ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ኣብ ዘሻቐለ ተቓውሞ ብዙሓት ሰባት ተቐቲሎምን ተኣሲሮምን

https://www.bbc.com/tigrinya/articles/cx2l5p705klo

ሎሚመዓልቲ ኣብ ሰልፍታት ተቓውሞ ኬንያ፡ ፖሊስ ብዝተኰሶ ጥይት ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱን ከም ዝተጐድኡን ተገሊፁ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ 17 ግዝኣታት እታ ሃገር፡ ናይ 10 ሰባት ሞት፣ 29 ሙጉዳእቲ፣ ክልተ መጭወይቲን 37 ማእሰርቲን ከም ዝሰነደ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ዓበይቲ ፅርግያታትን መእታዊ ነቑጣታትን ብፖሊስ ከም ዝተዓፀዉ ዝሓበረ እቲ ኮሚሽን፡ እዚ ክርደና ብፍላይ ኣብ ርእሰከተማ ናይሮቢ ንምንቅስቓስ ሰባት ከም ዝዘረጎ ገሊፁ።

ኣብ ኪያምቡ፣ ሜሩ፣ ኪሲ፣ ኒየሪ፣ ናኩሩን ኢምቡን እውን ዕፅዋ ከም ዝነበረ እቲ ኮምሽን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።

ኣብ ወሰናወሰን ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ካንጌሚ ዝበሃል ከባቢ ኣብ ውልቀ ሆስፒታል ኤግል ዝሰርሕ ዶክተር ኣሮን ሲኩኩ፡ ሬሳ ክልተ ሰባት ናብቲ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደን፡ ብዝተተኰሰ ጥይት ከም ዝሞቱን ንቢቢሲ ሓቢሩ።

በዚ ዝተቘጥዑ ኣማኢት ሰልፈኛታት ኣብ ደጋዊ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ብምእካብ ሬሳ እቶም ግዳያት ንምውሳድ ከም ዝጠለቡ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ዘጋጠመ ሞት ዛጊድ ብሰብመዚ ኬንያ ዝተወሃበ ወግዓዊ መረጋገጺ የለን።

ካቢነ ሰክሬታሪ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጄፍሪ ሩኩ ትማሊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ስራሕ ክርከቡ መምርሒ እኳ እንተውረደ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ስራሕ ቦትኦም ክርከቡ ከም ዘይከኣሉ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ የመልክት።

ኣብ መላእ ኬንያ ትካላት ንግዲ ተዓፅዮም ዝወዓሉ እንትኾኑ፡ ኣብ ሽድሽተ ግዝኣታት ዝምታ ከም ዝተፈፀመ፡ ኣብ ኬሪጎያ ዝርከብ ሓደ መንግስታዊ ቢሮ’ውን ብሓዊ ከም ዝተሃሞኸ እቲ ኮምሽን ፀብፂቡ።

ኣብታ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሰዲዶም ዝነብሩላ ኬንያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ሓያል ተቓውሞታት ስግኣት እናፈጠረ ይመጽእ ኣሎ።

እታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ምርግጋእ፡ ዘይከም መብዛሕትአን ሃገራት እቲ ዞባ ኲናት ሓድሕድ ዘይትፈልጥ፡ ጽቡቕ ቍጠባዊ ገስጋስን ደሞክራስያዊ ትካላትን ዝሃነጸት ምዃና ዝንገረላ ኬንያ፡ ብዙሓት ዜጋታት ጐረባብታ ኣዕቍባ ዘላ እያ።

ርእሰ ከተማ ናይሮቢ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብፍላይ ብዙሓት ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን ይነብሩዋ።

እቶም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያንን ሱዳንን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣብተን ሃገራት – ኣብ አእዋኑ ድሕሪ ዝነቶገ ኲናት ሓድሕድ ካብተን ሃገራት ወጺኦም ብብዝሒ ናብ ኬንያ ክግዕዙ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ሎሚ ሰኑይ 7 ነሓሰ እውን፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ 1990ታት ዝጀመረ ‘ሳባ-ሳባ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ንደሞክራሲ ደገፍ ንምሃብን ትእምርቲ ህዝባዊ ኣብያን ተባሂሉ ዓመታዊ ዝካየድ ኣጋጣሚ፡ ናብ ናዕቢን ዕግርግርን ክቕየር ከም ዝኽእል ስግኣት ነይሩ።

ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ቅድሚ እቲ ዝተወጠነ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ናብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኵሎም መእተውን መውጽእን ቀንዲ ጽርግያታት ከብ ንጉሆ ጀሚሮም ዓጽዮም፡ ምንቅስቓስ ሰባትን ተሸክከርትን ደሪቶም ውዒሎም።

ትካላት ንግዲ ተዓጽየን መብዛሕትኡ ማእከል ከተማ ፀምዩ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ተቓውሞታት ብኣጋ ንምብርዓን ዝዓለመ ይመስል።

በዚ ዝተቘጥዑ ኣማኢት ሰልፈኛታት ኣብ ደጋዊ ቀጽሪ እቲ ሆስፒታል ብምእካብ ሬሳ እቶም ግዳያት ንምውሳድ ከም ዝጠለቡ ሓቢሩ።

ብዛዕባ እዚ ዘጋጠመ ሞት ዛጊድ ብሰብመዚ ኬንያ ዝተወሃበ ወግዓዊ መረጋገጺ የለን።

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካቢነ ሰክሬታሪ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጄፍሪ ሩኩ ትማሊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣብ ስራሕ ክርከቡ መምርሒ እኳ እንተውረደ፡ ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ስራሕ ቦትኦም ክርከቡ ከም ዘይከኣሉ ፀብፃብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኬንያ የመልክት።

ኣብ መላእ ኬንያ ትካላት ንግዲ ተዓፅዮም ዝወዓሉ እንትኾኑ፡ ኣብ ሽድሽተ ግዝኣታት ዝምታ ከም ዝተፈፀመ፡ ኣብ ኬሪጎያ ዝርከብ ሓደ መንግስታዊ ቢሮ’ውን ብሓዊ ከም ዝተሃሞኸ እቲ ኮምሽን ፀብፂቡ።

ኣብታ ብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ተሰዲዶም ዝነብሩላ ኬንያ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ኣትሒዙ፡ ኣንጻር መንግስቲ ዝቐንዐ ሓያል ተቓውሞታት ስግኣት እናፈጠረ ይመጽእ ኣሎ።

እታ ኣብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓሸ ምርግጋእ፡ ዘይከም መብዛሕትአን ሃገራት እቲ ዞባ ኲናት ሓድሕድ ዘይትፈልጥ፡ ጽቡቕ ቍጠባዊ ገስጋስን ደሞክራስያዊ ትካላትን ዝሃነጸት ምዃና ዝንገረላ ኬንያ፡ ብዙሓት ዜጋታት ጐረባብታ ኣዕቍባ ዘላ እያ።

ርእሰ ከተማ ናይሮቢ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ብፍላይ ብዙሓት ኤርትራውያን ኢትዮጵያውያን ሱዳናውያንን ይነብሩዋ።

እቶም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ኣብ ኢትዮጵያንን ሱዳንን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን፡ ኣብተን ሃገራት – ኣብ አእዋኑ ድሕሪ ዝነቶገ ኲናት ሓድሕድ ካብተን ሃገራት ወጺኦም ብብዝሒ ናብ ኬንያ ክግዕዙ ጸኒሖምን ኣለዉን።

ሎሚ ሰኑይ 7 ነሓሰ እውን፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ 1990ታት ዝጀመረ ‘ሳባ-ሳባ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ንደሞክራሲ ደገፍ ንምሃብን ትእምርቲ ህዝባዊ ኣብያን ተባሂሉ ዓመታዊ ዝካየድ ኣጋጣሚ፡ ናብ ናዕቢን ዕግርግርን ክቕየር ከም ዝኽእል ስግኣት ነይሩ።

ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ቅድሚ እቲ ዝተወጠነ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ ናብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ኵሎም መእተውን መውጽእን ቀንዲ ጽርግያታት ከብ ንጉሆ ጀሚሮም ዓጽዮም፡ ምንቅስቓስ ሰባትን ተሸክከርትን ደሪቶም ውዒሎም።

ትካላት ንግዲ ተዓጽየን መብዛሕትኡ ማእከል ከተማ ፀምዩ ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ክካየድ ተሓሲቡ ዘሎ ተቓውሞታት ብኣጋ ንምብርዓን ዝዓለመ ይመስል።

  • ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ስልጣን ካብ ዝሓዘሉ ብፍላይ ድማ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝጀመረ ሓያል ተቓውሞ፡ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናተወሰኹዎ እናጓሃረ ይመጽእ ኣሎ።
  • ዮርዳኖስ ተወልደ ናይ 11 ክፍሊ ትምህርታ ኣቋሪጻ ካብ ኤርትራ ካብ እትወጽእ ዓመት ኣይገበረትን። 5,000 ዶላር ከፊላ ናብ ኣዲስ ኣበባ – ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዋ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝካየድ ግፋ ክትቀስን ስለ ዘይከኣለት 2,000 ዶላር ከፊላ ናብ ካምፓላ – ኡጓንዳ ኣትያ።
  • “ናብ ሳዋ ከይከይድ ኢለ እየ ወጺአ። እንታይ ምዃኑ ግን ኣብ ዘዝኸድኩዎ መኻልፍ ጸኒሑኒ፡” ትብል።
  • እታ ስደተኛታት ብምቕባል ካብ ኣፍሪቃ ቀዳመይቲ እትስራዕ ኡጓንዳ፡ መስርሕ ዕቝባ ኤርትራውያን “ንዘይተፈልጠ ግዜ” ጠጠው ስለ ዘበለቶ፡ ዮርዳኖስ ካብ ካምፓላ እውን ናብ ኬንያ ክትቅጽል ከም ዝተገደደት ትገልጽ።
  • “ጽባሕ ናብ ናይሮቢ ኣብ ዝኣተኽሉ ‘ዕግርግር’ ኣሎ ስለ ዝበሉና [25 ሰነ] ከይወጻእና ውዒልና። ናበይ ድየ መጺአ ኢለ ሰንቢደ። ድሕሪ ክንደይ ትማሊ ንዓይ ትዀነኒ ክራይ ገዛ ረኺበ ኣቝሑት ክገዛዝእ እናሓሰብኩ ሎሚ’ውን ኣሎ ሰሚዐ ከይወጻእኩ ኣብ ገዛ ኣለኹ፡” ትብል።
  • እዚ በቶም ብጀን-ዚ ዝፍለጡ ሓድሽ ወለዶ ዝቕለስ ተቓውሞ ኣንጻር መንግስቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ነቲ ብመንግስቲ ክተኣታቶ ዝተፈተነ ስርዓተ ግብሪን ቀረጽን ብምቅዋም ዝተባርዐ እዩ።
  • ኣብቲ ኣብ ሰነ 2024፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዓበይቲ ከተማታት ኬንያ ዝተኻየደ ሞትን መጕዳእትን፡ ኣብ ንብረት ድማ ከቢድ ዘረፋን ዕንወትን ዘስዓበ ናዕቢ፡ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ኣብ ቅድሚ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ቀሪቡ ነቲ ጠንቂ ዕግርግር ዝዀነ ሕጊ ክፍሊት ግብሪ ከምዝሰሓቦ ኣፍሊጡ።
  • ኣብቲ ሽዑ ዝተኻየደ ጐነጽ ዝተሓወሶ ሓያል ተቓውሞታት፡ ኣብታ መዓልቲ ጥራይ ብውሕዱ 22 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር።
  • እቲ ፕረዚደንት ድማ ህዝቢ ነቲ ብፓርላማ ዝጸደቐ ሕጊ ከምዘይተቐበሉ ከም ዝኣመነ ብምግላጽ “ሕደገት ገይረ ኣለኹ” ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።
  • እቶም ነቲ ውጥን ዝቃወሙ ዘለው መንእሰያት፡ እቲ እማመ ተራ ዜጋታት ክኸፍሉዎ ዘይክእሉ ወሰኽ ዝሓዘን ነቲ ድሮ ብልዑል ዝቕባበ ዋጋ ዝተጸልወ ቍጠባ ዝሃስን’ዩ ይብሉ።
  • መንግስቲ፡ ንገለ ካብቶም ኣካታዕቲ እማመታት ግብሪ’ኳ እንተኣልገሰ፡ እቶም ሰልፈኛታት ግን እቲ እማመ ብምልኡ ክድርበ ይጠልቡ ክጠልቡ ጸኒሖም እዮም።
  • ነዚ ተቓውሞ’ዚ ስዒቡ ብዙሓት ነጠፍቲ፡ ኣነቓቓሕትን ጐስጐስትን ተባሂሎም ዝተጨውዩ ዜግታታት፡ ተሰዊሮም ኢደወናናዊ ስጕምቲ ክውሰድ ብምጅማሩ ድማ መሊሱ ነቲ ኵነታት ኣጋዲድዎ።
  • በዚ ድማ መዓልታት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ኣንጻር እቲ ኣካታዒ ሕጊ ፋይናንስ ዝተኻየደ ህዝባዊ ናዕቢ መሪሖም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩ ኣስታት 35 ሰባት ብፖሊስ ብዝተዋደደ ፍተሻ ጭውያ ከምዝተኻየደሎም ይንገር።
  • እንተዀነ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ዝተጨውዩ ክፍትሑ እንከለዉ፡ ዝተወሰኑ ብፍሉይ ዝጥመቱ ግን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ከምዝተገብረሎም፡ ንኵነታቶም ዝምልከት ሓበሬታ ከምዘይተዋህበን ተጣበቕቲ መሰላት እታ ሃገር ክገልጹ ጀሚሮም።
  • መብዛሕቶም እቶም ግዳያት ትሕቲ 30 ዓመት ዝዕድመኦም ኰይኖም፡ ብኣባላት ጸጥታ፡ ካብ ገዛኦም ወይ ካብ ጎደናታት ተጨውዮም ዝተወስዱ እዮም።
  • መንግስቲ እቲ ዝተኻየደ ኣገባብ ሰልፊ፡ ቅጥዒን ስርዓትን ዘይነበሮ፡ ኣብ መንጐ’ውን ገበነኛታት [ኣብ ስርቂን ዕንወት ንብረትን ዝተሳተፉ] ዝነበርዎ ዘይቅኑዕ ምንባሩ ይኸስስ።
  • ኣብቲ እዋን ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢሳቕ ምዋራ “ዕልዋ መንግስቲ ከካይዱ ዝደልዩ ገበነኛታት” ክብል ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።
  • ብሓፈሻ ኣብቲ ኣብ 2024 ዝተኻደ ተቓውሞ፡ ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *