ኤሃባደለ ህጹጽን፣ ሳልስይ ስሩዕ ኣኼባ ካብ ታሕሳስ 14-19 2014

ኣባላት ባይቶ ትማሊ ሰንበት መብዝሕትኦም ኣትዮም ገለ ዓሰርተ ዝኾኑ ከኣ ሰኑይ ንግሆ ክኣትዉ ምዃኖም ተረጋጊጹ ኣሎ። እቲ ኣኼባ ካብ ኣዲስ ኣበባ ውጽእ ኣብ ዝበለ ከተማ እዩ ተጋቢኡ ዘሎ። እዚ ድማ ጉዳዩ ብጽሞና ክርኢ ክሕግዞ ኢዩ ተባሂሉ ይእመን። ኣባላት ባይቶ ኣብ መዕረፊኦም ምስ ኣተዉ፣ ኣብ ዝተፈላለየ ምኽረማእከላት (ኮካስስ) (ዞባ፣ ሲቪክን፣ ውድባትን፣ ወከልቲ ህዝብን፣ ንባይቶ ኣብ ደውታ ዘብጽሖ ምኽንያታትን ኣብ ኣመራርሕኡ ዝተረኽበ ሕጽረታትን ፡ ነዚ ብሓላፍነት ድማ ክስከሞ ዘለዎ ኣካላት ይኹን ቤትጽሕፈታት ናይ ባይቶ ኣብ ምልላይ (identify) ኣብ ምግባርን ውዒሉ ኣሎ። ስለዚ ቅድሚ ንግሆ ሰኑይ ምእታዉ ወይ ካብ ሓላፍነት ምውራድ (Resignation) ወይ ከኣ ብሓላፍነት ምሕዳግ (Demotion) ወዲኡ ክኣቱ ምዃኑ ዘርኣየ ኣቕጣጫ ሒዙ ሓዲሩ ኣሎ። ኩሉ ኣባል ባይቶ ነዚ ኣኼባ’ዚ ብምዕዋት ጌጋታቱ ኣሪሙ፣ ኣመራርሕኡ ከም ብሓድሽ ኣመዓራርዩ፣ ዕዉት 2ይ ሃገራዊ ጉባኤ ንምግባር ሕኑን መንፈስ ከም ዘለዎ ዘርኢ ሃዋህው ተፈጢሩ ኣሎ።
ሰኑይ ታሕሳስ 15, 2014
9፡40 ንግሆ-ሎሚ ንግሆ ሰኑይ ንመሪሕነት ባይቶ ጠለብ ናይ ባይቶ ኣብ ልዕሊኦም ንምንጋርን ምርጭኦም ክወስዱ ንምግባርን 5 ዝኣባላታ ሽማግለ ተዘራርቦም ኣላ።
ሓበሬታ ቍ 2
1:41 PM ምሸት እታ 5 ዝኣባላታ ሽማግለ ከተዕግቦም ስለ ዘይከኣለት፡ ብኣቶ ሑሴን ከሊፋ ትምራሕ ሴኒዮር ኣባላት ባይቶ ከዘራርብዎም ተላኢኾም ውጽኢት ንጽበ ጸኒሕና በ ዝስዕብ መልሲ መጺኦም፡
3፡00 PM
1. ብመጀመርያ ኣብ መድረኽ ኣባላት መሪሕነት ባይቶ ኣቦመንበርን ምኽትልን ዋና ጸሓፍን ኣብ መድረኽ ደይቦም ይኸፍትዎ፣ ኣኼባ ብሰክረታርያ ክምራሕ ምዃኑ
ንባይቶ ነጊሮም ይወርዱ
2. ድሕሪኡ ሑሴን ከሊፋን፣ ኣቡኸሊልን ኣስገደትን ኣምራጺት ሽማግለ ኮይኖም ድምጽታት ይእክቡ (ኖሚነሽን)
3. ዝወረደ ኣስማት፡
I. ሓጅ ዓብደልኑር
II. ክፍለዮሃንስ ወ/ግዮርጊስ
III. መኮንን ተኽለ
IV. ጀዋህር መሓመድ
V. ኑርያ ሓሰን
VI. ዶር ኣፎወርኪ ጳውሎስ
VII. ይስሓቕ የሕደጎ
VIII. ተኽላይ ኣብርሃ
IX. በሽር ይስሓቕ
X. ዓብዱላሂ ሓምዶይ
XI. ዓብዱራሕማን ጣሃ
XII. መሓመድ እስማዒል ሑመድ
XIII. ዒሳ መሓመድ ሰይድ
XIV. ጀማል ሳልሕ ነይሮም
ካብዚኦም ሓሞሽተ ሰባት ምስ ሰሓቡ
1. ሓጅ ዓብደልኑር
2. ክፍለዮሃንስ ወ/ግዮርጊስ
3. መኮንን ተኽለ
4. ጀዋህር መሓመድ
5. ኑርያ ሓሰን
6. ተኽላይ ኣብርሃ
7. ይስሓቕ የሕደጎ
ኣኼባ ክመርሑ ተመዚዞም ኣለዉ። እዚ ክሳብ ሰዓት ኣርባዕተ ምሸት ኮይኑ ዕረፍቲ ወጺና።
ሓበሬታ ቍ3
ሰዓት 5፡00 ምሸት ተመሊስና……….ሰክረታርያ ነፍሳ ሰሪዓ
1. ሓጅ ዓብደልኑር- ኣቦ መንበር
2. ክፍለዮሃንስ ወ/ግዮርጊስ-ምኽትል ኣ/መ
3. ተኽላይ ኣብርሃ-ሓላፊ ምምሕዳራዊ ጉዳያት
4. ጀዋህር መሓመድ፡ ተሓጋጋዚት ምምሕዳራዊ ጉዳያት
5. ኑርያ ሓሰን-ተሓጋጋዚት ምምሕዳራዊ ጉዳያት
6. መኮንን ተኽለ-ተሓዝ ሰነዳት
7. ይስሓቕ የሕደጎ፡ ዜናን ሓበሬታን ኮይኖም ተመሪጾም።
ሕግታታት ኣኼባታትን፡ መደብ ዕዮን ተነቢቡልና፡ ካብ ዝድለ ናይ ኮረም ቁጽሪ 72 ንላዕሊ 95 ምርካብና ተነቢቡ ኢድና ሓፍ ብምባል ብምሉእ ድምጺ ኣኼባና ሕጋዊ ምዃኑ ተሰኒዱ። ድሕሪኡ ለባዋታት ናይ ስራሕ ጌርና ሰዓት 8 ምሸት ተፈዲስና።
ሰሉስ ታሕሳስ 16, 2014
ሓበሬታ ቍ 4 7:30 ምሸት፡ ድሕሪ ሓደ ሰዓት ኣኼባና ይጅምር ኣሎ።
ሓበሬታ ቍ 5 ካብ ሰዓት 7፡30 ንግሆ ክሳብ 10፡00 ለይቲ ኣኼባ ተኻይዱ። ኣብዚ ፈጻሚት ሽማግለ ዘብጻባ ኣቕሪባ፣ መልሲ ብመሪሕነት ባይቶ ተዋሂቡ። ብደሕሪኡ ብሕቶን መልሲን ሽግርና ብዘይ ሕብእብእ ተመለሰ። መሪሕነታት ጉድለታቶም ብምፍልጥ ንጽባሕ ረቡዕ ርእይቶታትን ሚዛናትን ክግበር ንግሆ ሰዓት 8፡30 ንግሆ ክንመጽእ ኢና።
ረቡዕ ታሕሳስ 17, 2014 ሓበሬታ ቍ 6
ሎሚ መዓልቲ ገምጋም ዝገበርናሉ መዓልቲ ኢዩ ነይሩ። ናይ ንግሆ ክሳብ ሰዓት 12 ፋዱስ ኩሉ ዝነበረ ጸገማት ተዘራሪብናሉ። መሪሕነት ባይቶ ካብ ኣዋሳ ዝጀመረ ጉድልታትን ምጥሓስ ሕገ ህንጻ ባይቶን ምድስካል መራሕን፣ ስርዒት ዘይተኸተለ ምትእትታውን ዘይሕጋዊ ውደባታስትን (ኣብ ኣሜሪን ኣውሮጳን) ዘጠቓለለ ጉድለታት ጠቒሱ ንመርህነት ባይቶ ከቢድ ሓላፍነት ኣሰኪምዎም። ፈጻሚት ሽማግለ እውን ኣብ ነንሕድሕዶም ብምውቓዕ ንባይቶ ብግቡእ ክመርሕዕው ከምዘይከእሉ ገምጊሙ። ብድሕርዚ ክልቲኡ መሪሕነታት ወይ ካብ ሓላፍነት ክስሕቡ ወይ ባይቶ ካብ ሓላፍነቶም ክወርዱ ምዃኖም ዝእምት ገምጋም ጌርና ንምሳሕ ወጻእና።
ኣብ ግዜ ምሳሕ ኩለ ኣብ ምምኽኻር ኣተወ። መሪሕነት ባይቶ ግን ኣይተመልሱን። ብድሕሪኡ እቶም ኣቐዲሞም ዝላዘብዎም ዝነበሩ ዓብይቲ ሰባት ከይዶም ኣዘራሪቦም ምለስዎም። ሰዓት 3 ኣቢሉ ይኸውን ኣቶ ዮሃንስ ኣስመላሽ ተሲኡ ነዚ ባይቶ’ዚ ሓጋዚ ተኾነ ኣነ ሪዛይን ይገብር ኣልኹ ኣብዚ ዘብጸሓና ጸገማት ንባይቶ ክሕግዝ ዝኽእል መጽናዕቲ ጌይረ ከኣ ኣብ ጉባኤ ከቕርብ ክሳብ ጉብኤ ካባይን ካብ ግንባርና ዝጥለብ ኩሉ ክግብር ድሉው እየ ምስ በለ። ጣቕዒት ተገብረሉ። ብድሕርኡ እውን መሪሕነት ባይቶ ኣቦ መንበር ምኽትሉ ዋና ጸሕፍን ሪዝይን ገበሩ። ናይ ምሸት ሰዓት 8 ኩሉ ፈጻሚት ተእኪቦም ከኣ ጃምላዊ ረዚግንሽን ኣቕረቡ። ኣብ ታሪኽ አርትራ ዘይተራእየ ባይቶ መርሕቱ ብህዝባዊ ጸቕጢ ኣውረደ። ብድሕሪኡ መርIህነት ባይቶ ብምልኡ ኣብ ኢድ ሰክረታርያ ወደቐ። ኣብ መወዳእታ እታ ግዜያዊት መሪሕነትን ኣሰናዳዊት ሽማግለን ንምምራጽ ተሰማሚዕና ጽባሕ ሓሙስ ክንራኸብ ወዲእና ሰዓት 11 ምሸት ንድቃስ ከድና።
ሓሙስ ታሕሳስ 18, 2014 ሓበሬታ ቍ 7
ንግሆ ሰዓት 8፡30 ኣኼባ ተጀሚሩ፣ ነዚ ዝስዕብ ውሳኔታት ድማ ባይቶ ብሓባር ኢዱ ኣውጺኡ ብዘይካ ኣብ ናይ ኣሰናዳዊት ሽማግለ 4 ተቓውሞ ካልእ ብምሉእ ቁጽሪ ኣድመጸሉ፣
1. ፈጻሚት ቤት ጽሕፈት ሓላፍነቶም ብሓባር ከውርዱ ዘቕረብዎ ጠለብ ክቕበል
2. መሪሕነት ባይቶ ብኹሎም ካብ ሓላፍነት ክወርዱ ዘቕረብዎ ጠለብ ክቕበል
3. ኣቦ መንበር ኣሰናዳዊት ሽማግለ ሓላፍቱ ከውርድ ዘቕረቦ ጠለብ ክቕበል
4. ዝተረፉ ኣባላት ኣሰናዳዊት ሽማግለ ባይቶ ባዕሉ ሓላፍነቶም ይስሕቦ
5. ናይ ዞና ስርርዕ ናይ ቀደም ፈሪሱ እንደገና ሓድሽ ስርርዕ ይካየድ
6. ናይ ጀነራል ኦዲቶር ሓላፍነት ከይወረደ ከም ቀደሙ ክቕጽል
ድሕሪ ዕረፍቲ ከኣ ሰዓት 11፡00 ንግሆ
ሰክረታርያ ሰለስተ ናይ ስራሕ ኮሚቲታት ክምዝዝ ኣስማት ሒዙ ንከጽድቕ ቐረበ። እተን ሽማግለታት ከኣ ከምዚ ዝስዕብ ኢየን፡
1. ናይ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚት ቤት/ጽሕፈታት ቦታታት ዝምልኣሉ መንገዲ እትርኢ ሽማግለ፣ ኣባላታ ከኣ፡
(I) ዶር ኣፈወርቂ ጳውሎስ
(II) ነጋሽ ዑስማን
(III) ሰላሕ ሰባሕ
(IV) ኢብራሂም ማልክ
(V) ተወልደ ገ/ስላሴ
2. ናይ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዕማማት ኣቃውማን ዝንጽር መምርሒ ተቕርብ ሽማግለ
(I) ዶር ዓብደላ እድሪስ
(II) ነጸረኣብ ኣስመላሽ
(III) ኑር እድሪስ
(IV) ኣሕመድ ሰፈር
(V) ደስበለ መሓሪ
3. ደምዳሚ መግለጽን ፖለቲካዊ ውሳኔታትን እትጽሕፍ ሽማግለ
(I) ዶር ሃብተ ተስፋማርያም
(II) ጀማል ስዒድ
(III) መኮነን ተኽለ
(IV) ዓሊ ዑስማን
(V) ኢብራሂም ፋር
(VI) ዑስማን መ. ኣሕመድ
ሕጂ ክሰርሑ ከይዶም ሰዓት 8፡00 ምሸት ባይቶ ተኣኪቡ ውጽኢት ስርሖም የጽድቕ።
8፡00 ምሸት ሽማግለታት ስርሐን ስለ ዘይወደኣ ንጽባሕ ንግሆ ተቝጺሩ ተፈዲስና።
ዓርቢ ታሕሳስ 19, 2014 ሓበሬታ ቍ 8
እተን ናይ መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚት ቤት/ጽሕፈታት ቦታታት ዝምልኣሉ መንገዲ እትርእን እታ ናይ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ዕማማት ኣቃውማን ዝንጽር መምርሒ ተቕርብን፣ ደምዳሚ መግለጽን ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ሓርፋፍ ስራሕ እትጽሕፍ ሽማግለን፣ ኩለን ስርሐን ጠርኒፈን ኣብ ክትዕ ብምእታው ዓርቢ ምሉእ መዓልቲ ዓሚቝ ክትዕ ኣብ ምኽያድ ወዓልና። ኣብ መጨረሽታ ከኣ ናይ ክልቲኣተን ሽማግለታት ናይ ስራሕ ወረቓቕቲ ሰዓት 10፡00 ናይ ምሸት ብምሉእ ድምጺ ባይቶ ተደሚጽሉ ሓለፈ። ሎሚ ስለ ዝመሰየ ኩሉ ነገር ንጽባሕ ክንውድእ ተሰማሚዕና 10፡30 ምሸት ኣቢሉ ኣኼባ ዓጸና። ናይግድን ንጽባሕ ተሪፉና ዘሎ ስረሓት መሪሕነት ባይቶን ፈጻሚት ቤት ጽሕፈትን፡ ኣባላት ኣሰናዳዊት ሽማግለን ምምራጽ እዩ።
ቀዳም ታሕሳስ 20, 2014 ሓበሬታ ቍ 9 መወዳእታን
ቀዳም ንግሆ መሪሕነት ባይቶን፣ ፈጻሚት ቤት/ጽሕፈትን፣ ኣሰናዳዊት ሽማግለ ብብቕዓትን ፍትሓውን ብዝኾነ መንገዲ ንምምራጽ ኣስማት ናይ ካንዲደይትስ ካብ ወከልቲ ውድባትን፣ ሲቪክ ማሕበራትን፣ ወከልቲ ህዝብን ንምርካብን ንምዝራርብን ሓንቲ 3 ዝኣባላታ ሽማግለ ወጺኣ ከተዘራርቦም ተሰማሚዕና ብድምጺ ኣጽደቕና። እዛ ሽማግለ እዚኣ ሰዓት 2፡00 ድ/ቀ ናይ መብዛሕትኦም ፖለቲካውን፣ ሲቪካውን፣ ህዝባውን፣ ኣካላት ብኮንሰንሳስ ዝተሰማምዕሎ ም ሓደ ሓርፋፍ ናይ ኣስማት ሊስት ናብ ሰክረታርያ ከተቕርብ ተሰማሚዕና ወጻኢ ካብ ኣኼባ ኣብ ነሓድሕድና ንምምኽኻር ወጻና።
ናይ ምሸት ቀዳም ባይቶ እንደገና ተኣኪብና፣ ናይ ምውኽኻስ ሽማግለ ናይ ስርሓ ውጽኢት ናብ ባይቶ ኣቕሪባ ከነጽድቖ፣ ከነመሓይሾ ወይ ድማ ክንቅይሮ ተነግረና። ቁጽሪ መሪሕነት ውሑድ ክኸውን ተገይሩ ዝርዝሩ ከኣ እነሆ፣
ሀ/ መሪሕነት ባይቶ
1. ኣቦ መንበር- ሓጅ ዓብደልኑር
2. ም/ኣ/መንበር- ተኽላይ ኣብርሃ
3. ዋና ጸሓፊ- ዑመር ዓሊ
ለ/ ኣባላት ፈጻሚት ቤት/ጽሕፈት
1. ክፍለዮሃንስ ወልደግዮርጊስ- ኣቦመንበር
2. ዓብደላ ዑመር ዶማ
3. ጀማል ሳልሕ
4. ብንያም ኣፈወርቂ
5. ዩሱፍ ኢብራሂም
6. ተስፉ ኣጽብሃ
ሐ/ ኣሰናዳዊት ሽማግለ
1. በሽር ይስሓቕ
2. ኣሕመድ ሰፈር
3. ኢብራሂም ፋር
4. መሓመድ ጣሃ
5. ኣብርሃም ነጋሲ
6. ትዕግስቲ ብርሃነ
ኣብ መጨረሽታ ኩሉ ኣባል ባይቶ ብዘመዝገቦ ታሪኻዊ መቐይሮ ተመሳጊኑ ኣኼባ ተደምደመ።
ደምዳሚ መግለጽን ፖለቲካዊ ውሳኔታትን ኣብ እንተርነት ተኸታተሉ

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *