ዕለታዊ ምጽናትና ከኸትም ካብ እናሰማዕና ምጽቃጥ ንበራበር!!! By assenna on April 27, 2015

ዕለታዊ ምጽናትና ከኸትም ካብ እናሰማዕና ምጽቃጥ ንበራበር!!! | Assenna.com

Ogbai_1

ዕለታዊ ምጽናትና ከኸትም
ካብ እናሰማዕና ምጽቃጥ ንበራበር!!!
ብ ዑቕባይ ገብረመድህን
ከምብሪጅ፡ ማሳቹሰትስ፡ ሰ.ኣ.
ሚያዝያ (April) 26፡ 2015
***
ቅድሚ ላምፓዱሳን ድሕሪኡን ኣብ ባሕርን ምድራ በዳን፡ ምስጋር ሩባታትን ዝጠፍኡ ዘይተኣወየሎም ዜጋታትና ልዕሊ ዓሰርተታት ኣሽሓት ከም ዝገማገም ዘየጠራጥር ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ እንደገና ካልኣይ ደግሲ ጥፍኣት ላምፓዱሳ ናይ 350 ኤርትራዊ ሕይወት ብሓንሳብ ኪቕዘፉና ከለዉ ነእምሮ ዘደንዝዝ፡ ንንብዓት ዘንቅጽ ኩነታት`ዩ።ንበዓል ሓዊ ተኵሶ ከም ዝበሃል፡ መሰነይታ ቅዝፈታት ምድረበዳን ባሕርን ባርባራዊ ምስያፍ ISIS ተወሲኽዎ። እቶም ዝሓሊ ህዝብን ሰላማዊ ሰልፊ ዝፈቅድ መንግስትን ዘሎዎ ግዳያት ISIS ንድሕነት ኣብ ስደት ዝርከቡ ህዝቦም ተላዒሎም ንመንግስቲ ስጉምቲ ኪውስድ ዘነቓንቖ ማዕበል ድምጺ ደርጒሖሙሉ፤ ጠለብ ህዝቢ ካብ ብህጹጽ ምትግባር ካልእ ኣማራጺ ኣይነበሮን። ብኣንጻሩ፡ ካብ ፋሺስታዊ ስርዓት ህግደፍ ኪሃድሙ ሃገሮም ኣዝኽቲሞም ዝዘኽተሙ ተካላት ኤርትራውያን ዜጋታት ግን ዝሕለቐሎም መንግስትን ህዝብን የብሎምን፣ ወዲ ዓሻስ ክልተ ግዜ ይውቃዕ ኮይኑ። እቲ ጠንቂ ዕንወትን ድሕረትን ሃገርን ምጽናት ህዝብን ኤርትራ ኮይኑ ዘሎ ፋሺስታዊ ውልቀምልኪ ንዝጠፍኡ ኤርትራውያን ከም ጥፍኣት ላምፓዱሳ ሓቅነቱ ኪኽሕድ ኣየሕፈሮን፣ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተዋህበ ቍጽሪ ግዳያት ከይሓፈረ ካበይ ኣምጺእኩሞ ክብል ድኣ ተሰምዐ።
ነዚ ዕለታዊ ኣእላፋዊ ምጽናት ንጹሃት ዜጋታት ብጭብጢ ንምግላጽ ዘኽእል ቃላት ኪርከቦ ይከኣል ድዩ? ነዚ ሕቶ`ዚ መሰረታዊ ጠንቁ ብዕምቈት ዳህሲስካ ንምርዳእን ቅኑዕ ነባሪ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ብግብሪ ንምዕጣቕን ኣብ ቀጻሊ ምኣዲ ዘተና ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ`ዩ።
ዝኾነ ኾይኑ፡ እቲ ጠንቂ ብግዜን ብዓቐንን ኣዚዩ ርሑቕ፡ ኣብ ሃገራዊ ሕይወትና ምሉእ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጥዕና ንምርግጋጽ ንኣረኣእያናን ስምዒትናን ብመርማሪ ኣገባብ ክንግዘቦ እንግደደሉ ኩነታት`ዩ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ። ካብ ጸቢብ ርእሰ-ፍትወት ፍርሃት፣ ካብ ፍርሃት እንታይ ገዲሱኒ ከም ልምዲ ሳዕሪሩ፡ ባህሪያዊ ሕይወት ጠፊኡ፡ ሓሳርን መከራን፡ ማእሰርትን ምህመናን፡ ጥፍኣትን ሞትን ልሙድ ሕይወት ኮይኑሉ ዘሎ ብሕልፈታት ዝልለ ኤርትራዊ እዋን ኢና ንሓልፎ ዘለና። እዚ ኣብ ዓለም ኰሊልካ ካልኣይ ዘይርከቦ ፍጹም ጸልማትን ጥፍኣትን ኤርትራ (ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ NPR ሓደ ዝርርብ ዝገብር ዝነበረ ኣመሪካዊ `ኤርትራ ናይ መግቢ ውሕስነት ኣረጋጊጻላ` ክብል ዘደንጹ ዘረባ ሰሚዐ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ኮይና ምስ ሓደ ዕዉት ኤርትራዊ ተወሳኺ መልሲ ክህበሉ ዘይከኣልኩ፡ ህግደፍ ድኣ ከመይሉ`ዩ መዓልታዊ ንኣመሪካ ዘማርር ዝብል ሕቶ ነእምሮይ ሰንጢቑዎ ሓሊፉ) ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ መለኮታዊ ሓይሊ ሃሊዩዎ
[Type text] Page 2
ዘይኮነ ብርእሰ ፍትወትና፡ ብእንታይ ገዲሱኒ፡ ብትም ምባልና ዘረከብናዮ ህዝባዊ ሓይሊ`ዩ ዝረግጸናን ዘጥፍኣናን ዘሎ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ርእሰ-ምትእማን ዘይውንን፡ ብምጕብባዕ ዝነብር ውስጠ ሃጓፍ፡ ክሳብ ዝደሉ ምሕንካስ ናይ ዝብኢ ባህሪ ዘጥረየ፡ ብመርዚ ግብረ እኪት ዝዓበየ ዘርኢ መርገም ኤርትራ`ዩ። ነዚ ሓቅዚ ተረዲእና ነዚ ብውስጠ ፍርሃት ዝተናወጸ ኣምሰሉ መሬትና ገዲፍናሉ ኣብ ክንዲ ንጸንት፡ ነዚ ዘርኢ ክርዳድ መንድዓት ሃገር ብህዝባዊ ቅልጽም ደርቢና ዓድናን ክብረትናን ክንመልስ እዋኑ ኣዚዩ ሓሊ`ፉናሎ። እቲ ዘማህምነና ዘሎ ትርጉም ኣልቦ ድንቍርና ጸቢብ ፍልልያትን ትምን ነቒሕና ብሓድነት ንግብሪ እንተ ዘይተባራቢርናሉ ግን እታ ጽዋእ ጥፍኣት ጽባሕ`ውን ምሳና ክትህሉ`ያ። ለውጢ እናደለና ለውጢ ካብ ምዃን ምሕንጋድና፡ ከምቲ ዘይዘርኦ ምህርቲ ኪሓፍስ ዚጽበ ሓረስታይ ኣብ ባዶ ሕልሚ ንነብር ኣለና ማለት`ዩ። ርእስና ኣብ ሑጻ ካብ ምቕባር፡ ለውጢ ብግብሪ-ኣልቦ ባዶ ትምኒት ክመጸልና ብደውና ካብ ምሕላም ወጺእና ጸሓይና ክትበርቕ ንበራበር።
ኣብዚ ከም ኣብነት ክጠቕሶ ዝደሊ ዝምድና ተጐሮ ኣካልን ተጐሮ ኣተሓሳስባን`ዩ። ተጐሮ ኣካል፡ ንኣብነት ብዘይሳእኒ ዝረግጽ ኣእጋር፡ ንነዊ ግዜ እንተ ዘይተሓጺቡ ይትጕር`ዩ፣ ተጐሮ ኣብ ረርእሲ ዝተደራረበ ዳርጋ ኣካል ቆርበት ዝኾነ ርስሓት`ዩ። ነዚ ከተጽርዮ ቆርበት ዝቐልጥ ብዙሕ ምፍሕፋሕ የድልዮ። ብተመሳሳሊ፡ ብኹሉ ዓይነታት ናይ ጸቢብ ኣተሓሳስባን ኣረኣእያን ኣእምሮ ብተጐሮ ጸቢብን ድሑርን ፍልልያት ምስ ዚጥቃዕ፡ ብመርማሪ ኣገባብ እንተ ዘይተሓጺቡ፡ ተጐሮ ርእሰ-ፍትወትን፡ ፍርሃትን እንታይ ገዲሱንን ከም ልሙድ ተወሲዱ ኣብ ደልሃመት የንብር። እዚ ኸኣ ክብሪ ሓርነት ሕይወት ዝሰሓተ፡ ንጊልያነት ከም ንቡር-ሕይወት ዝወሰደ ርእሰ-ፍትወት ዝፈጥሮ ጸልማት ድንቍርና`ዩ።
ትብዓትን ጭካኔን – ክልቲኦም ተጻያት መለለይቲ ደቅሰብ ኢዮም፣ ስለዚ ክልቲኦም ኣብ ሓደ ሰብ ኪህልዉ ዝከኣል ኣይመስለንን። እቲ ምንታይ፡ ተባዕ ፍትሐኛ`ዪ፣ ንሰብ ኪብድል ኣይብገስን`ዩ፣ ርእሰ ምትእምማን ይውንን፡ መን ምዃኑ ከፍልጥ ኣይግደስን፣ ኣብ ርእሰ ምክልኻል ከኣ ድምብርጽ ኣይብሎን። ብኣንጻሩ፡ ጨካን ሰብ ርእሰ ምትእምማን የብሉን፣ ሕይወቱ ብመን ምዃኑ ናይ ምርኣይ ምስሉይነት ዝተገዝአ`ዩ። ጭካነ ውላድ ፍርሃት ከም ምዃና መጠን፡ ከይቀደሙኒ ክቕድም ባህሪያት ጨካን ሰብ`ዩ። ፈራህ ሰብ ተባዕ ኪመስል ኩሉ ግዜ ሰባት ይለክፍ፣ ይድህል፣ የነኣእስ፣ የጕባዕብዕ፣ደንዳኒ ስለ ዝኾነ፡ ንተባዕ ሰብ ጐሲዩዎ`ዩ ዝሓልፍ። ጨካን ሰብ ፍትሒ ኣይንታዩን`ዩ፡ ዓማጺ ባህሪያት መለለዪኡ`ዩ። ኪዕብልል ይደሊ፡ ህውከት ምፍጣር ደስታ ይህቦ።
እሞ እዚ ዳሕራይ ጠባይ ኣብ ኢሳያስ ዝረአ፡ ንከይሲነቱ ዝምስክርዶ ኣይኮነን? ኣየናይ`ዩ ዓብላሊ ብዘየገድስ፡ ኣብ ሕይወትና ሒዝናዮ ንጐዓዝ ጠባይ ገሊኡ መፋጥርትና ኪኸውን ይኽእል፡ ገሊኡ ኸኣ እንዓብየሉ ኩነታት ዘሕደረልና ጽልዋ ይኸውን። መተዓብይቲ ኢሳያስ ክገልጹዎ ከለዉ፡ ካብ ንእስነቱ ርኡይ እከይ ባህርያት ከም ዝነበሮ ይምስክሩ፣ ብተወሳኺ ትም ዝብል ጻቕጥ ምንባሩ`ውን ይንገረሉ። እቲ ኻልኣይ ጠባዩ እምበኣር ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘታለለ ኣብ ኣዕናዊ ግብራዊ ውጽኢቱ ንርእዮ ኣለና።
ስለዚ፡ ኣብዚ ክንርድኦ ዘለና ነገር፡ ከም ኢሳያስ ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ኣብ መጀመርያ ወስታኦም ተመሳሳሊ ግብረ መልሲ እንተ ዘይረኺቦም መሸደኒኦም`ዩ ዝኸውን። ንኣብነት እቲ ኢሳያስ መጀመርያ ኣብ ሜዳ ዝጸፍዖ ሰብ ናይ ርእሰ ምክልኻል ግብረ መልሲ ወሲዱ እንተ ዝነብር፡
[Type text] Page 3
ኢሳያስ ካልኣይ ግዜ ኣእዳዉ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ኣይምዓለባን። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ቀጻሊ ሕቡር ተቓውሞታት የጋጥሞ እንተ ዝነብር ኣብዚ በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ኣዕናውነት ኪበጽሕ ኣይምኸኣለን። ከምቲ እሾኽ ኣብ ውልዶኣ ኸላ እንተ ዘይተማሕያ፡ ምስ ተረረት ክትምሕዋ ኣጸጋሚ ስለ ዝኸውን፡ ምሳር ጌርካ ክትቆርጻ ጥራይ ኢዩ እቲ ኣማራጺ። ከምኡ`ውን ከምዚ ሎሚ ኢሳያስ ከይገበለ ኸሎ በቶም መሳርሕቱ ብእግኡ ተለሊዩ እንተ ዘይተኣለየ፡ ንሕጊ ኪግዛእ ቀይዲታት ተገይሩሉ እንተ ዝነብር፡ ሃገርና መንእሰያት ደቃ ኣብ ክንዲ ግዳያት ወፍሪ ባርነትን ስደትን፡ ጥፍኣትን ሞትን ኮይኖም ሎሚ ኣብ ክንዲ ናይ ሓዘን ሽምዓ ነብርሃሎም፡ ተማሂሮም ባዕላቶም ብርሃን ኮይኖም ኣብ ጕዕዞ ምዕባለን ሰላምን ሰሪዖማ ምሃዉ። ሕጂ`ውን ነዚ ዝተጠልመ ጸጋ ሓርነት ንምምላስ ከምቲ ኣሻዅ ቆጥቋጥ ኣብ ርእሲ ስርዓት ኢሳያስ እትውዕል በላዕ ምሳር ክንስሕል የድልየና ኣሎ። እዚ ድሕሪ ምግባር ግን ፡ ነባሪ ፍታሕ ምትካል ግዝኣተ ሕጊ ምዃኑ ንሓቲ ክልኢት እውን ክንዝንግዖ ከም ዘይግባእ ከነስተውዕሎ የድሊ።
ራህዋን ሰላምን ኣብ ትሕቲ ብርሃን ሓርነት ንህዝቢ ኤርትራ!
ዘለዓለማዊ ግብራዊ ዝኽሪ ንስዉኣትናን ግዳያት ግፍዕን!!

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *