
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/ckgpl1zd46ko
ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊን ጸጥታውን ምዕባለታት፡ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ ጽልዋታት ክህልዎ ከም ዝኽእል ይእመን።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መንጐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ ‘ቅልውላው’ ንመጻኢ ርክብ ማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ዝጸሉ ዓሚቝ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ተንተንቲ ይሕብሩ።
እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወግዒ ካብ ዘኽትም ሰለስተ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ፡ ትግራይ ዛጊት ናብቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረቶ ቍመና ክትምለስ ኣይከኣለትን።
ኣብዚ መዳይ፡ ነቲ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ዝዓነወ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ መሓወራት ምሕደራን መንግስትነትን፡ ፈደራላዊ ውክልና፡ ብዓቢኡ ድማ ዝተመዛበለ ህዝቢ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣይተኻእለን።
ኣብቲ ዝተራእየ ጸገማት ኣፈጻጽማ እቲ ውዕል፡ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ዝሓለፈ ወርሒ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምንዋሕ እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን በቲ ሓደ፡ ኣብ መንጐ ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፕረዚደንቱ ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደን ዝጸንሐ ምትፍናን ናብ ቅሉዕ ወጥሪን ስጕምታትን ደፊእዎ።