
https://www.bbc.com/tigrinya/articles/c20exppp5n8o
10 ጥቅምቲ 2025, 08:31 EAT
ኤርትራን ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ትግራይን “ኲናት ንምእዋጅ” ብሓባር ይሰርሑ ኣለዉ ዝብል ካብ ወገን ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ነጺጎም።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኣንጻር ኢትዮጵያ “ኣብ ውግእ ተዋፊሮም” ኣለዉ ክብል ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ ምኽሳሱ ይዝከር።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጊዴዎን ጢሞቴዎስ ብ2 ጥቕምቲ 2025 ናብ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ “ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ኣኽራሪ ውድብ ህወሓትን ዘሎ ምሕዝነት እናነጸረ መጺኡ፡” ክብል እዩ ከሲሱ።
እቲ ምኒስትሪ ዘቕረቦ ክሲ ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ቀረባ እዋን ንርእሰ ከተማ ሰሜን ወሎ ወልድያ ንምቍጽጻር ኣብ ዝገበርዎ ፈተነ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ኢድ ከም ዝነበሮም እውን ዘመልክት እዩ።
ነዚ ስዒቡ ህወሓት ብ8 ጥቅምቲ 2025 ከም ግብረ-መልሲ ናብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ “ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህወሓትን ህዝቢ ትግራይን ናይ ሓሶትን ፖለቲካዊ ዝንባለን ዘለዎ ክስታት፡” ከም ዘቕረበ ጠቒሱ።