ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ ሕጂ መን እንታይ ኢሉ?

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cn97e8qxv3po

ቅድሚ 9 ሰዓታት

ኣፍ ደገ ባሕሪ ካብ መንጐ ዘይብለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዋንነትን ተጠቃምነትን ወደባት ክህቦ ዝጸንሐት መግለጺታት ብፍላይ ንሶማልያን ኤርትራን ከቘጥዕ ጸኒሑ’ዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኣዲስ ኣበባ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሮም፡ ኤርትራ ናጽነታ ኣብ ዝረኸበትሉ እዋን ኣብ ምቍጽጻር ወደባት ጌጋ ፈጺማ እያ ብምባል፡ ጕዳይ ቀይሕ ባሕሪ ዳግም ክለዓል ኣለዎ ዝብል ምጕት ከቃልሑ ይስምዑ ኣለዉ።

መግለጺታት ኢትዮጵያ ካብ ተጠቃምነት፡ ናብ ዋንነት፡ ካብኡ ሓሊፉ’ውን ወተሃደራዊ ህላወ ክሳብ ምውሓስ ናብ ዝብል ክዓቢ ይርአ ኣሎ።

ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲን ዲፕሎማሰኛታትን እታ ሃገር ዝወጸ ቃላት ነቲ ድምጽታት ናብ ቅሉዕ ናይ ዋንነት ሕቶን ምጕትን ኣስጊርዎ ይርከብ።

ብሰንኪ’ዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ይዓርግ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ብወገን ኤርትራ’ውን ንመግለጺታት ኢትዮጵያ ሓሓሊፉ ዝወሃብ ግብረመልሲ ኣሎ።

ዛጊት እቲ ምጕትን ዳርባ-ቃላትን ካብ ዝፍልም መን እንታይ ከም ዝበሉ፡ ንምዝኽኻር ነቶም ቀንዲ ዝበልናዮም ኣቕሪብናልኩም ኣለና።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *