምዝወድአ ይንገረሉ።
“ብ1937፡ ደጊሙ ኸኣ ብ1940” ይብሉ ዶር. ዓብደልቓድር “ብርኹባት የመናውያን ነጋዶ መስጊድ-ዓቢ ተሓዲሱን ዓብዩን።”
ካብቶም ዝረቝሑዎም ነጋዶ በዓል ዓብደላ ባ’ሙሽሙሽ ምስ ኣሕዋቱ ዑመር ባዓቒል ከምኡ’ውን ሳይሕ ኣሕመድ ዑበይድ ባሑበይሺ እዮም። እዞም ነጋዶ’ዚኦም ብዘመኖም – ካብ ኣርብዓታት ጀሚሮም ፍሉጣት ሰባት’ዮም ነይሮም – ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት’ውን ነይሮሞም።
ንኣብነት ኣሕመድ ዑበይድ ባ’ሑበይሺ – ብ1900 ኣብ ባጽዕ ዝተወልደ (ብ1959 ኣብ ኣስመራ ዝሞተ) – ኣዝዩ ፍሉጥ ካብ ሓድራሚ ዝመበቈሉ ርኹብ ነጋዳይ ነበረ።
ስራሕ ንግዲ ክጅምር ከሎ ምስ ኣቦኡ (ዑበይድ ባሑበይሺ) ኰይኑ’ዩ ጀሚሩ። ጸኒሑ ግን – ብ1934 ገጹ – ናይ ባዕሉ ናይ እ’ታውን/ሰደድን (ኢምፖርት/ኤክስፖርት) ንግዲ ኣብ ኣስመራ ቀንዲ መደበር ተኺሉ ኣብ ባጽዕን ኣዲስ ኣበባን ጨናፍር ዝነበሮ፡ ብስርሑ ብርክት ዝበሉ ብልጫታት ዝዓተረ፡ ስሙ ክሳብ ሎሚ ዝዝከር ነጋዳይ ነበረ።
ባ’ሑበይሺ ካብ 1951 ጀሚሩ ክሳብ ግዜ ሞቱ ከም ፕረዚደንት ማሕበረ-ሰብ ዓረብ ኣብ ኣስመራ ኰይኑ ብምግልጋል ኣብ ኤርትራ ትምህርቲ ዓረብኛ ብግቡእ ንኽተኣታቱ ዝጸዓረ ነጋዳይ ነበረ። ካብቲ ክሳብ ሎሚ ዝዝከረሉ ፍረ-ጻዕሩ ድማ እቲ ኣብ ኣስመራ ዝተኸሎ ብጃልያ ዝፍለጥ ቤት-ትምህርቲ (ኣል-መድራሳ ኣል-ጃልያ ኣል-ዓራብያ) እዩ።
ናብ ዛንታ መስጊድ-ዓቢ ቅድሚ ምምላስና፡ ብዘመን ወትሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ ኵነታት ኣስላም ኤርትራ ከመይ ከም ዝነበረ ንመልከት።
ዳን ኮነል ዝተባህለ ተመራማሪ ታሪኽ ኤርትራ ብዘቕረቦ ጽሑፍ መሰረት፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር እንግሊዝ – ኣብ ’40ታትን መጀመርታ ’50ታት – ሸኽ ኢብራሂም ኣል-ሙኽታር ኣሕመድ ኢብን ዑመር ኣብ ምስፍሕፋሕ ትካላት እስላማዊ ትምህርቲ ተዋፊሮም ከም ዝነበሩ ይገልጽ።
ብዘቕረቦ ጽሑፍ መሰረት፡ ብ1943 ኣብ ኣስመራ እቲ ብግብጻውያን ዝተመወለ ብ’ንጉስ ፋሩቕ’ ዝጽዋዕ ዝነበረ ቤት ትምህርቲ ተመስሪቱ ድሮ ኣብ ዕዮ ውዒሉ ከም ነበረ፤ ከምኡ’ውን ኣብ ሽዑ እዋን ካልኦት ኣብያተ ትምህርቲ ኣብ መንደፈራ፡ ባጽዕ፡ ከረን፡ ተተኺሎም ነይሮም።
ክሳብ 1952 ፖሊሲታት ጣልያን ኰነ ምምሕዳር እንግሊዝ ብቋንቋ ዓረብኛ ዝካየድ ስርዓተ-ትምህርቲ ኣተኣታትዮም ብግቡእ ዝካየዱ ኣብያተ ትምህርቲ ፈቒዶም ነይሮም። ከምኡ’ውን ኣስላም ኤርትራ ኣብ ክልቲኡ – ኣብ ንግዳውን መንግስታውን ስራሓት – ክኣትዉ ይሕግዙ ከም ዝነበሩ ሰነዳት ታሪኽ እንግሊዝ ይገልጽ።
ሽዑ ቍጽሪ ኣስላም ኤርትራ ካብ 1905-1931 ካብ ኣስታት 175 ሽሕ ናብ 312 ሽሕ ከም ዝወሰኸ፣ ብ1948 ድማ ናብ 528,000 ከም ዝደየበ ዳን ኮነል ይጠቅስ። እቲ ዘቕረቦ ኣሃዝ ምስ ዕብየት ህዝቢ ክርስትያን ዝመጣጠን ከም ዝነበረ ከኣ የረድእ።
ብ1952 – ፈደረሽን ኣብ ዝኣተወሉ ዘመን – ቍጽሪ ህዝቢ ኣስላም ኤርትራ ንቍጽሪ ህዝቢ ክርስትያን ይቕድሞ ከም ዝነበረ ኸኣ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩዎ ኣሎ። ስለዚ እቶም ሽዑ ዝተተኽሉ መሳጊድ ኤርትራ ንክንድዚኦም ዝኣኽሉ ህዝቢ የገልግሉ ከም ዝነበሩ ይሕብር።
ኵነታት ኣስላም ኤርትራ ብዘበን ሃጸይ ሃይለስላሰ
ኵነታት ህዝቢ ኣስላም ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣንቆልቊሉ እዩ።
ስርዓት ሃይለስላሴ ንህዝቢ ክርስትያን ኣመቱ እናገበረ እንከሎ ንኣስላም ግን ብኣድልዎ ይጎስዮም ነይሩ።
እዚ ኸኣ፡ ብሓፈሻኡ፡ ህዝቢ ክርስትያን ምስ ኢትዮጵያ ንምሕባር ይጕስጕስ ስለ ዝነበረ’ዩ።
ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክምስረት እንከሎ መሰረቱ ካብ እስላማውያን ሕብረተሰባት ስለ ዝነበረ ንጉስ ሃይለስላሰ – ብሕልፊ ብዘመነ ኣስራተ ካሳ – ከም ምኽኒት ጥራይ ዘይኰነስ ከም መፍደይ ሕነ ይጥቀመሉ ከምዝነበሩ ዝሕብሩ ተመራመርቲ ኣለው።
ሕብረተሰብ ኣስላም ኣስመራን ብመላኡ ኤርትራን ጽኑዕ ጥርናፈ ስለ ዝነበሮም፤ እቶም ነባሮ ኣስመራ ምስ ብጾቶም የመናውያን ነጋዶ ኰይኖም ንዓቢ መስጊድ ኣስመራ ብሞዛይክን ብዝተጠልጠሉ ሻንደሌራትን ሸሊሞምዎ።
ብኣገላልጻ ዶ/ር ዓብዱልቓደር፡ ኣብ ውሽጢ እቲ መስጊድ ብርክት ዝበሉ ቍርኣናትን ሰነዳትን ከምኡ’ውን በብዓይነቶም ናይ ጸሎት ጽሑፋት ኣብ መናድቕ ብዝተሰቕሉ መደራድራት-መጻሕፍቲ መሊኦም፡ ኣብ እግረ-እግሮም ድማ ድኳታት – ነቶም መጻሕፍቲ ንምርካብ – ተሰሪዖም ምርኣይ – ኵሉኹሉ ኮታ እቲ ውሽጢ-መስጊድ ብግሩም ውቃበ ከምዝተሰለመ ጌሮም ይገልጽዎ።
ብሸነኽ ምብራቕ ናይቲ መስጊድ ሓደ ቤት ትምህርቲ – ማእከል እስላማዊ ሃይማኖት – (ማሓድ ኣዲን – ኣል እስላሚ) ኣሎ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብ1944 ብሙፍትን ብኣሕመድ ዑበይድ ባ’ሑበይሺ እዩ ተመስሪቱ። እቲ ቤት ትምህርቲ ብሓገዝ ኣል-ኣልዝሃር ዩኒቨርሲቲን መንግስቲ ግብጽን ሰለይ ኢሉ’ዩ – መምህራን’ውን ይልእኩ ነይሮም’ዮም።
ካብ ዘመን ሃጸይ ሃይለስላሴ ጀሚሩ ብተጸባኦ-መንግስቲ እቲ ቤት ትምህርቲ ይኽፈት/ይዕጾ’ኳ እንተነበረ ክሳብ ሎሚ ግን ክጸንሕ ክኢሉ’ዩ።
ቈልዑ ኣብ መባእታን ማእከላይን ስሩዕ ትምህርቶም ይከታተሉ፣ ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ንግሆን ኣጋ-ምሸትን ይመሃርሉ ኣለዉ
Very good story please read and coment.